ሊቀ-ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ሕደ-ጾታውያን 'ሓዳር' ክገብሩ ክፍቀደሎም ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ሕደ-ጾታውያን 'ሲቪላዊ ሕብረት' ክገብሩ ክፍቀደሎም ኣለዎ ኢሉ ከምዝሓስብ ተዛሪቡ።
ንሓደ ብዛዕብኡ ዝትርኽ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንፈለማ እዋን ኣብቲ ኣካታዒ ጉዳይ ዘለዎ መርገጺ ዝነጸረ መግለጺ ከም ዝሃበ ተንተንቲ ይገልጹ።
"ሕደ-ጾታውያን ሰባት ኣካል ስድራቤት ክኾኑ መሰል ኣለዎም" ክብል ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ክወጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ ፊልም ተዛሪቡ።
"ደቂ ኣምላኽ እዮም፡ ስድራቤት ክኾኑ ድማ መሰል ኣለዎም። ብዛዕብኡ ዋላ ሓደ ክድርበ ወይ ክሰራጠ የብሉን።
"ሕጊ ሲቪላዊ ሕብረት ክንፈጥር ኣለና። ብኸምኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕጊ ይኣትዉ" ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ'ውን እቲ መርገጺ ከምዝነበሮ ብምሕባር፡ ሕደ-ጾታውያን ሕጋዊ ውሕስነት ክህልዎም ኣለዎ ኢሉ ከምዝኣምን ኣነጺሩ።
እቲ 'ፍራንቸስኮ' ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም፡ ብዛዕባ ጉዕዞ ሂወት ኣቡነ ፍራንሲስ ዝትርኽ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ሮማ ዝካየድ ፌስቲቫል'ዩ ቀሪቡ ዘሎ።
ብመሰረት ሰረተ-እምነት (ዶክትሪን) ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ሕደ-ጾታነት፡ "ካብ ንቡር ዝወጸ ባህሪ" ተባሂሉ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ 2003፡ ክፍሊ እምነት (ዶክትሪን) ናይታ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንሕደ-ጾታውያን ዝወሃብ ክብሪ፡ ብዝኾ መንገዲ ንሕደ-ጾታዊ ባህሪ ምቕባል ወይ ንሕደ-ጾታዊ ሕብረት ኣፍልጦ ንምሃብ ከምርሕ ኣይክእልን'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ተንተንቲ ከምዝብልዎ፡ እዚ ናይ ሕጂ ርእይቶ ናይ ሊቀ-ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ካብ ቃላት ሓሊፉ ንሰረተ-እምነት እታ ቤተክርስትያን ዝቕይር ኣይኮነን።
ይኹን ድኣ'ንበር፡ እቲ መግለጺ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝህቦ ዝነበረ መግለጺታት ፍልይ ዝበለ'ዩ።
ኣብ 2013፡ ሕብረት ሕደ-ጾታውያን ምስ ሕብረት ሰብኣይን-ሰበይትን ምምዕርራይ፡ "ባህላዊ ምንስሓብ'ዩ" ክብል ገሊጹዎ ነይሩ።
ኣብ 2018 ድማ፡ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ'ታ ብጾታዊ ዓመጽ ክትሕመስ ዝጸንሐት ቤተክርስትያን ኣብ ዘለዉ ካህናት ዘሎ ሕደ-ጾታነት "ሻቕሎት" ከምዘለዎን፡ "ከቢድ ጉዳይ" ምዃኑን ምዝራቡ ይዝከር።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







