ኣብ ኣሜሪካ ምንጻል ጥንሲ ገበን ክኸውን ከምዝኽእል ፕረዚደንት ትራምፕ ኣእንፊቱ

ኣብ ኣፍደገ ቤት ፍርዲ ተቓውሞ ዘስምዑ ዜጋታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ብ1973 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ምንጻል (ምቁራጽ) ጥንሲ ሕጋዊ ዝገበረሉ ውሳነ መሊሱ ክግምግሞ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

ንሱ ብሕጹይነት ዘቕረባ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ኤሚ ባሬት፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ምቁራጽ ጽንጺ ሕጋዊ ዝገብር ውሳነ ደጊሙ ክሪኦ ኣብ ምግባር ከምእትሳተፍ ዘለዎ እምነት ተዛሪቡ።

እንተኾነ ሕጽይቲ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኮይና ክትቐርብ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ኣቐዲሞም ብዛዕባ እቲ ሕጊ ዝገበርዎ ዘተ ከምዘይነበረ'ዩ ሓቢሩ።

ባሬት "ብኣመለኻኸትኣ ኣዝያ ዓቃባዊት" ምንባራ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ዝኾና ተጣበቕቲ መሰላት ብወገነን፡ እታ ዳኛ ነቲ ኣብ 1973 ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ከምዝኾነ ዝወሰነ ሕጊ ከይትኣልዮ ስክፍትአን ይገልጻ ኣለዋ።

ኣብ ኣሜሪካ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኮይኖም ዝምዘዙ ሰብ ሞያ ሕጊ፡ ካብ ሕግታት ምውናን ኣጽዋርን ጉዳይ መረጻን ክሳብ ምንጻል ጥንስን ፋይናንስ ጓስጓስ መረጻን ዘለዉ ፖሊሲታት እታ ሃገር ኣብ ምምሕያሽ ዝለዓለ ዓቕሚ ኣለዎም።

ኣብ 50 ግዝኣታት መርዓ ሕደ ጾታውያን ክፍቀድ ምግባርን ትራምፕ ወሲንዎ ዝነበረ ገደብ መገሻ ምቁራጽን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ሞንጎ ዘሕለፎም ውሳነታት እዮም።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ 1973 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 7 ን 2 ብዝኾነ ድምጺ'ዩ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ከምዝኾነ ውሳነ ዘሕለፈ።

ኤሚ ባሬት መን'ያ?

ዕድሚኣ 48 ዓመት ክኸውን ከሎ ተኸታሊት እምነት ካቶሊክ'ያ። ንምቁራጽ (ምንጻል) ጥንሲ ብትሪ ትቃወም።

ኤሚ ባሬት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤሚ ባሬት

ቅድም ክብል ኣብ ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ ደቂሰባት ምንባር ዝጅምሩ ካብታ ዝተጸነሱላ መዓልቲ ጀሚሮም'ዮም ኢላ ነይራ። ስለዝኾነ ድማ ምንጻል ጥንሲ ነብሲ ካብ ምጥፋእ ዝነኣኣስ ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለዋ።

እዚ መርገጺኣ ከኣ ነቶም ኣብ ኣሜሪካ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ዝገብር ውሳነ ክቕየር ዝደልዩ ዜጋታት ዘሕጉስ ኮይኑ'ሎ።

ኣብ ግዝኣት ኢንዲያና ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኖተርዳም ብሕጊ ቀዳማይ ዲግሪ ዝተመረቐት ዳኛ ኤሚ ኣንጻር ስደተኛታት ንዘነጻጸረ ፖሊስ ከምእትድግፍ ይዝረብ።

ኣዶ 7 ቖልዑ ኤሚ ኣብቲ ዝተምሃረትሉ ዩኒቨርሲቲ 15 ዓመታት ብመምህርነት ኣገልጊላ'ያ።