ታንዛንያ፡ ብምኽንያት ዘጋጠመን ጥንሲ ካብ ትምህርቲ ዝተኣገዳ ተምሃሮ ንምረቓ በቒዐን

ኣብ ታንዛንያ፡ ተምሃሮ ኮይነን ብምኽንያት ዘጋጠመን ጥንሲ ካብ ትምህርቲ ዝተሰጓ ኣደታት ሓንቲ ጥሮተኛ መምህር ብዝመቻቸወትለን ዕድል፡ ኣብዚ ሰሙን ተመሪቐን።
ፕረዚደንት'ታ ሃገር ጆን ማጉፉሊ ኣብ 2017 ዘሕለፎ 'ጥንሲ ዘጋጠመን ተምሃሮ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ክስጎጋ ኣለወን' ዝብል መልእኽቲ፡ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ነይሩ።
ጓል 72 ዓመት ጥሮተኛ መምህር ማርቲና ሳይመን ሲያራ ብዘመቻቸወትለን ኣጋጣሚ ካልኣይ ዕድል ዝረኸባ ኣደታት [ተምሃሮ ኮይነን ጥንሲ ዘጋጠመን] ትምህርተን ክቕጽላ ክኢለን ኣለዋ።
ብ ማርቲና ዝተጣየሸ - ማእኸል ፋራጃ - ነተን ብምኽንያት ዘጋጠመን ጥንሲ ተሰጒገን ትምህርተን ዘቋረጻ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለዩ ናይ ሞያ ስልጠናታት ኪንዮ ምሃብ ካልኣይ ዕድል ትምህርቲ ክረኸባ ይገብር።
ሓንቲ ካብተን ነዚ ዕድል ረኺበን ናብ ምረቓ ዝበቕዓ ኣደታት ጓል 23 ዓመት ኣደ መናቱ ደብራ ኢማኑኤል እያ።
ጓል 17 ዓመት ተምሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ጥንሲ ስለዘጋጠማ ካብ ትምህርታን ካብ ገዝኣን ተሰጒጋ።
ኢማኑኤል "ንደቀይ ዝሕግዘሉን ናብ ትምህርቲ ዝልእኸሉን ገንዘብ ዝረኽበሉ ናይ በዓለይ ስራሕ ክጅምር'የ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ፕረዚደንት ማጉፉሊ ኣብ ጎስጓስ ምርጫ 2017 ኣብ ዘሕለፎ መጠንቀቕታ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ጥንሲ እንተደኣ ኣጋጢምወን ትምህርቲ ክቕጽላ ከምዘይክእላ ሓቢሩ ነይሩ።
እዚ ዘረብኡ ንብዙሓት'ኳ እንተቖጠዐ፡ እቲ ግብራዊ ዝኸውን ዘሎ ሕጊ ግን ቅድሚኡ ኣብ 2002 ዝወጽአን ጥንሲ ዘጋጠመን ተምሃሮ ካብ ትምህርቲ ዝእግድን እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







