ዝለዓለ ቁጽሪ ሕደ-ጾታውያን ኣባላት ዘለዎ ፓርላማ እስራኤል

ባይቶ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፓርላማ እስራኤል እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ሕደ-ጾታውያን ኣባላት ዘለዉዎ ባይቶ ኮይኑ ከምዝጅምር ተገሊጹ።

እቲ 120 ሰባት ዝሕዝ ባይቶ እስራኤል፡ ካብ 5ተ ሰልፍታት ዝተመርጹ ሽዱሽተ ሕደ-ጾታውያን ኣባለት ክህልዎ'ዩ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ እስራኤል ንፈለማ እዋን ሕደ-ጾታዊ ሚኒስተር ሸይማ ነይራ።

እስራኤል፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ሕደ-ጾታውያን ሰባት ገስጋሲ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዋ ሃገር እያ።

እንተኾነ ግን፡ ካብ ገለ ዓቃባውያን ማሕበረሰባት ብዙሕ ተቓውሞታት ይገጥሞም እዩ።

እዞም ሕደ-ጾታውያን፡ ንብረት ክወርሱ ከምኡ'ውን ቆልዑት ከዕብዩ ሕጋዊ መሰል ከምዘለዎም ይግለጽ። ካብ 1993 ጀሚሩ ድማ ኣብ ሰራዊት ተጸንቢሮም ከገልግሉ ተፈቒድሎም እዩ። ይርያ ሃረተዛኖ፡ ኣባል ሓደ ሰልፊ ማእከላይ ክንፊ ኮይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኣባል ባይቶ (ከነሰት) ኮይኑ ከገልግል ቃለ-ማሕላ ክገብር እዩ።

ይርያ ሃረተዛኖ

ምንጪ ስእሊ, Knesset

ንሱ፡ ንሓደ ኣባል ባይቶ ዝነበረ እሞ ካብ ስልጣኑ ብድልየቱ ዝወረደ ተኪኡ ስርሑ ክጅምር እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰልፊ ቀደማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁ፡ ንፈለማ እዋን ንሓደ ሕደ-ጾታዊ ከም ሚኒስትሪ ፍትሒ ኮይኑ ከገልግል ምምዛዙ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን እቲ ሕደ-ጾታዊ ከም ሚኒስተር ጸጥታ ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

መግለጺ ቪድዮ, እንዳ ባላጋን፡ ብስደተኛታት ዝተቐየረ ቦታ እስራኤል