ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ብሚስጢር ከምዘይተሓዝ ገሊጾም

ጳጳስ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጳጳስ ፍራንሲስ

ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፍራንሲስ፡ ኣብ ውሽጢ'ታ ቤተክርስትያን ንዘጋጠም ጾታዊ ዓመጽ እትሕዘሉ ኣገባብ ከም ዝቕየር ገሊጾም።

እቲ ውሳነ፡ እቲ ንግዳያት ዓመጽን ክሲ ንዝቐረበሎም ካህናትን ንምስታር ዝግበር ዝነበረ ኣሰራርሓ ብምቕያር፡ እቶም ጉዳያት ግሉጽ ብዝኾነ መንገዲ ዝረኣይሉ ኩነታት ዝገብር'ዩ ኢሎም።

እዚ ትማሊ ሰሉስ ዝወጽአ ጳጳሳዊ ሰነድ፡ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ብፖሊስን ካልኦት ሰብ ሞያ ሕግን ነቲ ጉዳዮም ብዕቱብ ክከታተልዎን ዘድሉ ሓበሬታ ንኽሓቱን ፍቃድ ዝህብ ምዃኑ ይግለጽ።

ቅድሚ ሕጂ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን፡ ንውሕሰነት እቶም ግዳያትን ክብሪ እቶም ዝተኸሱን ንምሕለው ነቲ ጉዳይ ብስቱር ትሕዞ ከም ዘነበረት ይፍለጥ።

እቶም ጳጳስ፡ ጉዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ጌና "ብቕንዕናን ብምስጢራዊ መገዲን ክተሓዝ'' ኣሎዎ ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።

ንሰበ-ስልጣን ቫቲካን ድማ ስቪላዊ ሕጊ ክኽተሉን፤ ምስ መርመራ ዘካይዱ ሓለፍቲ ስቪላዊ ቤት-ፍርድታት ክተሓባበሩን ምሕጽንትኦም ኣመሓላሊፎም።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ፎቐዶ ዓለም ብካህናት ንዝተፈጸመ ጾታዊ ግህሰት ጉልባብ ትህብ እያ ክብሉ ዝወቕሱ ብዙሓት እዮም።

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ነቲ ንክብሪ ቤተክርስትያንን ካህናትን ዘዋርድ፡ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ዛዕባ ዓመጽ፡ ጽኑዕ ልጓም ብምግባር ንፈጸምቲ በደል ኣብ ሕጊ ኣቕሪቦም ዳግማይ ግህሰት ንከየጋጥም ጽኑዕ ኣመራርሓ ክህቡ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ጸቕጢ ክግበረሎም ጸኒሑ።

እቶም ጳጳስ ጾታዊ ግህሰት "ናይ ሰይጣን መሳርሒ" እዩ ብምባል ዝኾነ በዚ ጉዳይ እዚ ዝኽሰሱ ካህናት ጽኑዕ ስጉምቲ ክውሰዶም መልእኽቲ ኣሕሊፎም ምንባሮም ይዝከር።