ንጥንቆላ ዝሕለቕ ምሁር ብዛዕባ ዕላማኡ እንታይ ይብል?

ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ሃድን ጠንቋሎ ዝነጥፍ ዘሎ ዶ/ር ኢግዌ

ኣክቲቪስት ሊዮ ኢግወ ኣብ ናይጀርያ ብጥንቆላ ንዝተኸሰሱ ሰባት ንምሕጋዝ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ተጣባቒ’ዩ። ምኽንያቱ ህይወት እቶም ‘ጠንቆልቲ’ ብዝብል ዝህደኑ ዘለዉ ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቐ’ዩ።

“ኣብዚ ኮፍ ኢለ ሰባት ብመደዳ እናተቐተሉ ምርኣይ ክጻወሮ ዘይክእል ነገር’ዩ” ይብል ዶክተር ኢግወ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

ኣብ 2017 ብሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ናይ ዶክትሬት ዲግሪ ትምህርቱ ድሕሪ ምዝዛሙ ዕረፍቲ ኣይነበሮን። ብዛዕባ ጥንቆላ ብዙሕ ጽሒፉ ስለዝነበረ፡ ኣካዳሚያ ነቲ ልምዲ ፊት ንፊት ክቃለሶ ስለ ዘይፈቐደሉ ተበሳጭዩ።

ቢቢሲ ኣብ ናይጀርያ ፓስተራት ጴንጠቆስጠ ነቶም ጠንቆልቲ ዝበሃሉ ዒላማ ብምግባር ኣገልግሎት ከምዘካየዱ መርትዖታት ርእዩ’ዩ። “እዚ ተግባር ኣብታ ሃገር ዘይተለምደ ኣይኰነን” ይብል ዶክተር ሊዮ ኢግወ።

መጠንቀቕታ፤ እዚ ዓንቀጽ ገለ ኣንበብቲ ዘሰክፍ ኰይኑ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ።

ስለዚ ድማ’ዩ ዶክተር ኢግወ፡ “ህይወት እቶም ብኣጉል እምነት ዝተሃስዩ ሰባት ንምድሓን ርህራሀ፡ ምኽንያትን ሳይንስን ምጥቃም” ዘተኮረ ነቶም ብስም ጠንቆልቲ ዝህሰዩ ዘለዉ ሰባት ዝጣበቕ ትካል መስሪቱ።

ዶክተር ኢግወ ዝሰርሖ ናይ ምክልኻል ስራሕ ናብ ጋና፡ ኬንያ፡ ማላዊ፡ ዚምባብወን ክንዮኡን ይዝርጋሕ ኣሎ። እቲ ትካል ኣብ ናይጀርያ ካብ ዝሓገዞም ሰባት ሓደ ወዲ 33 ዓመት ጁድ እዩ።

ኣብ ነሓሰ ኣብ ግዝኣት ቤኑወ ክኽሰስን ክቕጥቀጥን እንከሎ፡ እቲ ዶክተር ረዲእዎ። ጁድ ኣብ ስርሓት ብርጭቆ ዝተዋፈረ ኰይኑ ኣብ ዘይመልአ ድማ ናይ ባንክ ሰራሕተኛ ኰይኑ ዝናበር ሰብ እዩ።

ሓደ ንግሆ ናብ ስራሕ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ክልተ ከበድቲ ዓታሩ ማይ ዝሓዘ ወዲ ከም ዝረኸቦን፡ እዚ ድማ ብዛዕባ ኣካላዊ ቅልጣፈ ናይቲ ወዲ ርእይቶ ክህብ ከም ዝደረኾን ይዛረብ።

እቲ ወዲ ነቲ ርእይቶታት ብቕንዕና ኣይወሰዶን፤ እንተዀነ መንገዱ ቀጸለ።ጸኒሑ ኣስታት 15 ሰባት ዝሓቘፈ ዕስለ ሰባት እምኒ እናደርበዩሉ ሰዓቦ። ካብኣቶም እቲ ኣቐዲሙ ሰላም ዝበሎ ወዲ ነበረ። ጁድ፡ “መንእሰያት እውን ክቃለሱኒ ጀመሩ፤ ሓዊ ከቃጽሉኒ ፈቲኖም” ይብል።

ብጥንቆላ ኣቢሉ፡ “ብልዕቲ ናይቲ ወዲ ከም ዝጠፍእ ገይሩ’ዩ” ዝብል ክሲ እዩ ቀሪብሉ። እዚ ክሲ’ዚ ኣሰንቢድዎን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን’ዩ።ኣብ ገለ ከባቢታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ምጥፋእ ዝብል ክሲ ልሙድ እዩ።

ምስ ‘ኮሮ ሲንድሮም’ ዝተባህለ ብኻልእ ኣጸዋውዓ ‘ሚሲን ወይ ጀኒታል ሪትራክሽን ሂስተርያ’ ዝፍለጥ ሕማም ኣእምሮ ዝተኣሳሰር ኣበሃህላ ኰይኑ ብጽዑቕን ዘይርትዓውን ፍርሒ ዝልለ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም እዩ።

ግዳይ ሃድን ጠንቋሎ ዝኾነ ጅዴ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዶክተር ኢግወ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ክሲ ዝነበረ ጸለመ ጁድ ካብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ባንኪ ከምዝተባረረ ገሊጹ።

ጠንቆልቲ እናተሃደኑ እንከለዉ ዘርእዩ ቪድዮታት ኣብ ፌስቡክ እውን ክዝርጋሕ ጀሚሩ። እዚ ድማ ዶክተር ኢግወን ጕጅለኡን ኣስተብሂሎም ክምርምሩ ዝጀመሩሉ እዋን እዩ።

“ንጁድ ጭካነ ብዝተመልኦ ዕርቃኑ ከምዘውጽእዎ ትፈልጡ’ዶ?”ይብል ዶክተር ኢግወ።

ዶክተር ኢግወ ኣብ ዋትስኣፕ ጸላዊ ሰብ እዩ።ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ንዝተፈላለዩ ግዝኣታት ናይጀርያ ዝኸውን ጕጅለታት ዋትስኣፕ ፈጢሩን ኣዳልዩን እዩ።

እቶም ጕጅለታት “ተጣበቕቲ” ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተታት ግዱሳት ዜጋታት ዝመልኡ እዮም። እቶም ኣብቲ ዋትስኣፓት ዝተሓቘፉ ኣባላት ክሲ ጠንቆልቲ ቪድዮታትን ኣሳእልን ኣካፊሎም ኣብ ዓዶም ክሲ ክቐርብ ከሎ ጣልቃ ክኣትዉ ዝፍትኑ’ዮም።

“ንጁድ ኣብ ጸገሙ ረዲእናዮ። ቁስሉ ንምፍዋስ ገለ ገንዘብ ሰዲድናሉ” ይብል ዶክተር ኢግወ። እታ ጕጅለ ንጁድ ናይ ዩኒቨርሲቲ ክፍሊት’ውን ክትከፍል ቃል ኣትያ ኣላ፤ እዚ ድማ ሓድሽ ምጅማር ክዀነሉ ተስፋ ኣለዎ።

ብዙሓት ኣብታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣፍሪቃ፡ ንጠንቆልትን ነቲ ዝጥቀሙሉ ዝበሃሉ ዲያብሎሳዊ ሓይልታትን ይኣምኑን ብፍርሒ ይነብሩን።ፋይናንሳዊ ጸገማት፡ ሕማም ወይ መኻንነት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ጥንቆላ የተኣሳስርዎ።

እቶም ተኸሰስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ተቓላዕቲ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ወይ ኣዝዮም ንኣሽቱ ወይ ኣዝዮም ኣረጋውያን እዮም፤ ሓደ ሓደ ግዜ ኣእምሮኣውን ኣካላዊን ስንክልና ኣለዎም፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ድኽነት ይነብሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ናይጀርያ ዋች ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ 2024 ብቐጥታ ምስ ክስታት ጥንቆላ ብዝተኣሳሰር ሞት ሸሞንተ ሰባት ከምዘጋጠመ ይሕብር።

ቢቢሲ ነዚ ኣሃዛት ብናጻ ኣካላት ዘረጋገጸ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናይጀርያን ክንዮኡን ኣብ ልዕሊ ብጥንቆላ ዝተኸሰሱ ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕትን ቅትለትን ጸብጻባት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ትካል ‘ኣድቮኬሲ ፎር ኣሌጅድ ዊችስ’ ኣብ ነሓሰ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ኣንጻር ሃድን ጠንቆልቲ ህዝባዊ ሰሚናራት ኣካይዱ ነይሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢባዳን ላዕለዋይ መምህር መቦቆላውያን ሃይማኖታት ኣፍሪቃ ዶክተር ኦላሌየ ካዮደ፡ “ኣብ ናይጀርያ ኣብ ጥንቆላ ምእማን ልሙድ እዩ” ይብል።

"እቲ እምነት፡ ጠንቆልቲ ሓደ ካብቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም ልዕለ ባህርያዊ ፍጡራት እዮም" ክብል ወሲኹ፡ ሰባት ሃድን ጠንቆልቲ ከስፋሕፍሑ ዝገብሮም ድንቁርና ምዃኑ ድማ ይገልጽ።

ኣብ ናይጀርያ ንዝካየድ ሃድን ጠንቆልቲ ብቐንዱ ካብ ከም ክርስትናን እስልምናን ዝኣመሰላ “ናይ ወጻኢ ሃይማኖታት” ንዝግበር ስብከት ይወቅስ። እንተዀነ መበቆላውያን ዝበሃላ ሃይማኖታት’ውን ኣብ ልዕሊ ጠንቆልቲ “ኲናት ከምዝኣወጃ” ይኣምን።

ዶክተር ኢግወ፡ ገለ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ብዙሓት ጸለውቲ ክርስትያን ጴንጠቆስጠ ፓስተራት፡ ብዛዕባ ጥንቆላ ዘሎ ኣጉል እምነት ከም ዘደልድሉን፡ “ዝዀነ ጠንቋሊ ዝበሃል ንሕብረተሰብ ሓደገኛ እዩ፤ ምሕረት ኣይግብኦን ክቕተል ኣለዎ” ዝብል ኣረኣእያን ከምዘስፋሕፍሑ ይዛረብ።

ዶክተር ኢግወ ኣብ ግዝኣት ኢሞ ሓደ “ጠንቋሊ ክመውት ኣለዎ” ዝብል ናይ መወዓውዒ ታፔላ ምስ ረኣየ፡ ንሰበስልጣን እቲ ከባቢ ሓያሎ ጥርዓናት ጽሒፉ። ከምኡ'ውን ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ብምልኣኽ ክስረዝ ፈቲኑ።

ኣብቲ ናይ ግዝኣት ኢሞ ፍጻመ ዝተቐትለ ሰብ የለን፤ እንተዀነ እቲ ካብ ኣብያተ ክርስትያናት ዝመጽእ “ጠንቋሊ ክመውት ኣለዎ” ዝብል ቃላት ናብ ጽልእን ዓመጽን ከስዕብ ከምዝኽእል ዶክተር ኢግወ ይዛረብ።

ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ናይጀርያ ድማ ኣንጻር ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እየን።ኣብ ሌጎስ ኣብ ዝርከብ ዘ ግሎባል ሲቲዘንስ ቸርች ላዕለዋይ ፓስተር ጁልየስ ኦሲመን፡ “ኣጋንንቲ ምውጻእን ነቶም ኣጋንንቲ ዝሓዞም ዘይምቕታልን እንፈልጦ ኣስተምህሮ የሱስ እዩ ነይሩ” ይብል።

ሚስተር ኦሲመን ዝዀነ ይዅን ሃድን ጠንቆልቲ ዘተባብዕ ስብከት ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብጌጋ ምትርጓም እዩ ኢሉ ይገልጾ።

“የሱስ ምስ መጸ ዝሓሸ ርድኢት ሒዙ እዩ መጺኡ። ብኣጋንንቲ ዝተትሓዙ ወይ ዝተገፍዑ ሰባት ኣይትቐትልን ኢኻ፡ ነቶም ኣጋንንቲ ጥራይ ኢኻ ኣውጽኢኻ ትድርብዮም” ይብል።

ዶክተር ኢግወ ነቶም ጠንቆልቲ ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ወኪሉ ጣልቃ ብምእታዉ ሰለስተ ግዜ ከምዝተሃርመ ይዛረብ፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ንድሕነቱ ስክፍታ ከምዘለዎም ምግላጾም’ውን ሓቢሩ።

ኣብ ናይጀርያ ገለ ቤተ ክርስትያናት 'ጠንቋሎ ክቕተሉ ኣለዎም' ዝብል ኣስተምህሮ ይህባ

እቲ ኣክቲቪስት ግን፡ "ንቕድሚት ክስጕምን መሪሕነት ክህብ ክጽዕርን ከምዘለኒ'ዩ ዝግንዘቦ" ይብል።

ኣብ ናይጀርያ ንዝዀነ ሰብ ጠንቋሊ ወይ ሓይሊ ጥንቆላ ኣለዎ ኢልካ ምኽሳስ ወይ ክኸስስ ምፍርራሕ ገበን እዩ። ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ድማ ዘፍርድ ገበን እዩ። ይዅን እምበር፡ ምኽሳስን ምፍራድን ሳሕቲ እዩ ዝርአ።

ኣብ 2021 ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ጥንቆላ ዝተኣሳሰር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝዅንን ውሳነ ኣሕሊፉ’ኳ እንተነበረ፡ ከምዚ ዓይነት ክስታት ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ህንዲን ፓፑዋ ኒው ጊኒን ሓዊሱ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ይቕጽል ኣሎ።

"ሃድን ጠንቆልቲ ከብቅዕ ንምግባር በዳሂ ስለዝዀነ፡ “ብሽም ኣካል ባህልና'ዩ' ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ክነሐንቅቖ የብልናን" ይብል ዶክተር ኢግወ።

ንሱ ኣስዒቡ፡ “ወለድና ምቕታል ኣካል ባህልና ኣይኰነን። ንጹሃት ሰባት ምቕታል ኣካል ባህልና ኣይኮነን” ይብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሓት ኢደ ጥበብ ንዝተዋፈሩ ክፋል ሕብረተሰብ ‘ቡዳ’ ዝብል ስያመ ተዋሂቡ መውስቦ ካብ ምኽላእ ጀሚርካ ክሳዕ ሕብረተሰባዊ ተነጽሎ ክበጽሖም ይግበር እዩ።