ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ብጥንቆላ ተኸሲሳ ኣብ ኣደባባይ ዝተሳቐየት ጓል ኣንስተይቲ

ሓንሳብ ብጥንቆላ ሽምካ ምስ ጸለመ ካብ ዝበጽሐካ ጾታዊ መጥቃዕቲ ክትሃድም ከቢድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Shali Reddy

መግለጺ ስእሊ, ሓንሳብ ብጥንቆላ ሽምካ ምስ ጸለመ ካብ ዝበጽሐካ ጾታዊ መጥቃዕቲ ክትሃድም ከቢድ እዩ

"ኣብ ቅድሚ ዓይነይ . . . 'ቀቲልክዮ' እናበሉ የእውዩ" ነይሮም።

ሞኒካ ጳውለስ፡ ኣቡኣ ብሰንኪ ወቕዒ ልቢ ሃንደበት ነፍሱ ስሒቱ ወዲቑ ክመውት እንከሎ፡ ሓዋ ኣጠንቊላ ቀቲላቶ ኢሉ ከሲሱዋ።

በዚ ምኽንያት ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ምስቓይ በጺሑዋ።

"ንዓይ ኣሰንበዲ'ዩ ነይሩ። መሓዙተይ፣ ስድራይ ኩሉ . . . ገጾም ጸዋዊጎሙለይ፤ ድሓር ኣነ ሕማቕ ሰብ ደይ ኢለ ከም ዝሓስብ ገይሮሙኒ" ትብል።

ወሲኻ "ከምኡ ኢሎም ክኸሱኒ እንከለው ኣነ ሕፍረትን ኢንታን ተሰሚዑኒ" ኢላ።

በዚ ምኽንያት ካብቲ ዝዓበየትሉ ከባቢ ተሰዲዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ፓፓዋ ኒው ጊኒ ክትነብር ተገዲዳ።

ኣብ ፓፓ ኒው ጊኒ ሱር ዝሰደደ እምንት ጥንቆላ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Shali Reddy

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፓፓ ኒው ጊኒ ሱር ዝሰደደ እምንት ጥንቆላ ኣሎ

ኣብታ ሃገር፡ ምስ ጥንቆላ ብዝተሓሓዝ ዝበጽሕ ግህሰት ወይ መጥቃዕቲ ሰፊሕ እዩ።

ዋላ'ውን እዚ ክሳብ ክንደይ ዘጋጥም'ዩ ዝብል ንምፍላጥ ዝሕግዝ ጭቡጥ መረዳእታ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ክስተት ከም ዝነበረ ጸብጻባት መንግስቲ ይሕብሩ።

ገሊኦም ግን፡ ዓመታዊ ኣሽሓት ሰባት - መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮን - ብጥንቆላ ተኸሲሰን ግዳያት ስለ ዝኾና እቲ ቁጽሪ ክብ ክብል ከም ዝኽእል ይገልጹ።

ካብዚ ብዝብገስ እተን ደቂ ኣንስትዮ ንኣዝዩ ዘስካሕክሕን ጾታ መሰረት ዝገበረን ግህሰት ዝተቓልዓ እየን።

"ብዛዕባ ጫፍ ዝበጽሑ መጥቃዕታት ኢና ንዛረብ ዘለና፤ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝርኣኹዎም እቶም ኣዝየም ዝኸፍኡ ግህሰታት" ትብል ሰራሕተኛ ሂዩማን ራይትስዎች ስቴፋኒ ማክሌናን።

"እቲ ኣዝዮም ዝኸፍኡ፡ ብዕስለ ዝግበሩ መጥቃዕታትኮይኖም እተን ግዳያት ከም እሱር ይማረኻ፣ ይሰቓያ፣ ብዝረሰነ ሓጺን ይቃጸላ፣ ክዳውንተ ብሓይሊ ይቕደድ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ይቕተላ" ኢላ።

ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ልዕሊ ሜሪ ኮፓሪ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ንብዙሓት ኣዘራሪቡ'ዩ።

ጓል 30 ዓመት ሜሪ፡ ሄላ ኣብ ዝተባህለ ግዝኣት ፓፓዋ ኒው ጊኑ ድሕሪ ብ7 ግንቦት 2021 ዓ.ም ዘጋጠመ ሞት ቖልዓ ክልተ ዓመት ወዳ ምስ ጥንቆላ ብዝተሓሓዝ ጠቐነ ኣዝዩ ጭካነ ብዝተመልኦ መገዲ እያ ተቐቲላ።

ኣብ ዕዳጋ ድንሽ እናሸጠት እንከላ ብዕስለ ተታሒዛ ብህይወትታ እንከላ ብሓዊ ኣቃጺሎምዋ።

ዋላ'ውን እቲ ክስተት ብቪድዮ ተቐዲሑ ኣብ ማዕኸናት ዜና እንተተጋውሐ ነዚ ተሓታቲ ክኸውን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ የለን።

ካልኦት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ'ውን ብተመሳሳሊ ጠቐነ ግዳያት ኮይነን ናብ ጫካታት ክሃድማ ዝኽኣላ ከም ዘለዋ ማክሌናን ትዛረብ።

ስቅላት ኣብ ኣደባባይ

ሞኒካ፡ ብጥንቆላ ምስ ተጠቀነት ክትሃድም ክኢላ እያ።

"ብጥንቆላ ብዘጋጥም ሞት ክኽሰስ እንከለኹ ኣኸለ - ዋላ ሓደ መረዳእታ ዝሓተተ ኣይነበረን። ካብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቦይ ተኸልኪለ። ድሕሪኡ ቤተሰበይ ኮነ እቲ ሕብረተሰብ ከም ዘይቕበለኒ ይፈልጥ ነይረ" ትብል።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ሓዋ ብጥንቆላ ክኸሳ እንከሎ ናይ ኣቡኦም ውርሻ ክብሕቶ ስለ ዝደለየ'ዩ ብሓሶት ከሲሱኒ ኢላ ትኣምን።

እንተኾነ ኩሎም ምስ ጥንቆላ ብዝተሓሓዝ ዘንቅሉ ክስታት ገንዘብ ካብ ምድላይ ዝለዓሉ ኣይኮኑን፤ እኳ ድኣ ገሊኦም ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ዘሎ ዓሚቕ ባህላዊ እምነት ዝምንጭው'ዮም።

ሞኒካ፡ "ጥንቆላ ኣብ ህዝብና ሱር ሰዲዱ'ዩ" ትብል።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ቖልዓ እንከላ ኣትሒዙ ቕትለት ይፍጸም ከም ዝነበረን እቲ ሕብረተሰብ ተቐቢሉዎ ከም ዝመጽአን ትዛረብ።

"ሚዲያታት ኣብ 1990ታት እየን ብግልጺ ክዛረባሉ ጀሚረን፤ ቅድሚኡ ሰብ ከይፈለጦ ብዙሓት ይቕተሉ ነይሮም። ሕጂ ደቂ ኣንሰትዮ ናብ ኣደባባይ ተወሲደን ይስቀላ። ፈጺሙ ሰብኣዊ ኣይኮነን" ትብል።

ስእሊ ኣብ ጫካ ዝተሓብኡ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Shali Reddy

መግለጺ ስእሊ, እቶም ብጥንቆላ ዝኽሰሱ ሰባት ካብ ገዝኦም፣ ብሄሮምን ዝነብርሉ ሕብረሰብን ተገሊሎምን ተሰዲዶምን እዮም ዝነብሩ

ቅልውላው ኮሮናቫይረስ

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ጥንቆላ ብዝተሓሓዝ ዝፍጸሙ ግህሰታት ከም ዝወሰኸ ይገልጽ።

እዚ ብምኽንያት እቲ ክታበት ንዘይምውሳድ ዘሎ ምጉብዕባዕን ህላወ ኮሮናቫይረስ ንዘይምቕባል ብዘሎ ዝንባለን ዝስዓበ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም ሞት ምስ ጥንቆላ ክተሓሓዝ ከም ዝግበር ማክሌናን ትገልጽ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ሓንቲ ሰበይቲ በዓል ቤታ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ምስ ሞተ ንሳን ጓላን ኣጠንቊለናሉ ተባሂለን ተኣሲረንን ተሳቕየንን እየን።

ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር እታ ጓል 45 ዓመት ኣደን ጓል 19 ዓመት ጓላን ስብራት ዓጽሚ ኣዕዳው ከም ዘጋጠመንን ብዝረሰነ ሓጺን ከም ዝነደዳን ጸብጺበን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ እታ ሃገር ነዚ ግህሰት ዝቃለስ ኮሚቴ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከቕውም እንከሎ ኣቦ መንበር ቻርለስ ኣቤል፡ ኮሮናቫይረስ "ሰባት ብጥንቆላ ንክጥቅኑዎም" ከም ምኽንያት ይጥቀሙሉ ኣለው ክብል ኣጠንቂቑ።

ሞኒካ ድሕሪ እቲ ዘጋጠማ ግህሰት ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቓ ንኻልኦት ግዳያት ክትቃለስ እያ መሪጻ።

ንሳ ተሰዲዳ ኣብ ካልእ ክፋል ፓፓዋ ኒው ጊኒ እናነበረት፡ ሕጂ'ውን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣደባባይ ብእምኒ ተቐጥቂጠን ክቕጽዓ ከም እትርኢ ትዛረብ።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ሓደ ሰብኣይ ክዕምጻ ምስ ፈተነ መልሓሱ ስለ ዝነኸሰቶ ጠንቋሊት ተባሂላ ተኸሲሳ እያ።

"ኣብ ቅድሚ ነቲ ክስተት ዝርእዩ ዝነበሩ ሰብ መዚ መንግስቲ እያ ተቐቲላ። ሽዑ ሓደ ነገር ክገብር ከም ዘለኒ ይርዳእ ነይረ" ትብል።

ስእሊ ፈሪሓ ጸግዒ ዝሓዘት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Shali Reddy

ድሕሪኡ ሞኒካ ነተን ብጥንቆላ ዝኽሰሳ ደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዝን ጎስጓስ ዝገብርን ጉጅለ ኣጣይሻ።

እዚ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ልዕሊ 500 ሰባት ከድሕን ክኢሉ እዩ።

እዚ ስራሕ ካብ እትጅምር ኣትሒዙ ሞኒካ መንበሪ ገዝኣ ተቓጺሉ'ዩ፤ ሕጂ ካብታ ሃገር ወጺኣ ኣብ ኣውስትራሊያ ስደተኛ ኮይና ትነብር ኣላ።

"ካብ ሰለስተ ደቀይ ርሒቕካ ምንባር ከቢድ'ዩ፤ ውሑሳት እንተኾይኖም ሰላም ክረክብ እየ፤ ግን ይጉዳእ እየ ዘለኹ" ትብል።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፓፓዋ ኒው ጊኒ ብፍላይ ጾታ መሰረት ዝገበረ ጸገማት ሰብኣዊ መሰላት ክትፈትሕ ኣተሓሳሲቡ እዩ።

ምኽትል ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጾታ መሰረት ዝገበሩ ግህሰታት ባይቶ እታ ሃገር ኣመሓዳሪ ኣላን በርድ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ነዚ ጸገም ንምቅላስ ዝውዕል "እኹል" ገንዘብ ንመጀመርታ እዋን ከም ዝተሰልዐ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ፓፓዋ ኒው ጊኒ ኣብ ዓለም ንደቂ ኣንስትዮ ኣዝየን ሓደገኛታት ካብ ሞንጎ ዝበሃላ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ ኣስታት 70 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ኣብ ህይወተን ጾታዊ ዓመጽ ይበጽሐን።