ቢንያም ናብ ዓወት ተመሊሱ፡ መወዳድርቱኸ እንታይ ኢሉ?

ቢንያም ግርማይ ሕንጻጽ እናረገጸ

ምንጪ ስእሊ, NSN cycling

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ብንያም ግርማይ ብሰንበት ኣብ ስጳኛ ንዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር 'ክላሲካ ደ ኣልሜርያ' ቀዳማይ ብምውጻእ ኣብዛ ዓመት ምስ ሓዳስ ጋንታኡ ካልኣይ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ኣብዚ ኣብ ፑኤብላ ደ ቪካር ጀሚሩ ኣብ ሮኬታስ ደ ማር ዝተዛዘመ 190 ኪሎሜትር ዝንውሓቱ ውድድር፡ ካብ ናይ መወዳእታ 15 ኪ.ሜ ኣትሒዙ ካብ ዝነበረ መውደቕቲታት ብደቂ ጋንታኡ ተሓልዩ እዩ ናብ ናይ መወዳእታ 200 ሜትሮ በጺሑ።

ቢንያም ኣብ መወዳእታ ብደቂ ጋንታኡ ሆፍስተተርን ልዊስ ኣስከይን ተመሪሑ ናብ ጥቓ ሕንጻጽ ምስ ቀረበ ሸኲኹ [ቮላታ] ብምውጻእ ብልዑል ፍጥነት ቀዳማይ ክኸውን በቒዑ።

"ሓቂ ንምዝራብ፡ ጋንታና ካብ ምጅማር ክሳዕ ምዝዛም ንምእማኑ ዘጸግም ልዕሊ ዓቐን ስራሕ ሰሪሓ። ስለዚ ድማ እየ ናብዛ ጋንታ እዚኣ መጺአ። ውዱኣት ደቂ ጋንታ እየ ረኺበ። ንዅሎም የቐንየለይ ክብል ጥራይ እየ ዝደሊ፡" ክብል ድሕሪ ዓወቱ ምስ ሳይክሊን ፕሮ ኔት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ።

"ኣብታ ናይ መወዳእታ ሓደ ኪሎሜትር ብሓባር ክንህሉ ፈቲንና። እንታይ እየ እሞ ክብል፣ ፍጹም ናይ ሕልሚ ዕማም ኢና ሰሪሕና፡" ብምባል ብኣድናቖት ተዛሪቡ።

"በዚ ዘገርም ናይ ሓባር ስራሕ ንዓመተ ስፖርት ምጅማርና ጽቡቕ'ዩ። ብሓባር ክንዓዪን ንዓበይቲ ውድድራት ክንዳሎን ሓያል ድርኺት ክፈጥረልና እዩ።"

ቢንያም እዚ ናይ ትማሊ ዓወቱ ኣብ ፕሮፌሽናል ጕዕዞኡ መበል 18 ዓወቱ ኰይኑ፡ ንሓዳስ ጋንታኡ ኤንኤስኤን ከምኡ'ውን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 250 ነጥቢ ኣምጺኡለን ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ውድድር ካብ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ጃንስ ቫን ረንስበርግ ተታሒዙ ንዝጸንሐ ካልኣይ ደረጃ ኣመሓዪሽዎ ኣሎ - እቲ እንኮ ኣብዚ ውድድር ዝነበረ ኣፍሪቃዊ ቢንያም።

ካብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣባል ሊድ ትሬክ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ኣብ 2021 ኣብዚ ቦታ ተወዳዲሩ ነይሩ።

ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር፡ ከም በልጁማዊ ኣርናው ደሊ፡ ፈረንሳዊ ኢሚላን ጃኒረ፡ በልጂማዊ ሚላን ፍሬቲን፡ ሆላንዳዊ ዲላን ግሮነቬገን፡ ብሪጣንያዊ ልዊስ ኣስከይ፡ ኣወስትራልያዊ ብራድሊ ጊልሞር ዝኣመሰሉ ተቐዳደምቲ ክዕወትሉ ትጽቢት ተገይርሎም ካብ ዝነበሩ እዮም።

ዕውት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣባል ጋንታ ኮፊደስ ሚላን ፍሬቲን ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፡ ኣብ 2023 ተዓዊትሉ ዝነበረ ኢጣልያ ማትዮ ሞስቼቲ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ካብ ዝለዓለ ግምት ተዋሂቡዎም ዝነበረ ቤልጁማዊ ዲላን ግሮነቬገን በሎኽ ኢሉ ብምውጻእ እኳ እንተ ሸዀኸ ጽቡቕ ቦታ ስለ ዘይሓዘ ግን ራብዓይ ደረጃ ሒዙ።

‎‎ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ፍሬቲን፡ "ቅኑዕ ስጕምቲ ክንወስድ ንሕሉ ነይርና፣ ግና ቅሩብ ዝደንጐና እመስለኒ። ናይ ብሓቂ ዕግርግር ዝበዝሖ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ኣለጋርት ምሳይ ነይሩ፣ እቶም ካልኦት ኣይነበሩን። ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ንፈልጦ ኢና፣ ኣብዚ [ክትዕወት] ቀሊል ኣይኰነን፡" ኢሉ።

"ካብ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ተመኵሮይ፡ ኣብ መወዳእታ [ኪሎሜተራት] እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ እፈልጥ እየ፣ ካልኣይ ደረጃ ሒዘ። ኣብዚ ናይ ሎሚ እቲ ዝለዓለ ክገብሮ ዝኸኣልኩ ዝገበርኩ እመስለኒ። ኣቐዲመ ቅሩብ ሃሊኸ፡" ክብል ይገልጽ እዚ ቤልጁማዊ።

ኣብዚ ንመበል 39 ግዜኡ ዝተኻየደ ውድድር ሰለስተ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዕዉታት ተሳቲፎም ነይሮም፤ ሚላን ፍሬቲን (ኮፊደስ)፡ ተዓዋቲ 2023 ማቴዮ ማስኬቲ (ፒናረሎ Q36.5) ከምኡ'ውን ክልተ ግዜ ተዓዋቲ ፓስካል ኣከርማን (2019, 2020) ካብ ጃይኮ-ኣሉላ።

ቢንያም ካብታ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቐዳደመላን ንዙር ፈረንሳ ሓዊስካ ብዙሕ ድሙቕ ዓወታት ዝተጓናጸፈላን ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተማርች ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ናብ ኤንኤስኤን ቀዪሩ። ድሮ ድማ ነዛ ሓዳስ ጋንታኡ፡ ኣብ ቮልታ ላ ኮሙኒታ ቫለንሽያና ሓደ ናይ መድረኽ ዓወትን ቀጠልያ ማልያን፣ ኣብ ክላሲካ ደ ኣልሜርያ ድማ ቀዳማይ ብምውጻእ ኣድሚቑዋ።

ብንያም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ መድረኽ ዓወት ከየመዝገበ እዩ ወዲኡዋ፣ ደጋጊሙ ካብ ካልኣይ ጀሚሩ ምስ ላዕለዎት ሓሙሽተ ክኣቱ ድማ ተራእዩ።

ሓያሎ እዋናት ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኪሎሜትራት ምርሒት ስኢኑ ባዕሉ ተቓሊሱ ክዕወት ይርኣይ ነይሩ። ኣብዛ ሓዳስ ጋንታኡ እዚ ጸገም'ዚ ዝተፈትሐ ይመስል። ኣብዚ ናይ ትማሊ ውድድር ደቂ ጋንታኡ ዓጒጎምን መሪሖምን ክሳዕ ጥቓ ሕንጻጽ ከብጽሑዎ ተራእዮም።

"ዕግርግር እዩ ነይሩ። ብዙሕ መጠዋውዮታት እኳ እንተ ነበሮ፡ ብጽቡቕን ብብልሓትን ግን ሰጊርናዮ፡" ብምባል ንደቂ ጋንታኡ ኣመስጊኑ።

"ክሳዕ 200 ሜትሮ ዝተርፈና ኣብጺሖምኒ - ሓቂ ንምዝራብ ከምዚ ዓይነት ምርሒት ረኺበ ኣይፈልጥን እየ፡" ኢሉ።