ዋዒ ዓለም ንሓንጎልና ብኸመይ ይጸልዎ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Serenity Strull/ Getty Images
ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ መጠን ሙቐት እናሓየለ ብዝቐጸለ፡ ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ ሓንጎልና ኣብ ብርቱዕ ሙቐት ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ብኸመይ ከም ዝቕየርን ክርድኡ ይጽዕሩ ኣለዉ።
ጄክ ወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ምስ ኮነ፡ ንመጀመርታ ግዜ ወቕዒ ኣጋጠሞ።መጀመርታ ኣካላቱ ጠምብዩ፡ ብድሕሪኡ ቀልጢፉ ኣብ ነውጺ ኣተወ። ኣደኡ ስቲፋኒ ስሚዝ፡ "ኣዝዩ ዋዒ ነይሩ። [ጄክ] ልዕሊ ዓቐን ሙቐት ነይሩዎ፡ ንሕና ድማ ሕማቕ እንርኢ እዩ መሲሉና ነይሩ፡" ትብል። እንተዀነ፡ ዘጋጠመ ሕማቕ ነገር ከም ዘይነበረ ትዛረብ።
ወቕዒ ኣብዝሓ ግዜ ኣብ ውዑይ ኵነታት ኣየር እዩ ዝኽሰት። ኣብ እዋን ክረምቲ ዋዒን ራህዲን ኣብ ዝነበረሉ፡ እታ ስድራ ንጄክ ንምዝሓልን ወቕዒ ከየጋጥሞ ንምክልኻልን ትጽዕር ነይራ።
ጄክ ወዲ 18 ወርሒ ምስ ኮነ፡ ጀነቲካዊ መርመራ 'ድራቨት ሲንድሮም' ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ። እዚ ሕማም ምንፍርፋር ዘጠቓልል ናይ ሓንጎል ኵነታት እዩ። ካብ 15,000 ህጻናት ድማ 1 በዚ ሕማም ይጥቃዕ።
እዚ ልሙድ ተርእዮ ዝዀነ ወቕዒ ኣብ ትምህርቲ ጸገም ከስዕብን ከም ኦቲዝምን ኤዲኤችዲን ዝኣመሰሉ ኵነታት ከኸትልን ይኽእል። ንምዝራብ፡ ምንቅስቓስ፡ ምብላዕን ድቃስን እውን ከቢድ ይገብሮ። ሙቐት ወይ ሃንደበታዊ ለውጢ ሙቐት ወቕዒ ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ሕጂ ጄክ ወዲ 13 ዓመት እዩ። ኣደኡ፡ ኵነታት ኣየር ኣብ ዝቕየሉ እዋን ዝያዳ ናብ ምንፍርፋር ከም ዘቃላዕ ትዛረብ፣ "ኣብ ሃሩር ክረምትን ኵነታት ዋዒን ዝያዳ ዝበኣሰ ይገብሮ፡" ትብል።
ድራቨት ሲንድሮም ሓደ ካብቶም ብዙሓት ብሰንኪ ልዑል ሙቐት እናገደዱ ዝመጽኡ ሕማማት ሓንጎል እዩ።
ሳንጃይ ሲሶድያ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን፡ ለውጢ ክሊማ ንሓንጎል ብኸመይ ከም ዝጸልዎ የጽንዕ። ብዙሓት ስድራቤታት፡ መቕርቦም ኣብ እዋን ዋዒ ንዝያዳ ጸገም ከም ዝቃልዑ ከም ዝነግሩዎ ይገልጽ፣ "ለውጢ ክሊማ ንሓንጎልና እንታይ ኰይኑ እዩ'ሞ ዘይጸልዎ? ሓንጎልና፡ ነቲ ኣካልና ዘጓንፎ ዋዒ ንምቍጽጻር ኣብ ስራሕ እዩ ዝኣቱ፡" ይብል።
ሓያሎ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ኣብ ዝተወከሰሉ፡ ኵነታት ሓንጎልና ኣብ ብርቱዕ ሙቐትን ራህድን ከም ዝብእስ ተመልኪቱ። ከም ሕማም ምንፍርፋር፡ ወቕዒ ሓንጎል፡ ሕማም ኣእምሮ፡ ማልቲፕል ስክለሮሲስንን መርዘንን ከስዕቡ ይኽእሉ።
ንኣብነት፡ ኣብ 2003 ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝነበረ ብርቱዕ ሙቐት፡ ኣስታት 7% ዘጋጠመ ወሰኽ ሞት ምስ ጸገማት ሓንጎል ይተሓሓዝ። ኣብ 2022 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘጓነፈ ብቱዕ ዋዒ'ውን ተመሳሳሊ ተራእዮ ተመዝጊቡ።
ሙቐት፡ ሓንጎልና ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ብኻልእ መንገዲ እውን ክቕይሮ ይኽእል እዩ፤ ዝያዳ ጐነጻውያን፡ ቍጡዓት ወይ ዘይሕጉሳት ክገብረና ይኽእል።
ዓለም ዝያዳ ኣብ እትሞቐሉ፡ ሓንጎልና እንታይ ይኸውን?
መብዛሕትኡ ግዜ ሓንጎልና ካብ ቀንዲ ሙቐት ኣካላትና ብ1 ደረጃ ሰልሰስ ይውዒ። ሓንጎል ክንሓስብ፡ ክንዝክር ወይ ክንምልስ ከለና ብዙሕ ጸዓት ስለ ዝጥቀም፡ ዝያዳ ሙቐት ይፈጥር።
ኣብ ሓንጎልና ዝፍጠር ሙቐቱ ንኽጐድል ድማ ኣካላትና ኣበርቲዑ ይሰርሕ። ደም ብሰራውር ደም ኣቢሉ ተወሳኺ ሙቐት ንምጕዳል ይውሕዝ።
ዋህዮታት ሓንጎል ንሙቐት ኣዝዮም ተሃወስቲ ብምዃኖም እዚ መስርሕ'ዚ ብዘይ መጠን ኣገዳሲ እዩ። እቶም ኣብ ሓድሕድ ዋህዮታት ሓንጎል መልእኽቲ ዝሰዱ ሞለኪዩላት ኣብ ዝተወሰነ ሙቐት ዝበለጸ ይሰርሑ። ሓንጎል ኣዝዩ ውዑይ ወይ ዝሑል እንተዀይኑ እዞም ሞለኪዩላት ጽቡቕ ኣይዓዩን እዮም።
ሳንጃይ ሲሶድያ፡ "ኵሎም ክፍልታት ብኸመይ ከም ዝጽለዉ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኣናን'ዩ፡" ይብል።
ልዑል ሙቐት ንሓንጎል ነፍስወከፍ ሰብ ክጸልዎ ይኽእል'ዩ፤ ሕማቕ ውሳነታት ወይ ዝያዳ ኮንዶኾናዊ ስጕምቲ ክንወስድ ክድርኸና ይኽእል። ካብኡ ናብኡ ግን እቶም ጸገማት ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ተቓላዕቲ ይዀኑ።
እዚ ዝተፈላለየ ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል። ንኣብነት፡ ገለ ሕማማት ክሳብ ክንደይ መጠን ከም ዝርህጹ ይጸልዎም እዩ።
ሲሶድያ፡ "ተርሞረጉለሽን" ወይ ሓንጎል ንሙቐት ኣካላት ብኸመይ ከም ዝቈጻጸሮ፡ ክፋላት ሓንጎል ብግቡእ እንተ ዘይሰሪሑ ክዕንቀፍ ከም ዝኽእል ይገልጽ። ኣብ ከም 'ማልቲፕል ስክለሮሲስ' (ኣብ ስርዓተ-መትኒ መልእኽታት ብቕልጡፍን ብርግኣትን ከይከዱ ዝገብር) ዝኣመሰሉ ኵነታት፡ ምቍጽጻር ሙቐት ኣካላትና ክቕየር ይኽእል።
ብተወሳኺ፡ ንጥዕና ኣእምሮ ተባሂሎም ዝውሰዱ መድሓኒታት - ከም ስምዒት ግላለ (ስኪዞፍረኒያ) - ንምቍጽጻር ሙቐት ሓንጎል ክጸልውዎ ይኽእሉ። እዚ ድማ ሰባት ብወቕዒ ዋዒ (heatstroke) ወይ ልዕሊ ዓቐን ሙቐት (hyperthermia) ንኽሳቐዩ ዝገብር ሓደገኛ ልዑል ሙቐት ኣካላት ኰይኑ፡ ብሰንኩ ሓደጋ ሞት ክዓቢ ክገብር ተኽእሎ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልዑል ሙቐት ብፍላይ ብለይቲ፡ ድቃስ ሰባት ክዘርግ ይኽእል እዩ። ትሑት ግዜ ድቃስ ድማ ንመንፈስና ክጸልዎን ኵነታት ጥዕናና ከጋድዶን ይኽእል።
ሳንጃይ ሲሶድያ፡ ሕማም ምንፍርፋር ዘለዎም ሰባት እኹል ድቃስ ምስ ዘይረኽቡ ወቕዒ ከጓንፎም ዝለዓለ ተኽእሎ ከም ዘሎ ይገልጽ።
ልዑል ሙቐት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ብዙሓት ሰባት ናብ ሆስፒታላት ከም ዝኣትዉን ዝያዳ ከም ዝሞቱን መርትዖታት የመልክቱ። ብሕልፊ፡ እቶም ሕማም ረሲዕ ዘለዎም ሰባት።
ኣረጋውያን ኣካላቶም ሙቐት ንምቍጽጻር ስለ ዝጽገም ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ይወድቁ። እቲ ኣብ ግዜ ዋዒ ዝግበር እኹል ማይ ምስታይ ወይ ዝሑል ንፋስ ምርካብ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት'ውን ክርስዕዎ ይኽእሉ።
ምውሳኽ ሙቐት ምስ ዝያዳ ወቕዒን ዝለዓለ መጠን ሞትን እውን ዝተኣሳሰር እዩ።
ዶክተር ቢታን ዳቪስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሳሴክስ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ብወቕዒ ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝሞቱ ትገልጽ።
ለውጢ ክሊማ ኣብ መጻኢ ነዚ ከጋድዶ ተኽእሎ ኣሎ። እተን ትሑት ዓቕሚ ጸጋታት ዘለወን ሃገራት ድማ ዝያዳ ይጥቅዓ። ድሮ'ውን ዝለዓለ መጠን ወቕዒ ኣእምሮ ኣመዝጊበንን ጸገማት ጥዕናንን ኣጋጢሙወን ኣሎ። እቶም ሽማግለታትን ትሑት ኣታዊ ዘለዎምን ብሙቐት ናይ ሙማት ሓደጋኦም ዝለዓለ እዩ።
ሙቐት ኣዝዮም ንኣሽቱ ንዝዀኑ ህጻናት እውን ይጐድእ እዩ። ልዑል ሙቐት ኣብ ጥንስን ወሊድን እውን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ - ዕሸላት ቅድሚ ግዜኦም ክውለዱ ክገብር ይኽእል። መጽናዕትታት ከም ዘመልክቱዎ፡ ልዑል ሙቐት ኣብ ዝህልወሉ፡ መጠን ቅድሚ ግዜኦም ዝውለዱ ቈልዑ ብ26% ይውስኽ።
እዞም ኣብ ግዜኦም ዘይውለዱ ህጻናት ድማ ኣብ ምዕባለ ኣእምሮኦም ምድንጓይን ኣብ ትምህርቶም ጸገምን ክፈጥረሎም ይኽእል።
ጄን ሂርስት ካብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ለንደን፡ መን ንሳዕቤናት ሙቐት ዝያዳ ተቓላዓይ ምዃኑን ስለምንታይን ክሳብ ሕጂ ብልክዕ ከም ዘይንፈልጥ ትዛረብ። ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሙቐት ዘለወን ሃገራት ዕሸላት ይወልዳ'ሞ መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ጸገም'ዚ ኣየጋጥመንን'ዩ።
ለውጢ ክሊማን ዋዒን ንሓንጎልና እውን ከዳኽሞን ጕድኣት ሓንጎል ንዘስዕቡ ሕማማት ዝያዳ ተቓላዕቲ ክገብሮን ይኽእል እዩ። ሙቐት ነቲ መከላኸሊ ሓንጎል ብምቕያር መርዛማት ነገራትን ባክተርያን ቫይረሳትን ብቐሊሉ ክኣትዉ ይገብሮም።
ሙቐት እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ሕማማት ብቐሊሉ ይዝርጋሕ። ከም ዚካ፡ ቺኩንጉንያን ደንግን ዝኣመሰሉ ብሓሳኹ ዝመሓላለፉ ቫይረሳት ንዝያዳ ሰባት ክለኽፉ ይኽእሉ።
ቶብያስ ሱተር፡ ውዑይ ኵነታት ኣየር ማለት ሓሳኹ ኣብ ዓመት ኣቐዲሞም ምርባሕ ይጅምሩ፣ ድሒሮም ድማ ደው የብሉ ማለት ምዃኑ ይገልጽ። ንኣብነት፡ ዚካ ንጽግያት ክጐድእን ማይክሮሴፋሊ (ንእሽቶ ዓቐን ርእሲ) ከስዕብን ይኽእል።
ልዑል ሙቐት ንብዙሕ ካልእ ነገራት እውን ክጸልዎ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፡ መልእኽታት መትኒ፡ ሓደጋታት ጥዕና ኣእምሮን ምርግጋእ መድሃኒትን ምጥቃስ ይከኣል።
ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ ምውሳኽ ሙቐት ኣብ ሓንጎልና ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ብልክዕ ይምርምሩ ኣለዉ። ዝተፈላለዩ ሰባት ንዋዒ ብዝተፈላለየ መንገዲ ግብረመልሲ ይህቡ። ገሊኦም ኣካላቶም ምስቲ ዝተቐየረ ሙቐት ክወሃሃድ እንከሎ፡ ገሊኦም ግን ኣዝዮም ይጽገሙ።
ሲሶድያ፡ ስነሰረት (ጀነቲክስ) ስለምንታይ ዝያዳ ተቓላዕቲ ይዀኑ ንዝብል ሕቶ ከረድእ ከም ዝኽእል ይእምት። ገለ ስነሰረታዊ ባህርያት ንገለ ሰባት ነቲ ለውጢ ክሊማ ኣብ ሓንጎል ዘስዕቦ ጽልዋ ዝያዳ ተነቀፍቲ ክገብሮም ይኽእል እዩ።
ሕጂ'ውን ብዙሕ መልሲ ዘድልዮ ሕቶታት እዩ ዘሎ። ንኣብነት፡ ኣየናይ መዳይ ሙቐት እዩ ዝያዳ ጐዳኢ? እቲ ዝለዓለ ሙቐት፡ ነዊሕ ዝጸንሕ ሙቐት ወይ ብለይቲ ዝኽሰት ሙቐት? እቲ መልሲ ኣብ ሓድሕድ ሰብ ወይ ኵነታት ክፈላለ ይኽእል እዩ።
መን ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎን ስለምንታይን ምፍላጥ እምብዛ ኣገዳሲ እዩ። ነቶም ዝያዳ ተጸለውቲ ዝዀኑ ከነለልዮም እንተ ክኢልና ንምክልኻሉ ስትራተጅያዊ መፍትሒ ክንክተል ንኽእል ኢና።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ "ዘመነ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ኣብቂዑ እዩ። ዘመነ ምፍላሕ ዓለም በጺሑ፡" ኢሉ።
ሓምለ 2023 ዝወዓየት ወርሒ ተባሂላ ክብረወሰን ኣመዝጊባ እያ። ለውጢ ክሊማ ጽልዋኡ እናኣርኣየን እናበኣሰን ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሓንጎልና ዝህሉዎ ጽልዋ ድሮ ክንርኢ ጀሚርና ኣለና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







