ስዊዘርላንድ፡ ከውሒ በረድ ብምፍራሱ ብዙሓት ዓድታት ቀቢሩ

ከውሒ በረድ ኣብ ብላተን ስዊዘርላንድ

ምንጪ ስእሊ, Schweizer Fernsehen

ስዊዘርላንዳዊት ቍሸት ብላተን፡ ዓቢይ ግማዕ በረድ ናብቲ ጐልጐል ድሕሪ ምውዳቑ ብኸፊል ዓንያ።

ዋላ'ኳ ቅድሚ ሒደት መዓልታት እታ ዓዲ ካብ ስግኣት ዝተላዕለ ባዶ ኰይና እንተ ነበረት፡ ሓደ ሰብ ግን ደሃዩ ጠፊኡ። ብዙሓት ኣባይቲ ድማ ምሉእ ብምሉእ ዓንዮም።

ከንቲባ ብላተን ማትያስ ቤልዋልድ፡ "እቲ ዘይሕሰብ ኣጋጢሙ" ድሕሪ ምባል፡ እታ ዓዲ ግን ገና መጻኢ ክህሉዋ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ካብ ኣሃዱ ረድኤት ሓደጋ ሰራዊት ስዊዘርላንድ ብዝሓተቱዎ ሓገዝ መሰረት፡ ኣባላት መንግስቲ ስዊዘርላንድ ናብቲ ቦታ ይኸዱ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ብላተን ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብ መላእ ኣልፕስ ንዝርከቡ ሕብረተሰባት ኣሰንቢዱ ኣሎ።

እቶም 300 ነበርቲ ናይታ ዓዲ፡ ተመራመርቲ ስነምድሪ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቦም፡ ብ19 ግንቦት ካብ ቤቶም ክወጽኡ ተገዲዶም እዮም። ሓያሎ ካብኣቶም ድማ ፈጺሞም ኣይክምለሱን ይዀኑ።

ከይነብዕ ዝቃለስ ዝነበረ ዝመስል ቤልዋልድ፡ "ዓድና ስኢንና ኢና፣ ቀልብና ግን ኣየጥፋእናን። ሓድሕድና ክንደጋገፍን ክንጸናናዕን ኢና። ድሕሪ ነዋሕ ለይቲ፡ ዳግማይ ንግሆ ክኸውን'ዩ፡" ኢሉ።

መንግስቲ ስዊዘርላንድ፡ እቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ክጸንሑ ከም ዝኽእሉ ንምርግጋጽ ምወላ ከም ዝህብ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ይዅን'ምበር፡ ሓላፊ ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ራፋኤል ማዮራዝ፡ ኣብቶም ናብ ብላተን ዝቐረቡ ከባቢታት ተወሳኺ ምውጻእ ኣድላዪ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ለውጢ ክሊማ ነቲ ዝገገው በረድ - ኣብ ሩባታት ዝረግአ በረድ - ብቕልጡፍ ከም ዝመክኽ ይገብሮ ኣሎ። እቲ ነቶም ነዋሕቲ ኣኽራናት ዘላግብ 'ፐርማፍሮስት' እውን ኣብ ምፍራስ ይርከብ።

ትማሊ ረቡዕ ዓቢይ ክፋል ናይቲ ከውሒ-በረድ ክፈርስ ከሎ፡ ብድሮን ዝተቐድሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ተራእዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ብላተን ዝወረደ ውሕጅ ጭቃ፡ ገዚፍ ደበና ሓመድ ገዲፉ ናብቲ ጐልጐል እናወረደ ከሎ የርኢ።

ነቲ ምውሓዝ በረድ ዝከታተሉ ዘለዉ ተመራመርቲ፡ ገለ ከተማታትን ዓድታትን ኣልፓይን ኣብ ሓደጋ ክወድቃ ከም ዝኽእላ ንዓመታት ኣጠንቂቖም እዮም፣ ህዝቢ ካብ ዓድታቱ ክወጽእ እዚ ኣብ ብላተን ዝተራእየ ናይ ፈለማ ኣይኰነን።

ኣብ ምብራቓዊ ስዊዘርላንድ፡ ነበርቲ ቍሸት ብሪየንዝ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ ሸነኽ ኣኽራን በረድ ይፈርስ ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ቦታ ከም ዝወጽኡ ተገሊጹ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ ስዊዝ ኣልፕስ እምባ ኣይገር ብዝጋጠመ ሓያል ውሕጅ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Bern Cantonal Police

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ ስዊዝ ኣልፕስ እምባ ኣይገር ብዝጋጠመ ሓያል ውሕጅ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ሞይቶም

ካብ ሽዑ ጀሚሮም ድማ ንሓጺር እዋን ጥራይ ክምለሱ ተፈቒዱሎም።

ኣብ 2017፡ ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ሓደ ዘመን ዝዓበየ ምፍራስ መሬት ኣብ ጥቓ ቍሸት ቦንዶ ምስ ወረደ፡ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም፡ ብዙሓት ኣባይቲ ድማ ዓንዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኵነታት በረድ ስዊዘርላንድ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብመሰረት ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ (ኣስታት 200 ሃገራት ከም ዝተሰማምዓሉ)፡ ዓለማዊ ሙቐት ልዕሊ 1.5 ደረጃ ሰልሰስ ካብቲ ቅድሚ ኢንዱስትሪ ዝነበረ መጠን እንተ ደኣ ወሲኹ፡ ድሕሪ 100 ዓመት እቲ ከውሒ በረድ ክጠፍእ ከም ዝኽእል ይሕብር።

ብዙሓት ተመራመርቲ ክሊማ፡ እቲ ሸቶ ድሮ ዒላማኡ ከም ዝሰሓተ ይሕብሩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ምፍሳስ በረድ እናተቐላጠፈ ክቕጽል እዩ።

በዚ ድማ ሓደጋ ውሕጅን ምፍራስ መሬትን ወሲኹ፡ ኣብ ከም ብዓል ብላተን ዝኣመሰላ ዓድታት ንዝነብሩ ሕብረተሰባት ናብ ሓደጋ ከውድቖም እዩ።