ኤውሮጳ ልዑል ምቘት ኣብ ዝተመዝገበሉ፡ ፈረንሳ ፍሉይ መጠንቀቕታ ተመሓላልፍ

ልዑል ደረጃ ዋዒ ኣብ ኤውሮጳ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ መላእ ፈረንሳ ልዑል ደረጃ ዋዒ ብምኽሳቱ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፍሉይ "መጠንቀቕታ ምቘት" ከም ዝተዋህበ ተገሊጹ።

እዚ ዋዒ ኣብ ፈረንሳ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኰነ፡ ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ኤውሮጳ'ውን ልዑል ደረጃ ዋዒ ክምዝገብ ቀንዩ ኣሎ።

ንፓሪስ ዝሓወሰ 16 ዞባታት ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ኣብ ዝበሃል 'ቀይሕ' መጠንቀቕታ ክኣትዋ ከለዋ፡ ካልኦት 68 ዞባታት ኣብ ማእከላይ ወይ 'ኣራንሸዋይ' ደረጃ መጠንቀቕታ ይርከባ።

ብሰኑይ፡ 84 ካብ 96 እተን ኣብ ቀንዲ መሬት ዝርከባ [ባሕሪ ዘየጠቓልል] ዞባታት ኣብ 'ኣራንሸዋይ' መጠንቀቕታ ውዒለን። ምኒስተር ኵነታት-ኣየር ፈረንሳ ኣግነስ ፓንየር-ሩናቸር ከኣ "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ክትብል ገሊጻቶ።

ብተወሳኺ፡ ንገለ ክፋል ስጳኛ፡ ፖርቱጋል፡ ኢጣልያ፡ ጀርመን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ከምኡ'ውን ከም ብዓል ክሮኤሽያ ዝኣመሰላ ሃገራት ባልካን እውን ዘጠቓለለ መጠንቀቕታ ዋዒ ተዋሂቡ ኣሎ።

ስጳኛን ፖርቱጋልን ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ታሪኸን ዝለዓለ ዋዒ ናይ ሰነ ኣመዝጊበን።

ኣብ ኣንዳሉስያ ኣብ ዝርከብ ኤል ግራናዶ ትማሊ ሰንበት 46 ደረጃ ሰልሰስ ክኸውን ከሎ፡ ትማሊ ሰንበት ድማ ኣብ ማእከላይ ፖርቱጋል ኣብ እትርከብ ከተማ ሞራ 46.6 ደረጃ ሰልሰስ ምቘት ከም ዝተመዝገበ ተገሊጹ።

ሓያሎ ሃገራት ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ተዳሎ ብምጽናሕ፡ ሰባት ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ውሽጢ ክጸንሑ ኣጠንቂቐን ኣለዋ።

ብሰንኪ'ዚ ኣብ ገለ ክፋል ኤውሮጳ ንልዕሊ ሰሙን ተኸሲቱ ዘሎ ምቘት፡ ኣብ መላእ ፈረንሳ ኣስታት 200 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ኣለዋ። ኣብ መፋርቕ ናይዚ ሰሙን'ዚ ከኣ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።

ፈረንሳ ዝሃበቶ ደረጃ 'ቀይሕ' መጠንቀቕታ፡ ሎሚ ሰሉስ ሰዓት 12፡00 (ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር) ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

ብሰንበት ኣብ ደቡባዊ ሰንሰለታውያን ኣኽራናት ኮርቢየርስ ሓያሎ ባርዕ ጫካ ብምውልዑ፡ ህዝቢ ካብቲ ቦታ ክወጽእን ጽርግያ ክዕጾን ምኽንያት ኰይኑ። ሰበስልጣን ፈረንሳ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ድማ እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝኣተወ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሮማ፡ ሚላኖን ቬኒስን ሓዊሱ 21 ከተማታት ኢጣልያ፡ ከምኡ'ውን ሳርዲንያ ኣብ ዝለዓለ መጠንቀቕታ ይርከባ።

ምክትል ፕረዚደንት ማሕበር ህጹጽ ሕክምና ኢጣልያ ማሪዮ ጓሪኖ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ክፍልታት ህጹጽ ረድኤት ሕክምና፡ ብ10 ሚእታዊት ወሰኽ ሕሙማት ወቕዒ-ምቘት [ኮልቦ-ዲሶሎ] ከም ዘርኣያ ሓቢሩ።

ኣብ ቱርኪ፡ ጥቓ ከተማ ኢዝሚር ባርዕ ጫካ እናሓየለ ብምቕጻሉ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ተገዲዶም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቱርኪ፡ ጥቓ ከተማ ኢዝሚር ባርዕ ጫካ እናሓየለ ብምቕጻሉ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ተገዲዶም
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ገለ ክፋል ብሪጣንያ ብሰኑይ ኣብ ታሪኽ ዝለዓለ ምቘት ዝተራእየላ መዓልቲ-ሰነ ኰይና ተመዝጊባ።

ሎሚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝለዓለ ምቘት ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮ 33.1 ደረጃ ሰልሰስ ከም ዝነበረ ተገሊጹ። ኣብ ዊምበልደን ምቘት 32.9 ደረጃ ሰልሰስ ብምንባሩ፡ ኣብ መኽፈቲ ውድድር ጸወታ ቴንስ ዝለዓለ ኰይኑ ተመዝጊቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መጠንቀቕታታት ዋዒ ኣብ ስጳኛ ኣብ ቦታኡ ዘሎ ኰይኑ፡ ስጳኛ ዝለዓለ ደረጃ ምቘት ናይ ሰነ ከተመዝግብ ትጽቢት ይግበር።

ጓል 21 ዓመት ኣናቤል ሳንቸዝ ኣብ ሰቪያ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ልዋም ድቃስ ክድቅስ ኣይክእልን እየ፣ ጸገም ድቃስ ምእባይ'ውን ኣለኒ። ብዋዒ እውን ይውቃዕ እየ። ምምጋብ የቋርጽ፡ በቃ ኣተኵሮ ክገብር ኣይክእልን እየ፡" ኢላ።

ኣብ ፖርቱጋል'ውን ብተመሳሳሊ ንርእሰ-ከተማ ሊዝበን ሓዊሱ 7 ኣውራጃታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ተጠንቀቕ ይርከባ።

ኣብ ጀርመን፡ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ እታ ሃገር፡ ምቘት ሰሉስን ረቡዕን ዳርጋ 38 ደረጃ ሰልሰስ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ። እዚ'ውን ዝለዓለ ኰይኑ ክምዝገብ ተኽእሎ ኣለዎ።

ኣብ ባልካንን ከባቢኣን ዝርከባ ሃገራት እውን ምስቲ ብርቱዕ ዋዒ ክቃለሳ ጸኒሐን ኣለዋ፣ ዋላ'ኳ ድሒሩ ክዝሕል እንተ ጀመረ።

ኣብ ቱርኪ፡ ሓካይም ንልዕሊ 50,000 ሰባት ሓገዝ ሂቦም። ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣማኢት ዝተናኸሰ ባርዕ ጫካታት ኣብ ምጥፋእ ይርከቡ።

እቲ ባርዕ ብ120 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት ዝፍጥነቱ ንፋስ ዝተጐሃሃረ ኰይኑ፡ ብውሕዱ 20 ኣባይቲ ዓንዩ ኣሎ።

ኣብ ክሮኤሽያ እውን ባርዕ ጫካ ተላዒሉ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝርከቡ ቦታታት ዝለዓለ መጠንቐቕታ ተነቢርሉ ኣሎ። ኣብ ጐረቤት ሃገር ሞንተነግሮ'ውን ልዕሉ መጠንቀቕታ ምቘት ተዋሂቡ ይርከብ።

ኣብ ግሪኽ ምቘት ንሓያሎ መዓልታት ናብ 40 ደረጃ ሰልሰስ ዝተቓረበ ኰይኑ ቀንዩ፣ ኣብ ጥቓ ኣቴንስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ኣባይቲ ኣዕንዩን ሰባት ክወጽኡ ኣገዲዱን።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ዝርአ ዘሎ ደረጃ ዋዒ፡ ብዛዕባ ኵነታት-ኣየር እንታይ ክንቅይር ከም ዘለና ዘርኢ እዩ። ንዅነታት-ኣየር ክልውጡ ዝኽእሉ ልምድታትን ምንጪ ጸዓትን ካብ ምጥቃም ክንሕየብ ይግባእ ኢሉ።

ንሱ ንቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ልዑል ምቘት፡ ምውሳኽ መጠን ባሕሪ፡ ውሕጅ፡ ደርቂ፡ ከምኡ'ውን ባርዕ ጫካ፡ ንመሰል ምንባር፡ ጥዕና፡ ጽሩይን ውሑስን ኣከባብን ካልእን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ገሊጹ።