ዜጋታታ ዝነውሐ ዕድመን ምቹእ ናብራን ዝነብሩላ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዛዕባ ነዊሕ ዕድመ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ ዓለምና ከምታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ ደሴታዊት ሃገር ርኡይ ለውጢ ዝረኣያ ዓድታት ውሑዳት እየን።
ኣብ 1960 ኣብ ሲንጋፖር ዝተወልደ ህጻን፡ ክሳብ 65 ዓመት ጥራይ ክነብር ተኽእሎ ነይርዎ፡ ሎሚ ኣብታ ሃገር ዝተወልደ ህጻን ግን ክሳብ ልዕሊ 86 ዕድመ ክነብር ይኽእል እዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ሲንጋፖር ካብ 2010-2020 ኣብ ዝነበረ ናይ 10 ዓመታት ቁጽሪ ደቂ ሚእቲ ዓመት ብዕጽፊ ወሲኹ።
እዚ ዓቢ ለውጢ ክምዝገብ ዝኸኣለ ብዓቢኡ ኮነ ኢልካ ብዝተገብረ ፖሊሲን ወፍርን መንግስቲ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ኣብ ነሓሰ 2023 ሻድሻይ "ሰማያዊ ዞባ [Blue Zone]" ዓለም ተባሂላ ክትስመ በቒዓ እያ።
'ሰማያዊ ዞባታት' ተባሂሎም ዝተረቑሑ ቦታታት ብጋዜጠኛ ናሽናል ጂኦግራፊክ ዳን ቡትነር ተቐሪጾም’ዮም።
ሰባት ኣበይ ነዊሕን ጥዑይን ህይወት ይነብሩ ነይሮም? ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ እዚ ድማ ብዓቢኡ ብሰንኪ ውህደት ባህሊ፣ ኣነባብራ፣ ኣመጋግባን ማሕበረሰብን እዩ።
ሲንጋፖር ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሰማያዊ ዞባታት ዝተወሰኸት ፈላመይቲ ሓዳስ ሃገር እያ።
ካብተን ካልኦት ሰማያዊ ዞባታት ድማ ብኸፊል ፍልይ ዝበለት ኮይና፡ ነዊሕ ዕድመ ህዝባ ዝያዳ ካብ ኣቐዲሙ ዝጥምት ፖሊሲታት መንግስቲ እታ ሃገር ዝተበገሰ ስለዝኾነ እዩ።
ኣብ ካልኦት 'ሰማያዊ ዞባ' ዝተሰምያ ሃገራት፡ ኣብነት ከም ኢካርያ፣ ግሪኽ፣ ኒኮያን ኮስታሪካን ህዝበን ንነዊሕ ዕድመ ክነብር ዝኸኣለ ንነዊሕ እዋን ብዝጸንሐ ባህላዊ ልምድታት’ዩ።
ኣብዚ ነበርቲ ዘድንቕዎ ብዝሓ-ተፈጥሮ ጥራይ ዘይኮነስ ምቹእ-ህይወት እውን እዩ።
ኣየኖት ፖሊሲታትን ኣሰራርሓታትን ንህይወቶም ጥዑይ፡ ከምኡ’ውን ሕጉስ ከም ዝገብሩ ንምርዳእ ምስ ውሑዳት ካብኣቶም ኣዘራሪብናዮም።
ከምኡ’ውን ንኻልኦት ነዊሕ ዕድመ ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት እንታይ ከም ዝመኽሩ ንምርዳእ ሓቲትናዮም ኣለና።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጥዑይ ስግግር
ነበርቲ ሲንጋፖር፡ መንግስቲ ንጥዕናኦምን ጽቡቕ ሂወቶምን ዝጸሉ ቀስ ብቐስ ዝትግበር ፖሊሲ ተዓዚቦም።
"ኣብዚ ስለዝዓበኹ፡ ኣብ ንቕሓት ጥዕና ሕብረተሰብ ዝመጽእ ለውጢ ብዓይነይ ርእየዮ እየ" ይብል ነባሪ እታ ሃገር ፊርዳውስ ስያዝዋኒ።
"እቲ ኣብ ልዕሊ ሽጋራን ኣልኮላዊ መስተ ዝኽፈል ከቢድ ግብሪ ምስ ጽኑዕ እገዳ ህዝባዊ እገዳ ምትካኽ ሽጋራ ተደሚሩ፡ ንጥዕና ውልቀሰባት ዘመሓይሽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህዝባዊ ቦታታት ዝያዳ ተቐባሊን ጽሩያትን ይገብሮም።
ብዛዕባ ሰማያዊ ዞባ ዝብል ስያመ ምስ ፈለጠ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ምግቢ ውሽጢ ዓዲ ዝጥቀሙሉ ልዑል መጠን ሽኮር፡ ጨውን ጸባ ኮኮናትን ጥራይ እንተኾይኑ ተገሪሙ። ግን ዋላ ንሱ እውን ብሰንኪ ፖሊሲ ቀስ ብቐስ ይቕየር ኣሎ።
"ናይ ከባቢና መግቢ ንሃብታም ቀመማት ዘለዎ ድሌት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቦርድ ጥዕና ኣብ ነበርቲ ጥዕና ዘለዎ ምርጫታት ኣመጋግባ ንምትብባዕ ተበግሶታት ኣለዎ" ክብል ገሊጹ።
ከም ኣብ መስተታት ምንካይ ትሕዝቶ ሽኮር ዝኣመሰሉ ስጉምትታት ኣብ ንቕሓትን ምርጫታትን ህዝባዊ ጥዕና ርኡይ ለውጢ ኣምጺኦም እዮም።
እዚ ተበግሶ ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ ምዃኑ ገና ብልክዕ እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣነ ብውልቀይ ክገብሮ ከለኹ ካብ ሽኮር ዘለዎም መስተታት ክርሕቕ እፈቱ።
ስርዓተ ክንክን ጥዕና ሲንጋፖር እውን ብኽልቲኡ ጽሬት ክንክንን ወጻኢታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ምግባር ዓቕሙን ዓለምለኻዊ ናእዳ ረኺቡ እዩ። ኣብ 2023 ዝወጽአ መረዳእታ ሲንጋፖር ምስ ጥዕና ዜጋታትን ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ዓቕሞምን ብዝተኣሳሰር ኣብ ዓለም ዝበለጸት ሃገር ገይሩ ሰሪዕዋ’ዩ።
እታ ሃገር ኣድማሳዊ ሽፋን ክንክን ጥዕና ትህብ ኮይና ካብ ጁባኻ ዝወጽእ ወጻኢታት ንምሽፋን ዝሕግዝ ዝተሓዋወሰ ናይ ብሕቲ ኣገልግሎታትን ናይ ዕቋር ገንዘብን እውን ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሓምላይ ቦታታት ትኹረት ምግባር
ነበርቲ ነዊሕ ዕድመ ንኽነብሩ ልዑል ግደ ዝጻወት ክንክን ጥዕና ጥራይ ኣይኮነን።
ካልኦት ፖሊሲታት ከም ድልዱል ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ብእግሪ ምጉዓዝን መዓልታዊ ምንቅስቓስ ኣካላትን ዘተባብዑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ንጽሬትን ጽባቐን ሃገር ንምሕላው ቀዳምነት ምሃብ እውን ንነበርቲ ናይ ውሕስነትን ህድኣትን ስምዒት ይህቦም።
"መናፈሻታት፡ ኣታኽልትን ዕቑር ተፈጥሮን ኣብ መልክዕ ከተማ ብዘይ ገለ ጸገም ንምውህሃድ ቀዳምነት ዝህቡ መንግስታዊ ተበግሶታት ሲንጋፖር ሓምለወይቲ ከተማ ዝብል ዝና ክትረክብ ኣኽኢልዋ’ዩ” ይብል ላዕለዋይ መሻርኽቲ ሳፍዲ ኣርኪቴክትስ ቻሩ ኮካተ።
"ኣብ ሲንጋፖር ንልዕሊ 15 ዓመታት ድሕሪ ምቕማጠይ፡ በዓል መዚ ልምዓት ከተማታት ነታ ከተማ ብኸመይ ብጥንቃቐ ከምዘመሓድራ ኩሉሻዕ’ዩ ዝምስጠኒ።
ኣብ ዘላቕነት፡ ስሉጥ ኣጠቓቕማ መሬትን ሓምለዋይ ቦታታት ኣብ ህይወት ከተማታት ምውህሃድን ዝሃብዎ ኣተኩሮ ዘደንቕ እዩ። ሕግታት ሲንጋፖር ዋላ’ኳ ጥቡቕ እንተኾነ ብውጽኢት ደረጃ ክልካዕ እንከሎ ግን ልሙዕን ጽሩይን ከተማ እዩ ፈጢሩ።
ሓደ ካብቲ ክትበጽሖ እትፈትዎ ቦታታት፡ ጀርዲን ስነ-ዕጽዋት ሲንጋፖር እዩ። ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ኮይኑ፡ ከም ቅርሲ ዓለም ዩኔስኮ ኣፍልጦ ዝረኸበ እንኮ ትሮፒካዊ ጀርዲን እዩ።
"እቲ ዘደንቕ ኣብ ምርምርን ዕቃበን ተኽሊ ዘተኮረ ምዃኑን፡ ንኣፍቀርቲ ተፈጥሮ፡ ስድራቤታትን ሰላምን ጽባቐን ዝደልዩ በጻሕትን መዕቆቢ ይገብሮ" ትብል።
እቶም ህዝባዊ መናፈሻታት ከም ማእከል ማሕበረሰብ ኮይኖም እውን የገልግሉ፣ እዚ ረቛሒ እዚ ኩሎም ተመራመርቲ ነዊሕ ዕድመ ንነዊሕን ጥዑይን ህይወት ንምንባር ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሰማምዑሉ እዩ።
"ካብ መንእሰያት ኣባጽሕ ክሳብ ኣረጋውያን፡ ኣብ ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ዝተዋፈሩ ዝተፈላለዩ ሰባት ትረክብ ኢኻ። ሰፊሕ ህዝባዊ መናፈሻታት፡ ኣብ መላእ ከተማ ብቐሊሉ ዝረኽብዎ ናይ ጂምናዝየም ክፍልታት ዝምችእ'ዩ" ይብል ስያዝዋኒ።
ነቶም ናብዚ ክበጽሑ ዝሓስቡ ሰባት፡ ነቲ ማሕበረሰባዊ መንፈስን ኣነባብራን ምፍላጡ ቁልፊ እዩ። ንሱ ነቲ ንፋስ ባሕሪ እናወሰድካ ብእግሪ ክትከይድ እትኽእለሉ ፓርክ ምብራቕ ገምገም ባሕሪ ይመክር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክንፈልጦ ዝግበአና ነገር
ኣብ ሲንጋፖር ምቹእ ህይወት ልዑል እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ዋጋ መነባብሮ ክቡር እዩ።
እታ ሃገር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ክቡራት መነባብሮ ቦታታት ተባሂላ ትስራዕ፡ ካብ ሆንግ ኮንግ ቀጺላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ።
እቲ ህዝቢ ሕውስውስ ዝበለ እኳ እንተኾነ፡ ካብ መላእ ዓለም ናብዚ ዝስደዱ ሰባት ብምህላዎም፡ መንግስቲ ብሕግታትን ኣፈጻጽማታትን ዝትግበር ንማሕበራዊ ምትእስሳር ቀዳምነት ይህብ።
መንግስቲ እታ ሃገር ጐሓፍ ዝጉሕፍ ኣብ ኣደባባይ ሽጋራ ዘትክኽን ሓሽሽ ዝጥቀምን ይቐጽዕ። ብዙሓት ነበርቲ እቲ ደንቢ ነታ ሃገር ውሑስን ጽብቕትን መነባብሮ ክትከውን ዝሕግዝ ኮይኑ ይረኽብዎ።
"ፖሊሲታት መንግስቲ ምስ ድሌታት ህዝቢ ብጥንቃቐ ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ ኣብ ምምሕያሽ ሓፈሻዊ ምቹእ ህይወት፡ ቁጠባዊ ምርግጋእ ኣብ ምድጋፍን ማሕበራዊ ስኒት ምዕቃብን ዘተኮረ'ዩ" ይብል ኮካቴ።
"ፖለቲካዊ ምርግጋእ ሲንጋፖር፡ ንግዳዊ ወፍሪ፡ ቁጠባዊ ዕብየትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ዘተባብዕ ሃዋህው ኣብ ምምዕባል ቁልፊ ተራ ኣለዎ።"
ሲንጋፖር ናይቲ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝኾነ መድረኽ መግብን ዓመታዊ በዓላትን፡ ካብ ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ክሳብ ዲፓቫሊ ክሳብ ኣህጉራዊ ፈስቲቫል ስነ-ጥበብ ብምኽባር ክሳዕ ክንደየናይ ዓለም ለኻዊት ሃገር ምዃና ተመስክር።
"እታ ከተማ ዕድመ ብዘየገድስ ንኹሉ ዝኸውን ነገር ኣለዋ" ይብል ኮካቴ።
"እቲ ዝተፈላለየ-ባህሊ ዘለዎ ማሕበረሰብ ሰፊሕ ልምድታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ንገያሾን ወጻእተኛታት ነበርትን ፃንሒቶም ዘሕጉስ ክኸውን ዝገብር እዩ” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







