ብከላ ኣየር፡ እቲ 'ድምጺ ኣልቦ ቀታሊ' ንጥዕናና ብኸመይ ይጸልዎ?

ኣብ 2020 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ንቕሓት ንምዕባይ፡ 7 መስከረም ኣህጉራዊ መዓልቲ ጽሩይ ኣየር ንሰማያዊ ሰማይ ክኸውን ኣዊጁ። እቲ ጸገም ክሳብ ክንደይ ዓቢ እዩ? ኣየኖት ክፋላት ዓለም እየን ነዚ ዓለማዊ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ ምዕባለ ዘርኣያ?
ድምጺ ኣልቦ ቀታሊ ኣብ ኣፍደገና ኣብ ጐደናታትና ኣሎ። ክትጭብጦ ዘከኣል ኣይኰነን። ክትሕብኣሉ ዘከኣለካ ውሑስ ዝዀነ ቦታ’ውን የለን።
ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ሚልዮን ግዳያት ስለዘለዉን ን99 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ስለዝጸሉን ብከላ ኣየር ዓቢ ቅልውላው ህዝባዊ ጥዕና ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ብከላታት ዓቢ ርሕቀት ክጓዓዙ ይኽእሉ እዮም፤ እዚ ድማ ካብቲ መበቈላዊ ምንጪ ርሒቘም ንዝርከቡ ዞባታት ይጸልዉ።
ውልቃዊ ስጕምትታት ውሱን ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል’ኳ ዝእመን እንተዀነ ነቲ ጸገም ንምምካት ግን ብመንግስታትን ዓበይቲ ትካላትን ተወፋይነት ዝሓትት እዩ።
ኣብ 2020 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ብድሆ ንምቅላስ ዝግበር ጻዕርታት ብምምራሕ፡ ንዕለት 7 መስከረም ኣህጉራዊ መዓልቲ ጽሩይ ኣየር ንሰማያዊ ሰማይ ኣዊጁ።
እቲ ጸገም ክሳዕ ክንደይ ዓቢይ’ዩ?
ፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት (UNEP) ብከላ ኣየር “ብዓለም ደረጃ እቲ ዝዓበየ ከባቢያዊ ሓደጋ ጥዕና ህዝቢ” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ኣብ መላእ ዓለም ጠንቂ ሞት ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ክኸውን ከምዝኽእል ይግምት። እንተዀነ ህይወት ደቂ ሰባት ጥራይ ዘኽፍል ኣይኰነን።
ኣብ 2019 ምስ ብከላ ኣየር ዝተኣሳሰር ዓለማዊ ወጻኢታት ጥዕናዊ ዕንወት 8.1 ትሪልዮን ዶላር ከምዝነበረ መረዳእታ ባንክ ዓለም የረድእ። እዚ ድማ ካብ ዓለማዊ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ዳርጋ 6.1 ሚእታዊት እዩ።
“ብከላ ኣየር ዓለማዊ ጸገም'ኳ እንተዀነ፡ ነቶም ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝነብሩን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ከም ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ኣረጋውያንን ብዘይመጠን ይጸልዎም” ይብል ዩኤንኢፒ።

መንግስታት እንታይ ብድሆታት እዩ ዘጋጥሞም?
“ብከላ ኣየር ብሰንኪ ብዙሕ ምኽንያታት ዝመጽእ ኮይኑ፡ ተፈጥሮኣውን ሰባውን ስለዝዀነ፡ ንምምሕዳሩ ዝተሓላለኸ ይገብሮ” ክትብል ኣብ ዩኤንኢፒ ሓላፊት ሴክረታርያ ጥምረት ክሊማን ጽሩይ ኣየርን ማርቲና ኦቶ ።
ብዙሓት ሃገራት ጽሬት ኣየር ንምክትታልን ምቍጽጻርን ዘኽእል መሰረተ ልምዓት ክቡር ስለዝዀነ ክውንናኦ ይኸብደን እዩ።
ጽሩይ ኣየር ከም ሓደ ወፍሪ ክግበረሉ ዝግባእ ውራይ ንምግባር ዓቢ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምዘድሊ ትኣምን።
ማርቲና ኣስዒባ፡ “ብተወሳኺ ኣድማዕነት ደንብታት ክፈላለ ይኽእል እዩ፣ ገለ ዞባታት ድማ እኹል ሕጊ ወይ ኣገባባት የብለንን። ፖለቲካዊ ድሌትን ምወላን እውን ቀንዲ ዕንቅፋታት እዮም።”
ጠንቂ ብከላ ኣየር እንታይ እዩ?

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብከላ ኣየር፡ ዝተሓላለኸ ምትሕውዋስ ደረቕ ንጥረ ነገራት፡ ፈሳሲ ነጠብጣባት፡ ከምኡ’ውን ጋዛት እዩ።
ብንጥረ ነገራት ዝዕቀን ኰይኑ፡ እቶም 2.5 ማይክሮሜትር ወይ ትሕቲኡ ዲያሜትር ዘለዎም ድማ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት ዝለዓለ ሓደጋ የስዕቡ። ንእሽቶ ናይቶም ንጥረ ነገራት ማለት ናብ ደም ክኣትዉ ይኽእሉ ማለት እዩ፤ ኣብ ልቢ፡ ሓንጎልን ካልኦት ኣካላትን ክእከቡ ይኽእሉ።
ማእከላይ ጸጕሪ ወዲ ሰብ ኣስታት 70 ማይክሮሜትር ስለዝዀነ እዞም ንጥረ ነገራት ሓደ ሰላሳ ስፍሓት ጸጕሪ ወዲ ሰብ እዮም፤ ካብ ረሳሕ ፈሳሲ፡ ሓመድ፡ ክሳብ ሳልፌት ዝዀነ ነገር ከጠቓልሉ ይኽእሉ።
ካብ ቅሪተ-ኣካላት ነዳዲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍራይ፡ መጓዓዝያ ከምኡ እውን ብከላ መንበሪ ኣባይቲ ቀንዲ ምንጪ ረቀቕቲ ንጥረ ነገራት እዮም።
ኣብቲ ናብ በረኻታት ዝቐርብ ቦታታት፡ ንፋስ ዝነፍሶ ሓመድ እውን ቀንዲ ምንጪ ብከላ ኣየር ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣፍሪቃ፣ ምዕራብ ኤስያን ኤውሮጳን ንፋስ ዝነፈሶ ሓመድ ከም ዝዓበየ ምንጭኦም ይገልጻ፤ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ መጓዓዝያ እዩ፤ ኢንዱስትሪ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ከምኡ’ውን ኣብ ኤስያ-ፓሲፊክ ድማ ብከላ መንበሪ ኣባይቲ ቀንዲ ምንጪ ብከላ እዩ።
ንጥዕናና ብኸመይ ይጸልዎ?
ኣብ ኣካላትና ረቀቕቲ ንጥረ ነገራት ምህላዎም፡ ኣካላትና ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል እዩ።
ካብ 2019 ዝተረኽበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ ብከላ ኣየር ኣብ ሽዱሽተ ልሙዳት ኵነታት ጥዕና ንሞት ደቂ ሰባት ከመይ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ይትንትን።
ንኣብነት 17 ሚእታዊት ካብቲ ብሰንኪ ወቕዒ ልቢ ዝመጽእ ሞት ብሰንኪ ረቂቕ ንጥረ ነገራት ናይ ደገ ብከላ ኣየር ዝመጽእ ምዃኑ ኣመተ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳን ጃፓንን ልቀት ጋዝ ንምድራት ውጽኢታዊ ስጕምትታት ከምዘተግበራ ማርቲና ኦቶ ገሊጻ።
ንሳ ኣብነት ናይቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኣዝዩ ትሑት ልቀት ዘለዎ ዞባ ብምጥቃስ ኣብ ማእከላይ ለንደን ንዝነበረ መጠን ትራፊክ ብምጕዳል ኣብ ርእሰ ከተማ ብሪጣንያ ጐዳእቲ ብከላታት ብ50 ሚእታዊት ከምዝንኪ ገይሩ።
ኣብ ነዊሕ ግዜ፡ ብከላ ንጥረ ነገራት ኣየር ለንደን ካብ 1900 ጀሚሩ ብ97 ሚእታዊት ነክዩ።

ከተማታት ሜክሲኮን በይጂንን ሳላ ስጕምቲ መንግስቲ ብከላ ኣየር ኣመና ዝነከየለን ከተማታት ኰይነን ካልእ ኣብነታት እየን።
"ዞባዊ ምምሕያሻት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ማሕበረ-ቍጠባዊ ምዕባለን ንጡፍ ሃገራዊ ፖሊሲታትን ይዛመድ" ትብል ሚስ ኦቶ።
“ብፍላይ ከም ደቡብ ኤስያ፡ ደቡባዊ ምብራቕን ምብራቕን ኤስያ (ቻይና ሓዊሱ)፡ ኦሻንያ፡ ማእከላይን ምብራቕን ኣውሮጳ፡ ከምኡ’ውን ማእከላይ ኤስያ ዝኣመሰላ ዞባታት፡ ኣብ ምጕዳል ብከላታት ኣየር ርኡይ ለውጢ ዘምጽኣ ከባቢታት እየን።
ብኻልእ ወገን ድማ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ምስ ልዑል እቶት ዘለወን ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ብቐጻሊ ዝለዓለ ተቓላዕቲ እየን። እዚ ዘይምዕሩይነት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብተዛማዲ ቀዋሚ ኰይኑ ጸኒሑ።
ካብተን ብዓለም ደረጃ ንብከላ ኣየር ዝያዳ ዝተቓልዓ ዓሰርተ ሃገራት እተን ሸሞንተ ኣብ ኣፍሪቃ ክዀና ከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ክልተ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







