ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ልዕሊ 500 ሰባት ብሰንኪ ሙቐት ሞይቶም

ኣብ ጎደናታት ዝንቀሳቐሱ ሰባት ብዋዒ ተጸጊሞም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ደቡባዊ ፓኪስታን መጠን ሙቐት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ይዛይድ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ኤድሂ፡ መዓልታዊ ካብ 30 ክሳብ 40 ሰባት ናብ መጽንሒ ሬሳታት ከተማ ካራቺ ከም ዝወስድ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ መዓልታት ጥራይ ኣስታት 568 ሬሳታት ከምዝኣከበ ዝጠቐሰ እቲ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ካብዚኦም እቶም 141 ብሰሉስ ጥራይ ከምዝኣከበ ሓቢሩ።

ጠንቂ ሞት ነፍሲ ወከፍ ግዳይ እንታይ ከምዝነበረ ብልክዕ ንምዝራብ ግዜ ይሓትት’ዩ።

ይኹን እምበር፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ከተማ ካራቺ ሙቐት ናብ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሰባት ሓገዝ ንምርካብ ናብ ሆስፒታላት ክኸዱ ጸኒሖም እዮም።

ሲቪል ሆስፒታል ካራቺ ኣብ መንጎ ሰንበትን ረቡዕን ጥራይ 267 ሰባት ብሰንኪ ወቕዒ-ዋዒ ተቐቢሉ ከምዝሓከመ ሓላፊ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ዶክተር ኢምራን ሳርዋር ሸኽ ገሊጹ። ካብዚኦም እቶም ዓሰርተ ክልተ ከኣ ሞይቶም።

ዶክተር ሸኽ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "መብዛሕትኦም ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ ዝረኣናዮም ሰባት ኣብ 60ታት ወይ 70ታት ዕድመ ዝርከቡ እዮም። ገሊኦም ኣብ ከባቢ 45 ዓመት ውሑዳት ከኣ ኣብ 20ታት ዕድሚኦም እውን ነይሮም" ኢሉ።

ውጽኣት፣ ተምላስን ልዑል ሰዓልን ዝሓወሰ ምልክታት እዩ ዝረኣዮም።

ንህዝቢ ረድኤት ንምሃብ ብዝብል ማእከላትን መዓስከራትን ተጣይሾም ኣለዉ።

ዋሲም ኣሕመድ ናብ ገዝኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ጽቡቕ ይስምዖ ከምዘየለ ፈሊጡ ነይሩ።

እቲ ወዲ 56 ዓመት ሰራሕተኛ ሓለዋ፡ ኣብ ደገ ዘሕለፎ ን12 ሰዓታት ዝጸንሐ ናይ ለይቲ ስራሕ ሓለዋ ወዲኡ ነይሩ ናብ ገዝኡ ዝተመለሰ። ኣብቲ ለይቲ’ውን እንተኾነ እቲ ሙቐት ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ ነይሩ።

“ምስ መጸአ ‘ነዚ ውዑይ ኩነታት ኣየር ክጻወሮ ኣይከኣልኩን’ ኢሉኒ” ክብል ወዲ ሓውቦ ዋሲም ዝኾነ ኣድናን ዛፋር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ብርጭቆ ማይ ክህቦ ሓቲቱ። ሽዑ ሰትዩ ምስ ወድአ ነዊሕ ከይጸንሐ ወዲቑ” ኢሉ።

ስድራቤት ዋሲም ናብ ሆስፒታል ኣብ ዘብጽሕዎ እዋን ግን ልቢ ዝሰብር ሓዘን’ዩ ተነጊርዎም። ምናልባት ምስ ወቕዒ ልቢ ክተሓሓዝ ብዝኽእል ምኽንያት ከም ዝሞተ ሓካይም ኣፍሊጦሞም።

ዝጸንሐ ሕማም ልቢ’ኳ እንተነበሮ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝነበረ ዋዒ ግን ይሳቐ ከምዘይነበረ ኣድናን ተዛሪቡ።

ጋዜጣ ዳውን ከምዝጸብጸበቶ፡ ኣስታት 30 ሰባት ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ሞይቶም ተረኺቦም ኣለዉ።

ዋዒ ንምዝሓል ማይ ዝንጸገሎ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ እዋን ካራቺ ጥራይ ዘይኮነትስ ካልኦት ግዝኣታትን ከተማታትን እታ ሃገር ብተመሳሳሊ ኩነታት ከምዝተጸለዋ ይግለጽ።

ጎረባብቲ ሃገራት ፓኪስታን እውን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብጽንኩርን ቀታሊን ሙቐት ክህሰያ ጸኒሐን እየን።

ኣብ ህንዲ ከተማ ደልሂ “ተራእዩ ዘይፈልጥ” ማዕበል ሙቐት ክትጻወር ጸኒሓ’ያ። ካብ ግንቦት ጀሚሩ መዓልታዊ ሙቐት 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ሰጊሩ ዳርጋ 50 በጺሑ።

እዚ ዓይነት ጽንኩር ኩነታት ኣየር ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ተደጋጋምን ጽዑቕን ይኸውን ከምዘሎ ክኢላታት ይሰማምዑ።