ኣብ ውዑይ ኩነታት ኣየር ከመይ ክንድቅስ ንኽእል?

ገጻ ብኢዳ ዝሸፈነት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ዝናብ ወቕቲ'ዃ እንተዀነ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኤውሮጳን ኣመሪካን ግን ዋዒ ዝብርትዓሉ ግዜ’ዩ።

ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ዝዀነ እዋን ዘጋጥም መጠን ዋዒ ብዝለዓለ መጠን እዩ ዝውስኽ ዘሎ።

በዚ ምኽንያት፡ ዝናብ እዋኑ ሓይልዩ ኣይመጽእን፤ ሙቐት ክኣ ይብርትዕ።

ተመራመርቲ፡ መጠን ዋዒ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዓቐን ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገሊጾም ነይሮም።

እዚ፡ ካብዚ ዓመት ጀሚሩ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ከም ዝብርትዕ እዮም ገሊጾም። ናይዚ ምኽንያት ክኣ ክሊማዊ ለውጢ ምዃኑ ይገልጹ።

ስለ ዝዀነ፡ ዋዒ ወሲኹ፤ ኤውሮጳ ትልብለብ ኣላ። ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ’ውን ልዑል መጠን ዋዒ ተራእዩ ኣሎ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ መጠን ሙቐት ስለ ዝወሰኸ፡ ነበርቲ መጠን ሙቐት ሰብነቶም ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ክቆጻጸሩዎ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ሙቐት፡ ቀሊል ኣይኰነን። ኣብታ ኣብዚቕነ ከቢድ ሙቐት እተተኣናግድ ዘላ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብዙሓት ጽቡቕ ድቃስ ክንድቅስ ኣይክኣልናን ኢሎም የማርሩ ኣለው።

ንምዃኑ፡ ኣብ እዋን ሙቐትን ሓያል ዋዒ ዘለዎ ኩነታት ከመይ ኢልና ጽቡቕ ድቃስ ክንድቅስ ንኽእል? ገለ ሜላታት ክንሕብረኩም።

1. ናይ ቀትሪ ድቃስ ምግዳፍ

ናይ ውሽጢ ሰብነትና ዋዒ ንምቁጽጻር ብዙሕ ጉልበት ስለ እንጥቀም፡ ምዉቕ ኩነታት ኣየር ኣብ ቀትሪ ሰነፋት ወይ ህኩያት ክገብረና ይኽእል እዩ፡፡

ስለዚ ዋላ ኣብ ለይቲ ጽቡቕ እንተዘይደቀስኩም፡ ቀትሪ ንዘይምክሕሓስ ፈትኑ፡፡

ኣብ ከቢድ ዋዒ ምድቃስ ቀሊል ስለ ዘይኮነ፡ ንለይቲ ኣጽንሕዎ፡፡

2. ልማድኩም ሓልዉ

ውዑይ ኩነታት ኣየር ልምድታትኩም ክትቅይሩ ክደፋፍአኩም ይኽእል እዩ፡፡

እንተኾነ እዞም ለውጢታት ድቃስ ክርብሹ ስለ ዝኽእሉ፡ በድሁዎ።

ዝለመድኩምዎም ነገራት ብምስራሕ ኣብ ልሙድ ሰዓትኩም ደቅሱ፡፡ ቅድሚ ምድቃስኩም እትፍጽምዎም ነገራት ቀጽሉ፡፡

3. መሰረታዊ ነገራት ኣይትረስዑ

ኣብ ለይቲ መደቀሲኹም ዝሑል ክኸውን ዝገብሩ ነገራት ግበሩ፡፡

ኣብ እዋን ቀትሪ ጸሓይ ናብ ገዛኹም ከይኣቱ መጋረጃታትኩም ዕጸዉ፡፡ ብተመሳሳሊ ብርሃን ጸሓይ ክኣትወሉ ብዝኽእል ገጽ ዘሎ መስኮት እውን ዕጸዉዎ፡፡

ቅድሚ ምድቃስኩም ድማ መሳኹቲ ከፊትኩም ሓድሽ ኣየር ክኣቱ ግበሩ፡፡

4. ረቂቕ ኣንሶላታት ተኸደኑ

እትኽደንዎ ነክዩ፤ ግን ድማ ምቹው ክኸውን ኣለዎ፡፡ ረቀቕቲ ካብ ጡጥ ዝተሰርሑ ኣንሶላታት ረሃጽ ሰብነት ይመጡ እዮም፡፡

እንተኾነ ኣብ ለይቲ ዋላ መደቀሲና ክንዲ ድላዩ እንተሞቐ፡ ሙቐት ሰብነትና ግን ይንኪ እዩ፡፡ ነዚ እዩ ድማ ገለ እዋን ክቖረና እንከሎ ካብ ድቃስና እንነቅሕ፡፡

5. ካልሲታትኩም ኣዝሕልዎ

ኣብ ሓያል ዋዒ ንኡሽቶ ቬንትሌተር እውን ትሕግዝ እያ፤ ብፍላይ ራህዲ እንተኾይኑ፡፡

ርሃጽ ብቐሊሉ ክተንንን ሰብነትና ውጣዊ ሙቐት ክቆጻጸርን የኽእሎ፡፡

ቬንትሌተር እንድሕር ዘይብልኩም፡ ኣብ እዋን ዛሕሊ ውዑይ ማይ እንመልኦም ጎማታት፡ ኣዐርዩ ዝዘሓለ ማይ መሊእኻ ምጥቃም፡፡

ከም ኣማራጺ፡ ካልስኹም ኣብ ፍሪጅ ኣዝሒልኩም ግበርዎ፡፡ እግርኹም ምዝሓል ናይ መላእ ቆርበትኩምን ሰብነትኩምን ሙቐት ክወርድ ይሕግዝ፡፡

6. ብዙሕ ማይ ስተዩ

ኣብ ቀትሪ ብዙሕ ማይ ስተዩ፤ ኣብ ኣጋ ምድቃስኩም ግና እትሰትይዎ መጠን ማይ ነክዩ፡፡

ንጉሆ ካብ ምድቃስኩም እንትትለዓሉ ማይ ከይጸምአኩም ትደልዩ ትኾኑ፤ ግና ቅድሚ ምድቃኩም ብዙሕ ማይ ምስታይ ድቃስ ኣቋሪጽኩም ናብ ሽቓቕ ክትከዱ ዝገብር እዩ፡፡

ብርጭቆ ማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

7. ብዘዕባ እትሰትይዎ ነገራት እውን ሕሰቡ

ኣብ ልስሉሳት መስተ ጥንቃቐ ግበሩ፡፡ መብዛሕተኦም ማእከላይ ስርዓተ መትኒ ብምልዕዓል ክንነቅሕ ዝገብር ‘ካፊን’ ዝሓዙ እዮም፡፡

ብዙሕ ኣልኮል ምስታይ እውን ግደፉ፡፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ውዑይ ኣየር ብዙሕ ኣልኮል እዮም ዝሰትዩ፡፡

ኣልኮል ክንድቅስ ይሕግዝ ይኸውን፡፡ ኮይኑ ግና ገስጊስና ንክንነቅሕን ብሓፈሻ እንድቀሶ ድቃስ ዘይጥዑም ክኸውንን ይገብር፡፡

8. ተረጋግኡ

ድቃስ ኣብዩኩም ዓወጽወጽ እንተዳኣኢልኩም፡ ተሲእኩም ዘረጋገአኩም ነገር ግበሩ፡፡ ምንባብ፣ ምጽሓፍ ፈትኑ፤ ዋላ‘ውን ካልስኹምን ክዳንኩምን ዕጸፉ፡፡

ስልክኹም ምቱኽቷኽ ወይ ቪድዮ ጌም ምጽዋት ግን ግደፉ፤ እቲ ካብ ቴሌፎን ዝፍኖ ሰማያዊ ብርሃን ከይንድቅስ ዝገብር ኮይኑ፡ እቲ ተግባር እውን ዘነቓቕሕ እምበር ዘደቅስ ኣይኮነን፡፡

ድቃስ ከም ዝመጸኩም ክስመዓኩም እንከሎ ናብ ዓራትኩም ተመለሱ፡፡

9. ብዛዕባ ህጻናት ሕሰቡ

መብዛሕትኡ እዋን ህጻናት ጽቡቕ ደቀስቲ እዮም፤ ኮይኑ ግና ኣብ ቤተሰብ ናይ ስምዒት (ሙድ) ለውጢ እንትህሉን መዓልታዊ ምንቅስቓሳትና እንትለዋወጡን፡ ተኣነፍቲ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡

ህጻን ቆልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሙቐት ብምዃኑ ጥራሕ ልሙድ ናይ መሕጸብን መደቀስን ሰዓቶም ክቕየር የብሉን፡፡

ቅድሚ ምድቃሶም ልህብ ብዝበለ ማይ ምሕጻብ ይምከር፤ ኣዐርዩ ከምዘይቆሮም ክነረጋግጽን ሙቐት ሰብነቶም ክንዕቅንን ኣለና፡፡

ህጻናት ሙቐት ናይቲ ገዛ ካብ 16 ክሳብ 20 ዲግሪ ሴንትግሬድ ኣብ ዝኾነሉ እዮም ጽቡቕ ዝደቅሱ፡፡

ኣብ መደቀሲ ናይቲ ህጻን ቴርሞሜትር ምቕማጥ ይከኣል፡፡

10. ካብኡ ክኣ ከኣልዎ

መብዛሕትና መዓታዊ ስራሕና ብኣግባቡ ንምስራሕ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ሸሞንተ ሰዓት ጽቡቕ ድቃስ ለይቲ የድልየና፡፡

ኰይኑ ግና ብዙሕ ሰብ ድሕሪ ሓደ ክልተ ዘይጽቡቕ ድቃስ ዘለዎም ለይቲታት፡ ስርሑ ብጽቡቕ ክሰርሕ ከምዝኽእል ንዘክር፡፡