ኣንሶላኹም ኣብ ክንደይ መዓልቲ ክትቅይርዎ የድሊ?

ዓራት እተንጽፍ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ገለ ሰባት፡ ጉዳይ ኣንሶላ ብዙሕ ክትዛረበሉ ዘድሊ ከምዘይኮነ እዮም ዝኣምኑ፣ ይዅን እምበር ንነፍሲ ወከፍና ኸኣ ዝትንክፍ እዩ፤ ኣንሶላኹም ኣብ ክንደይ መዓልቲ ክትቅይርዎን ክትሓጽብዎን የድሊ?

ኣብዚ ጉዳይ ዝወሃብ መልሲ ዝተፈላለየ ምዃኑ ሓደ መጽናዕቲ የርኢ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ 2250 ብሪጣንያውያን ዝተገብረ ካልእ ዳህሳስ ከኣ ዝተፈለየ ውጽኢት የመልክት።

ካብቶም ዘይተመርዓው ሰብኡት እቶም ኣስታት ፍርቂ ን 4 ወርሒ ኣቢሉ ኣንሶላኦም ከይሓጸቡ ከምዝጸንሑ ክገልጹ እንከለው፣ እቶም 12% ክሳዕ ዝዝክርዎ (ካብ ኣርባዕተ ወርሒ'ውን ክዛይድ ይኽእል'ዩ) ኣንሶላኦም ከም ዘይሓጽቡ ተኣሚኖም።

በዓልቲ ሞያ ስነ-ልቦና፡ ስነ-መትንን ድቃስን ዝኾነት ዶክተር ሊንድሰይ ብራውኒን፡ "እዚ ጽቡቕ ኣካይዳ ኣይኮነን፡" ትብል።

ዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ በንጻሩ ቀለጢፈን እየን ዝቕይራ። 62% ኣብ ነፍሲወከፍ ክልተ ሰሙን ክቕይራ እንከለዋ፡ ተጻመድቲ ከኣ ኣብ ሰሰለስተ ሰሙን ከም ዝቕይሩ ይገልጹ።

ንምንታይ'ዩ ምቕያር ኣንሶላ ኣመና ኣገዳሲ ዝኸውን?

ዶክተር ሊንድሰይ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፡ እንተደንጐየ ከኣ ኣብ ክልተ ሰሙን ኣንሶላና ክንቅይር ከምዘሎና ትዛረብ።

ጽሬት ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ፤ እቲ ሓደ ምኽንያት ከኣ ረሃጽ እዩ። ብርቱዕ ሙቐት ኣብ ዘለዎ መዓልቲ ክትድቅስ እንተፈቲንካ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣሸጋሪ ምዃኑ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ።

"ረሃጽ ናብቲ ኣንሶላ ይኣቱ'ሞ፡ ሕማቕ ጨና ክህልዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ መጠግጠግ ከም ዝብል ይኸውን፡" ትብል ዶክተር ሊንድሰይ።

ክንድቅስ እንከሎና ጽቡቕ ክስምዓና እንተኾይኑ፡ እቲ ኣየር ክንቀሳቐስ ኣለዎ ትብል።

እንተኾነ ብዛዕባ ረሃጽ ጥራሕ ኣይኮናን ክንሓስብ ዘሎና፤ ብዛዕባ እቶም ኣብ እዋን ድቃስ ዝሞቱ ዋህዮታት ቆርበት'ውን ክንሓስብ ኣድላዪ እዩ።

"ኣንሶላኻ ዘይትቕይር እንተዄንካ፡ ዝሞቱ ዋህዮታት ቆርበት ኣብቲ ኣንሶላ ክእከቡ እዮም።"

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። እቲ ዝተኣከበ ዋህዮታት ከም ቁንጪ ንዝኣመሰሉ ደቀቕቲ ፍጥረታት መግቢ ስለዝኸውን፡ ስእነት ምሾትን ነድሪ ቆርበትን ከስዕብ ይኽእል።

ካብ ድቃሳ እትበራበር ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወቕቲ ኣገዳሲ ድዩ?

ክኸውን ይኽእል እዩ።

"ኣብ እዋን ሓጋይ ደሓን ክኸውን ይኽእል እዩ፡" እትብል ዶክተር ሊንድሰይ፡ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ምቕያር ግን "እቲ ተመራጺ" እዩ ትብል።

ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ትጸንሕ እንተዄንካ [ኣንሶላ ከይቀየርካ]፡ "ናብቲ ዘይምሽው ኩነታት ኢኻ ትኣቱ።"

ኣብ እዋን ሓጋይ ብዙሕ'ኳ እንተዘይረሃጽና፡ ዝሞቱ ዋህዮታት ቆርበት ግን ነወግድ ኢና።

"ናብቲ ዓራት ርስሓት ዘለዎ ኣእዳው ከምኡ'ውን ካብ ኣፍና ዝወጽእ ትንፋስ ኣሎ።"

Hotel

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, "ኣብ ሆቴላት ጽቡቕ እንድቅስ፡ እቲ ክፍልታት ብግቡእ ዝተሓሰበሉን እቲ ኣንሶላ ከኣ ብሉጽን ኣብ እዋኑ ዝቕየርን ብምዃኑ እዩ"

ኣብቲ ዳህሳስ ካብ ዝተሳተፉ ሰባት እቶም 18% ምሸት ሰብነቶም ስለዝሕጸቡ፡ ኣንሶላኦም ቀቀልጢፎም ክቕይሩ ከምዘየድልዮም እዮም ገሊጾም።

እንተኾነ ኣብ እዋን ክረምቲ ጕንፋዕን ጽገ ዕምባባታት እቲ ኻልእ ጸገም ከምዝኾነ ተረድእ።

"ኣንሶላ ብስሩዕ ምሕጻብ ኣገዳሲ እዩ፤ ምኽንያቱ እዞም፡ ዕፋነ ዘስዕቡ፡ ጠንቂ ኣለርጂ ዝኾኑ ባእታታት ኣብ ዓራት ክጸንሑና እዮም።"

ሰባት ስለምንታይ ኣንሶላኦም ከምዘይሓጽብዎ ክምልሱ እንከለው፣ ብሰንኪ ምርሳዕ (67%)፡ ብሸለልትነት (35%)፡ ቅያር ስለዘይብሎም ከኣ (22%) ዝብሉ ገለ ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት እዮም። 38% ግን ኣንሶላ "ብዙሕ ምሕጻብ" የድልዮ'ዩ ኢሎም ከም ዘይኣምኑ እቲ ብፒዙና ላይነንስ ዝተኻየደ ዳህሳስ የረድእ።

ዶክተር ሊንድሰይ ግን መደቀሲ ክፍልና ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥረለና ብሉጽ ቦታ ክኸውን ኣለዎ ትብል።

ብስእነት ድቃስ ዝሳቐዩ ዓማዊል ከምዘለውዋ እትዛረብ እታ ዶክተር፡ "ኣንሶላኹም እንተዘይተሓጺቡ፡ ዝረስሐ እንተመሲሉ፡ ጨና እንተሃልይዎ ሓደ ካብ ጠንቅታት ስእነት ድቃስ ከምዝኸውን ምግንዛብ የድሊ፡" ክትብል ተረድእ።

"ናብ ዓራትና ምስ ኣተና ፍዅስ እንተኢሉና፡ ምቹኡነትን ሓጐስን እንተ ተሰሚዑና፡ እቲ ጥዑም ሽታ ብህድኣትን ልዋም ዘለዎን ድቃስ ክንረክብ ይሕግዘና።"

Presentational grey line
መግለጺ ቪድዮ, እኹል ድቃስ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?