ኣመሪካ፡ ግዝኣታት ዝስንጥቕ ዘሎ ሓደገኛ ህቦብላ

ኣብቲ ዝዓነወ ገዛውቲ እትረአ ጓልኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ አመርካ ብዘጋጠመ ከቢድ ህቦብላ ብውሑዱ 34 ሰባት ሞይቶም።

እቲ ኣብ ብዙሓት ግዝኣታት ደቡባዊ ምብራቕ ዘጋጠመ ቀዛፊ ህቦብላ፡ ኣብ ሚዙሪ ጥራሕ 12 ሰባት ዝቐተለ ኮይኑ፡ ብዙሓት መካይን ገልቢጡን መንበሪ ኣባይቲ ኣዕንዩን።

ኣብ ካንሳስ ነዚ ህቦብላ ስዒቡ ብዘጋጠመ ዶረና ልዕሊ 55 መኻይን ዝተጋጭየን። ብሰንኩ ድማ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም።

ንሚቺጋን፣ ሚዙሪን ኢልኖይስን ሓዊሱ ኣብ ሸውዓተ ግዝኣታት ልዕሊ 250 ሽሕ መንበሪ ኣባይትን ትካላትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቛሪፁ።

ኣብቲ ዞባ ዝሓሰመ ኩነታት ኣየር ከም ዘጋጥም ትንበያ ኩነታት ኣየር የመልክት።

ምብራቕ ሉዊዚያና፣ ምዕራብ ጆርጅያ፣ ማእኸላይ ቴነሲን ምዕራብ ፍሎሪዳ ፓንሃንድልን ድሮ ብሰብመዚ ቅድመ መጠንቀቕታ ተዋሂብወን ኣሎ።

ኣማሓዳሪ ሚሲሲፒ ቴት ሪቭስ በቲ ህቦብላ ሽድሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጡ።

ኣብ ማእኸላይ ሚሲሲፒ፣ ምብራቕ ሉዊዝያናን ምዕራባዊ ቴነስን፡ ከምኡ'ውን ገለ ክፋል ኣላባማን ኣርካንሳስን ከቢድ ምዕልቕላቕ ከጋጥም ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኣሎ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ሜትሮልዮጂ'ታሃገር፡ ኣብቶም ዝተነፀሩ ከባብታት ዝነብሩ ሰባት ኣብ ፅኑዕ ህንፃ ከፅልሉን እቲ ህቦብላ ክሳብ ዝሓልፍ ምንቅስቓስ ከይገብሩን ኣጠንቂቑ።

ከም ሓበሬታ እቲ ትካል ኣብ ሸልቢን ቴነስን ኣብ ሰዓት 97 ኬሎሜትር ዝውንጨፍ ብርቱዕ ንፋስ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ ኣመርካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2024 ምስ ህቦብላ ብዝዛመድ ብዘጋጠሙ ክስተታት ህይወት 54 ሰባት ከም ዝጠፍአ ይዝከር።

ኣብቶም ብዙሕ ህቦብላታት ዘጋጥመሎም ግዝኣታት ማእኸላይ አመርካ- ቶርኔዶ ኣለይ፡ ህቦብላታት ካብ ጉንበት ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዘ እዮም ዝኽሰቱ፡ እንተኾነ ኣብ ዝኾነ ህቦብላ ከጋጥም ከም ዝኽእል ሰብሞያ ሜትሪዮሎጂ ይገልፁ።

ብህቦብላ ዝዓነወ ገዛ