ሎሚ ደቂቕ ንጥረ ነገር እንተጓዓዒዝና ፅባሕ ሰብ ከነጓዓዕዝ'ዶ ንኽእል ንኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳይንቲስት ቻይና ካብ ምድሪ 400 ኪ.ሜ ርሒቓ ናብ እትዘውር ሳትላይት ሓንቲ ደቃቕ ንጥረ ነገር (ፎቶን) ቴሌፖርት ከም ዝገበሩ ገሊፆም።
ቅድሚ ሐዚ ኣብ ሳይንሳዊ ልበወለድ ተገዲቡ ዝነበረ እዚ ሓሳብ ይገሃድ ዶ ይኸውን?
ብኸመይ ክኸውን ይኽእል?
ቴሌፖርቴሽን ሓደ ኣካል ወይ ድማ ሓይሊ ኣካላዊ ድፍኢት ከይገበርካ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምምሕልላፍ ዝሓትት ሳይንሳዊ ፈጠራ እዩ።
ብቐሊል ኣገላልፃ ቴሌፖርቴሽን ኩነታት ሓደ ነገር ኣብ ካሊእ ቦታ ከም ዝርከብ ምግባር ማለት እዩ።
ነዚ ብዝያዳ ንምርዳእ ድማ ሰብ ሞያ ፋክስ ማሽን ከም ኣብነት ይወስዱ።
ኣብዝሓ ከም ዝሓስብዎ፡ ቴሌፖርቴሽን ማለት ኣብ ሓደ ሓደ ፊልምታት ከም ዝረአ፡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ንምጓዓዝ ዘኽእል ኣይኮነን።
እኳ ድኣስ ኣብ ፊዚክስ ኳንተም ኢንታንግልመንት ወይ ድማ ርክብ ኣብ ዝበሃል ሜላ ዝተደረኸ እዩ።
ኳንተም ርክብ እንታይ እዩ?
እዚ ኣጋጣሚ ክልተ ደቀቕቲ ነገራት ኣብ ተመሳሳሊ ቦታን ግዘን ብዘይ ገለ ኣፈላላይ ኣብ ዝርከብሉ እዋን እዩ።
ኣብ ዝተፈላለይሉ እዋን እውን ርክቦም ኣይቋረፅን።
እዚ ማለት ድማ፡ ሓደ ንጥረ ነገር ኣብ ሓደ ቦታ ኾይኑ እንትቕየር ኣብቲ ካልእ ቦታ ዘሎ ካልኣይ ፎቶን እውን ብተመሳሳሊ ይቕየር።
ፕሮፌሰር ሳንዱ ፖፔስኩከም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስተል (እንግሊዝ) ካብ 1990 ታት ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ጀሚሩ ኣብ ርክብ ኳንተም እናሰርሑ ፀኒሖም።
"እዚ ኣብ ዝሰምዑ ግዜ ሰባት ከም ስታር ትሬክ ዓይነት ኣጋጣሚ ተፀብዮም ነይሮም።
ሓደ ዘይተገንዘብዎ ነገር ግን፡ ናይ ሓደ ሰብ ብቢልዮን ዝቑፀሩ ደቀቕቲ ነገራት እንተይኮነስ እታ ሓንቲ ደቃቕ ነገር ጥራሕ ክነጓዕዝ ምኽኣልና እዩ "
" ንኣብነት ንበይና ተነፂላ ዘላ ፕላኔት እንተወሲድና ክነጓዕዞ ዝግበአና ብቢልዮን ዝቑፀሩ ዝተኣሳሰሩ ደቀቕቲ ነገራትን ካልኦት ጠቐምቲ ሓበሬታታትን ብምዃኑ፥ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን" ይብሉ።
ቅድም ኢልና ከም ኣብነት ዝወሰድናዮም ክልተ ደቀቕቲ ንጥረ ነገራት እንተርኢና፡ እቲ ሳልሳይ ደቂቕ ምስ ቀዳማይ ደቂቕ እንተራኺብናዮም እቲ ማንታ ወይ ድማ ሓድሽ ዝተፈጠረ እውን ብሓደ ይቕየር።
እዚ ድማ እቲ ማንታ ደቂቕ ብዛዕባ እቲ ሳልሳይ ደቂቕ ሓደ ዓይነት ሓበሬታ ይህልዎ ማለት እዩ።
እዚ እንታይ ፀገም ይህልዎ?

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY
ቻይና ዘዳለወታ ሚኪዩስ ተባሂላ እትፅዋዕ ሳትላይት ፎቶን (ደቂቕ ንጥረ ነገር) እትቕበል እያ።
ነዊሕ መንገዲ ክጓዓዝ ዝኽእል ደቀቕቲ ምፍጣር ብጣዕሚ ኣፀጋሚ እዩ።
ምኽንያቱ ድማ ሓደ ፎቶን ልዕሊ 150 ኪ.ሜ ከይጠፍአ ብፋይበር ኦፕቲክ ክጓዓዝ ስለ ዘይኽእል እዩ።
ተመራመርቲ እውን ፎቶናት ኣብ ህዋ ብልዑል ፍጥነት ነዊሕ ከም ዝጓዓዙ ይገልፁ።
ይኹን እምበር ካብ ምድሪ ከባቢ አየር ንምሕላፍ ተፀጊሞም እዮም። ናይዚ ምኽንያት ድማ እዞም ደቀቕቲ ነገራት (particles) ንእሽተይ ለውጢ ኣየር ኣንፈቶም ስለ ዘቐይሮም እዩ።
እሞ ቻይናውያን ጉጅለ ቴሌፖርቴሽን እንታይ ረኸቡ?

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
ኳንተም ኮምፒተር ኔትዎርክ ድሕንነት (ሚስጥራውነት) ክህሉ የኽእል።
ኣብ ላባራቶሪ በብሰከንዱ ዝተራኸቡ 4000 ፅምዲ ፎቶናት ድሕሪ ምፍጣር፡ ካብዚኦም እቲ ንፅል፡ ሚኪዩስ ናብ እትበሃል ሳትላይት ብምልኣኽ እዚ ፈተነ ክሳኽዐሎም ክኢሉ እዩ።
ፕሮፌሰር ኣንቶን ዜየሊንገር እዚ ፈተነ ሰብ ምጓዓዝ ብዘይ ምኽኣሉ ዘሕዝን እኳ እንተኾነ እዚ ውፅኢት ምርምር ግን ዘሐጉስ ከም ዝኾነ ይገልፁ።
ናይ ኳንተም ምጓዓዝ ዘይጥለፉ ርክባት ንምዝርጋሕ ጠቓሚ ምዃኑ ድማ ይሕብሩ።
"ኣብ ዝምልከቶ ሰብ ክበፅሕ ዝግበኦ መልእኽቲ ካልእ ሰብ እንተጠሊፍዎ እቲ ፎቶን ስለ ዝርበሽ እቲ መልእኽቲ ይቕየር" ይብሉ።
እዚ ውፅኢት ምርምር ሚስጥራዊ ዝኾኑ ንገንዘብ ዝምልከት ሓበሬታት መረፃን ንምስዋር እውን ይጠቅም።
ዋላ እኳ ገለ ፀገማት እንተሃለዉ ቀስ ብቀስ ለውጢ ከም ዝመፅእ ድማ ይሕብሩ።
ቻይናዊት ከተማ ጂናን ድማ ኣብዚ ቴክኖሎጂ ብምድራኽ መራኸቢ መስመራት ክትዝርግሕ ጀሚራ ኣላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







