ቴክኖሎጂ ዝደረኾ እምነት ኣብ ኣፍሪቃ ይዕምር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ኣብዚ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ክትሰርሕ ምስ ጀመርካ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣለኻ ማለት'ዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ምሉእ ዓለም ጨናፍር ኣለካ። ስለዚ ካብታ ቀደመይቲ መዓልቲ ጀሚርካ ዓለም-ለኻዊ ናይ ሶፍትዌር ኩባንያ ኢኻ።"
እዚ፡ ናና ኣግየማን-ፕረምፐህ ዝብሎ'ዩ። ንሱ ጋናዊ ዋና ኣካያዲን ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ መስረትቲ 'ኣሶሪባ' ዝተባህለ፡ ንኣብያት ክርስትያናት ናይ ሶፍትዌር ምምሕዳር ኣገልግሎት ዝህብ ትካልን እዩ።
ምስ ኣባላተን ብናይ ተንቀሳቓሲ ቴለፎናት ንዋያት (ኣፕስ)ን ብጽሑፍን (ቴክስት) ከራኸቡ የኽእሎም። ብቐንዱ ድማ፡ በቲ ቴክኖሎጂ ኣቢሉ ዝተወፈየ ገንዘብ ይኹን ዕሽርን ክቆጻጸሩን ክእክቡን የኽእሎም። ከምኡ'ውን ንኣባለተን ዘድልዯም ውልቃዊ ኣገልግሎታት ክህባ የኽእለን'ዩ።
እታ ኩባንያ ኣብ 2014 እያ ተመስሪታ፡ ድሕሪ ዓመት ከኣ፡ ኣብቲ ኣብቲ ብሲድስታርስ ዝፍለጥ ውድድር ጀመርቲ ዓለም ፡ ናይ ኣፍሪቃ ብልጽቲ ኩባንያ ጀመርቲ ተባሂላ ተሰምያ።
እቲ ወዲ ፓስተር ዝኾነ ኣቶ ኣግየማን-ፕረምፐህ፡ እቲ ንኣካየድቲ እተን ኣብያተ ክርስትያናት ዘጓንፎም ጸገማት ብቐረባ ክርእዮ ክኢሉ። ዘይብቑዕ መቆጻጸሪ ተሳታፍነትን ፋይናንስን፡ ምስ ኣባላት ቤተ ክርስትያን ዘሎ ድኹም ርክባትን፡ ንኣጋጣሚታት ብዝግባእ ንውዕዋዕ ዘለዉ ጸገማት ክርድኦ ኣይጸገሞን።
በዚ ድማ፡ ንሱን እቶም ከምኡ ንባዕሎም ክርስትያን ዝኾኑ ብጾቱን፡ ናይ ንግዲ ዕድል ከልልዪ ኪኢሎም።
እቲ መርብብ ሓበሬታ ዋጋታት ናይ ኣሶሪባ ኣይሕብርን'ዩ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ግን፡ ኣግየማን-ፕረምፐህ፡ ኣባል ንምዃን $9 (£6.75) ንወርሒ ከም ዘኽፍሉ ገሊጹ ነይሩ።
"እታ ቤተክርስትያን ድሮ ነገራት ይዕድግ'ዩ- ንሰባት ዝኸውን ክዳን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ትሃንጽ፡ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን ናይ ራድዮን ቴለቭዠንን ጊዜ ይዕድጋ'የን፡ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን" ይብል ብዛዕባ እቲ ዝህቦ ኣገልግሎት ክገልጽ እንከሎ።
ነቲ ኣገልግሎት ክንዮ ጋና ናብ ታንዛንያ፡ ጋምብያ፡ ናይጀርያን ኬንያን ከስፍሑ መደብ ከም ዘለዎ ይገልጽ።
"ምስቲ ዝጸንሐ ቴክኖሎጂ ኣወሃሂድካ ስራሕካ ክትሰርሕ ምኽኣል'ዩ" ይቕጽል።

ምንጪ ስእሊ, Asoriba
እቲ ኣገልግሎት ዝህቦ መሰረታዊ ነገር፡ ሓደ ኣብ ገጠር ዘሎ ፓስተር ብቐሊሉ ምስ ማእከላይ መደበር ቤተ ክርስትያን ብቐሊሉ ብተንቀሳቓሲ ቴለፎን ንዋይ (ኣፕ) ብምርኻብ ከም ናይ ተሳታፍነት ሓበሬታ ዝበሉ ሓበሬታታት ብቐሊሉ ከመሓላልፍ ይኽእል፡ ይብል ኣግየማን-ፕረምፐህ ኣብዚ ዓመት'ዚ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ።
ቅዱስ ዝበሃል ነገር የለን?
ንኣሶሪባን ይኹን ካልኦት ብዙሓት ሃማኖታውያን ንዋያት (ኣፕስ)ን ናይ መርበብ ኣገልግሎታትን ዘጋጥሞም ዘሎ ዝዓበየ ጸገም፡ ድሕነት ሓበሬታ እዩ።
'ናይ እምነት ስራሕ'ዩ" ይብል ኣግየማን-ፕረምፐህ። "ክሳብ ክንደይ ዉሑስ'ዩ ዝብል ጉዳይ ናይ ብሓቂ ዘሰክፍ'ዩ፡ ተደጋጊሙ ዝለዓል ድማ'ዩ"።
ከምዚ ዝበሉ ስክፍታታት ምህላዎም ቅቡል ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ብሓደ ፕሩፍፓይንት ዝተባህለ ናይ መርበብ-ድሕነት (ሳይበርሰኲሪቲ) ትካል ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ 2015 ኣብ ናይ ሃማኖት ንዋያት (ኣፕስ) ከውደኽድኽ ዘኸኣለ ቫይረስ (ማልዌር) ረኺቡ ነይሩ- እቶም ዝኸፍኡ ቫይረሳት ድማ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ኣስማት ዝጽውዑ'ዮም።
ሓደ ጉጅለ ናይቲ ትካል፡ ን5,600 ኣብ ኣፕልን ኣንድሮይድን ዝመደበሮም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንዋያት (ኣፕስ) ከም ዝመርመረን፡ ኣብ 240 ካብኣቶም ድማ ሓደገኛ ኮድ ከም ዝረኸበ ሓቢሩ። ካልኦት 140 ድማ ኣብ ኣዝዩ ልዑል ሓደጋ ከም ዝርከቡ ኣረጋጊጹ።
"ብዙሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንዋያት ናይ ስቱርነት ፓሊሲ የብሎምን፡እዚ ድማ ንኸምዚ ምቹዉ'ዩ፡ ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ንዋያት ሓበሬታ ሓደ ተጠቃማይ ናብ ብዙሓት ሃገራት ስለዝልእኩ" ብምባል ፕሩፍፖይንት ኣብ መርበብ (ብሎግ) ዘውጽኦ ሓበሬታ ይገልጽ።
"ብሓቂ፡ መጽሓፍ ብገበሩ ክትፈርዶ ኣይትኽእልን ኢኻ" የስምረሉ እቲ ትካል።

ምንጪ ስእሊ, Everyday Church Online
'ስክሪመፕ ኤንድ ሴቭ'
እቲ ናይ ድሕነት ሓደጋ ብዘየገድስ፡ ገለ ሰባት፡ እተን ንዋያት ብፍሉይ ኣወንታዊ ሓይሊ ዝተመልኣ እየን ኢሎም ይኣምኑ።
"ነዚ ዘደንቕ ኣፕ ድሕሪ ምርጋፈይ [ዳውንሎድ] ቴለፎነይ ካብ ምስባር ኣቋሪጻ" ክብል ሓደ ተጠቃሚ ናይቲ ኣብ ናይጀርያ ዝመደበሩ፡ ፓስተር ክሪስ ዲጂታል ላይብረሪ ኣፕ ብሓጎስ ይገልጽ። እዚ ኣብ''ዚ ኣብ ጉግል ፕለይ ስቶር ጥራይ ልዕሊ 100 ሽሕ ኣራጊፎም ኣለዉ።
ካልኦት ሃማኖታዊ-ቃና ዘለዎም ኣፕስ (ንዋያት)ን ናይ መርበብ ኣገልግሎታትን ኣብ ኣፍሪቃ ይዕምብቡ'ለዉ።
ንኣብነት፡ ኤቭሪደይ ቸርች ኦንላይን፡ ሰንበት ሰንበት ኣብ መርበብ ኣገልግሎት ዝህብ ዲጂታል ቤተክርስትያን'ዩ። ተኸታተልቶም እናዓበይ ይመጽእ ከም ዘሎ ኦንላይን ፓስተር ዳረን ፓርከር ንቢቢሲ ይዛረብ።
"እቶም ዝበዝሑ ንመርብብናን ናይ ፌስቡክ ገጽናን ዝጥቀሙ ሰባት፡ ተንቀሳቓሲ ቴለፎን ዘለዎም'ዮም፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ" ይብል።
ዲጂታል ሸሪዓ

ምንጪ ስእሊ, Muslim directory
ፒው ዝተባህለ ማእከል መጽናዕቲ ከም ዝግምቶ፡ ኣብ 2050 4 ካብ 10 ክርስትያናት ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ክህልዉ'ዮም። በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ኣመንቲ ምስልምና ዓለም'ውን ዳርጋ ክንድኦም ዝኾኑ'ዮም።
ካሲም ኢስማኢል፡ ኣብ 2008 ነቲ ሙስሊም ዳይሪክተሪ ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ፡ ኣፕን፡ ተሓቲሙ ዝወጽእን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ መስሪትዎ። እቲ ሓሳብ፡ ንኣስላም በጻሕቲ (ቱሪስት) ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምሃብን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዘለዉ ኣባላት እቲ ማሕበረኮም መራኸቢ ከገልግል'ዩ።
"ናይ ኣነባብራ ቅጥዕታት ናይ ኣስላም፡ ከምቲ ኣብ ሸሪዓ ተሰሪዑ ዘሎ፡ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እንድሕር ድኣ ነቲ ዝኸድዎ ቦታ ዘይፈልጥዎ ኾይኖም" ይብል ኢስማኢል።
"ከም ሓላል ቤት ምግቢ፡ ሓላል መጽንሒ፡ ኣብ ቀረባ ዝርከብ መስጊድ ወይ ናይ ቀብሪ ኣገልግሎት እንድሕር ድኣ ኣድላዪ ኾይኑ። ዋላ ናይ ጸሎት ጊዚያት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ'ዩ"።
ኣብዘን ናይ ኣቶ ኢስማኢል ኣገልግሎታት ንከተዋዓውዕ፡ ካብ 500 ክሳብ 5,000 ራንድ (£26-£260 / $35-350)። ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ናይ ምስልምና ኣገልግሎታትን ግና ብናጻ ክጥቀሙ ይኽእሉ። ትካላት ንግዲ ጥራይ'የን ዝኸፍላ፡ እንተኾነ ግን ካብቲ "ሸሪዓ ዝእዝዞ" ክወጻ የብለንን፡ ይብል ንሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







