ትንፋስና ስለምንታይ'ዩ ሕማቕ ጨና ዝፈጥር? መፍትሒኸ ኣለዎ'ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ኣፍኩም ዝወጽእ ትንፋስ፡ ሕማቕ ጨና ስለ ዘለዎ ጥራይ ምስ ሰባት ንምርኻብ ትሽቝረሩ'ዶ ትህልው?
እንተዀነ፡ እዚ ከሻቕለኩም ኣይግባእን። እዚ ልሙድ ተርእዮ ስለ ዝዀነ መፍትሒታት ኣለዎ።
ጽሬት ኣስንና ምሕላው፡ ከምቲ ኣብ መንጐ ኣስናንናን ግርጻናን ኣብ ዘሎ ቦታታትን ኢሉ'ውን ኣብ ውሽጢ መልሓስና ምስ ዝሰፍሩ ባክተርያ መወዳእታ ዘይብሉ ቃልሲ ከም ምክያድ'ዩ ዝቝጸር።
ነዞም ባክተርያ እንተዘይኣወጊድናዮም ድማ፡ ኣብኡ ክራብሑን ከቢድ ሕማም ግርጻን ከስዕቡን ይኽእሉ'ዮም።
ነዚ ንምክልኻል ግን መንገድታት ኣሎ።
ጠንቂ ሕማቕ ጨና ኣፍ እንታይ እዩ?
ኣብ መላእ ዓለም፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቂ ሕማቕ ጨና ኣፍ፡ ፐሪዮዶንቲተስ (periodontitis) ኰይኑ፡ ምጕዳል ግርጻን ተባሂሉ'ውን ይፍለጥ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሕክምና ስኒ ዶክተር ፕራቪን ሻርማ ን ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ዓበይቲ ሰባት ዳርጋ ኣብ ፍርቈም ጸገም ግርጻን ኣሎ፡" ይብል።
"ሕማቕ ጨና፡ ካብ ኣፍ ዝመጽእ ዘሎ ጌርካ ክትሓስቦ ትኽእል ኢኻ፡" ዝበለ እቲ ዶ/ር "እዚ ምናልባት 90 ሚእታዊት ሕማቕ ጨና ዝፈጥር ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ካልእ 10 ሚእታዊት ድማ ካልእ ጠንቂ ኣለዎ።
"ግቡእ ቍጽጽር ዘይግበረሉ ሕማም ሽኮር ዝተወሰነ ዓይነት ኣበርክቶ ክህልዎ'ዩ፡" ይብል።
እቲ በዓል ሞያ ኣስዒቡ "ጸገም ከስዐ ዘለዎም እንተሃልዮም፡ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ትንፋስ ክህልዎም እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍ ዝንጸባረቑ ስርዓታዊ ሕማማት ክህልውዎ እዮም" ኢሉ።
እንታይ ክግበር ይከኣል?
1. ኣብ ሱር ናይቲ ጸገም ምትኳር
ኣብ መንጐ ኣስናንናን ግርጻንናን ዝሰፍር ባክተርያ እንተዘይኣጽሪናዮ፡ ንእሽቶ-ቁስሊ ከምኡ'ውን ስዒቡ ዝመጽእ ምፍሳስ ደም ግርጻን ከስዕብ ይኽእል።
እዚ 'ጅንጅቫይተስ' ዝበሃል ኰይኑ ኣብ መጀመርታ ደረጃ ሕማም ግርጻን ይስራዕ። እዚ ክሓዊ ዝኽእል ምዃኑ ግን ክንዝንግዖ የብልናን።
"ሕማም ጅንጅቫይትስ ነድሪ ግርጻን ኰይኑ፡ ግርጻንካ ቀይሕ፡ ዝሓበጠን ኣብ እትብርሽሉ እዋን ደም ዝፈስስን ስለ ዝመስል ከተስተብህለሉ ኣለካ፡" ዝብል ዶክተር ሻርማ እዚ ናብ ፐርዮዶንቲተስ ክሰጋገር ከም ዝኽእል ይሕብር።
ኣብ እዋን ምብራሽ ግርጻን ምቅያሕ፡ ሕበጥ ወይ ምፍሳስ ደም ዝበሉ ምህላዎም ምርግጋጽ የድሊ።
"ሰባት ንዝቘሰለ ግርጻን ካብ ምብራሽ ይቝጠቡ፤ ምኽንያቱ 'ጉድኣት እገብር ኣለኹ፡ ጌጋ እገብር ኣለኹ፡ ስለዚ ድማ እዩ ዝደሚ ዘለኹ' ኢሎም' ስለ ዝሓስቡ'ዩ፡" ይብል ዶክተር ሻርማ።
ይዅን'ምበር፡ "ብኣንጻሩ'ዩ - ምፍሳስ ደም ግርጻን [ስንኻ ንከተጽሪ] ምኽንያት ክዀነካ ኣለዎ። 'ቅድሚ ሕጂ ኣስናነይ ስለ ዘየጽረኹዎ'ዩ ከምኡ ኰይኑ፤ ስለዚ ቀጻሊ ከጽርዮ ኣለኒ" ክትብል ኣለካ፡" ኢሉ።
2. ብንቕሓት ብራሽ ምግባር
ዶክተር ሻርማ ስኒ ብግቡእ ክጸሪ ከም ዘለዎ የረድእ።
"ካልእ ነገራት እናገበርካ ኣስናንካ ከተጽርዮ ኣይትደልን፡" ይብል።
ብዝበለጸ ኣብ ቅድሚ መስትያት ደው ኢልና ግቡእ ትዅረት ብምሃብ ስኒ ክጸሪ ኣለዎ።
ብዙሓት የማናይ ኢድ ዝጥቀሙ ሰባት ብዘይፍላጥ ንጸጋማይ ጎኖም ንነዊሕ እዋን ክብርሽዎ ከለዉ፣ ጸጋማይ ኢዶም ዝቀጥሙ ድማ ንየማናይ ጎኒ ስኖም ንነዊሕ እዋን ይብርሽዎ።
እዚ ድማ ኣብቲ ውሑድ ኣቓልቦ ዝረክብ ጎድኒ ዝያዳ ነድሪ ከስዕብ ይኽእል።
ስለዚ፡ ኣየነይቲ ኢድና ከም እትጥቀም ብምስትብሃል፡ ብንቕሓት ንኽልቲኡ ሸነኽ ብማዕረን ብጥንቃቐን ከነጽርዮ ንፈትን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
3. ሜላ ኣጸራርያ ስኒ ብግቡእ ምምላኽ
ዶክተር ሻምራ መጀመርያ ኣብ መንጐ ስኒ ዘለዉ ከፋታት ከነጽርዮም ይምዕድ።
"ብመንጽር ጥዕና ግርጻን፡ ፈለማ ኣብ መንጐ ስኒ ዘለው ከባቢታት ዘጽሪ ብራሽ ክንጥቀም ይግባእ።"
ነዚኦም ኣጽሪና ምስ ወዳእና፡ እቲ መጽረዪ ስኒ ኣብ ውሽጢ ኣፍና ቀስ ኣቢልና ከነንቀሳቕሶ ኣለና።
ነፍሲ ወከፍ ስኒ ሰለስተ ጽፍሒ'ዩ ዘለዎ- ደጋዊ፡ መሕየኺን ውሽጣውን።
ኵሎም ክኣ ብጥንቃቐ ክጸርዩ ይግባእ። ስንና ብውሑድ ንክልተ ደቓይቕ ኢና ከነጽርዮ ዘለና።
መብዛሕትና፡ እቲ ስንና ንምጽራይ እንጥቀመሉ ብራሽ ብ90 ዲግሪ ኵርናዕ ብምትሓዝ፡ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ብምጽቃጥ ኢና ስንና እነጽሪ።
እዚ ግን ምዝላቕ ግርጻን ከስዕብ ይኽእል። ስለዚ፡ ነቲ ብራሽ ስኒ ብኣስታት 45 ዲግሪ ኵርናዕ ምስቲ ስኒ ብምሓዝ ቀስ ኣቢልና ኣስናንና ከነጽሪ ይምከር።
እዚ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ግርጻንና ክተርፉ ንዝኽእሉ ባክተሪያ ኣብ ምውጋድ ይሕግዘና።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
4. ኣብ ልክዕ ግዜ ብራሽ ምግባር
መብዛሕትና ድሕሪ ምግቢ ኣስናንና ምጽራይ ቅኑዕ እዩ ዝብል ተማሂርና ክንኸውን ንኽእል። ግን እዚ ደጊምካ ምሕሳብ ዘድልዮ ጕዳይ'ዩ።
"ብዝበለጸ ቅድሚ ቁርሲ ምብላዕና ክኸዉን ኣለዎ፡" ይብል ዶክተር ሻርማ።
ብተወሳኺ መግቢ ምስ በላዕና ኣፍና ክንጕጕጾ ምስ እንደሊ፡ ቅሩብ ግዜ ምሃብ የድሊ።
ከምኡ'ውን፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ንኽልተ ደቓይቕ ኣስናንካ ምብራሽ ዝክኣል'ኳ እንተዀነ፡ ገለ ሰባት ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ብግቡእ ምጽራይ እኹል ኰይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ።
ኣብ እዋን ድቃስ፡ ዋሕዚ ምራቕ ይንኪ፤ እዚ ድማ ባክተርያ ኣብ እዋን ለይቲ ኣብ ኣስናንካ ዝያዳ ጉድኣት ከብጽሑ የኽእሎም።
ስለዚ፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ስኒ ብግቡእ ዝጸሪ እንተዀይኑ፡ እቲ ዝበለጸ ግዜ ለይቲ እዩ።
5. ቅኑዕ ኣገባባት ምምራጽ
ማእከላይ ትርር ዝበለ ጸጉሪ ዘለዎ ብራሽ ስኒ ምጥቃም ይምከር። እቲ ንመጽረዪ ስኒ እንጥቀመሉ ፈሳሲ ድማ ግድን ክቡር ክኸውን የብሉን።
6. ከቢድ ሕማም ግርጻን ኣለሊ
ምጕዳል ግርጻን (ፐሪዮዶንቲተስ) እንተገዲዱ፡ ኣብ መንጐ ኣስናን ክፍተት ክፍጠር ነስተብህል፤ እቲ ነቶም ኣስናን ዝሕዝ ዓጽሚ እናተባሕጐገ ምስ ከደ ድማ እቶም ኣስናን ክልሕልሑ ይኽእሉ።
እዚ ኵነታት እዚ ብኣጋ እንተዘይተቘጻጺርናዮ፡ ምጕዳል ዓጽሚ ክሳብ ከቢድ ደረጃ ክበጽሕ ይኽእል እዩ።
ኣስናን ክንቀሉ ይኽእል'ዮም።
ቀጻሊ ሕማቕ ጨና እውን ከጋጥመካ ይኽእል። እዚ ምልክታት እዚ ኣብ ዘጋጥመሉ፡ ብቕልጡፍ ናብ ሓኪም ስኒ ምኻድ የድሊ።
ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ሃፋ ንምሕዳስ ዝሕግዙ ምኽርታት፤
- ኣፍና ምስ ደረቐ ባክተርያ ክዓብዩ ስለ ዝኽእሉ ብዙሕ ማይ ምስታይ።
- መልሓስ ምጽራይ፣ እዚ ድማ ንጥረ ነገራት መግቢ፡ ባክተርያን ምዉት ዋህዮታትን ናይ ምውጋድ ተኽእሎታት ኣለዎ።
- ካብ ኣፍኩም ዝወጽእ ትንፋስ ክሳብ ክንደይ ጽሩይ ምዃኑ ርግጸኛ እንተዘይኴንኩም፡ መሓዙትኩም ወይ ኣባል ስድራኹም ከረጋግጹልኩም ግበሩ። ንእትሓቱዎ ሰብ ግን ብጥንቃቐ ምረጹ!




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







