ስንኹም ብኸመይ ብግቡእ ክትሓጽቡዎ ከም ዘለኩም ትፈልጡዶ?

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ስንኹም ብግቡእ ኣገባብ ምስ እተጽርይዎ፡ ንሕዱር ሕማማት ትቃልዕሉ መጠን ኣዝዩ ክትሕት ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ጥዕና ኣስናንኩምን ግርጻንኩምን ሕሉው ይኸውን።
መብዛሕትና ግና ስንና እነጽርየሉ (እንብሩሸሉ) መንገዲ ብቕኑዕ ኣገባብ ኣይኰነን።
ኣብ ሽወደን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም 10 ሚእታዊት ጥራሕ እዮም ኣስናኖም ብግቡእ ሜላ ዝብሩሹ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ትካል መድሕን ጥዕና ቡፓ፡ 2,000 ሰባት ብምስታፍ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ዳርጋ ፍርቆም ኣስናኖም ከመይ ከም ዘጽርዩ ከም ዘይፈልጡ ኣረጋጊጹ።
ንስኹምኸ ኣስናንኹም ብግቡእ መንገዲ ከም እተጽርዩዎ ክንደየናይ ርግጸኛታት ኢኹም?
ስንኹም እተጽርይሉ ግቡእ ሜላ ኣየናይ እዩ?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ሓጋዚት ፕሮፌሰርን ስፔሻሊስት ጽገና (ምሕዋይ) ኣስናን ጆሴፊን ሄርሽፌልድ፡ ብዙሓት ተሓከምቲ ነቲ ኣብ ኣስናኖም ዝተቐርቀረ ተረፍ ምግቢ ምጽራይ ንዝብል ከም ዝግንዘቡ ትገልጽ።
"እዚ ፍርቂ ሓቂ እዩ፣ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግና ባክተርያ ካብ ስኒ ምእላይ'ዩ፡" ትብል።
እዞም ኣብ ኣፍ ሰብ ዝዓብዩ ባክተርያታትን ካልኦት ታህዋስያን (ማይክሮብስ)ን፡ ስኒ ብግቡእ መንገዲ እንተ ዘይጸርዩ፡ ብልምዲ ብዕካኸ ስኒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘጣብቕ ዓይነት እኩብ ባክተርያ (dental plaque ) ይፈጥር።
እዚ ብዕካኽ እኩብ ባክተርያ ኣስታት 700 ዓሌታት ባክተርያ ዝሓዘ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ መዓናጡ ደቂ-ሰብ ካብ ዝርከብ ብዝሒ ባክተርያ ቀጺሉ፡ እቲ ካልኣይ ዝዓበየ እኩብ ባክተርታት እዩ። እዚ ብዕካኽ ካብ ባክተርያታት ብተወሳኺ ዕሰ (ፋንጋይ)ን ቫይረሳትን'ውን ዝሓዘ እዩ።
ሄርሽፌልድ፡ "ኣብቲ ኣብ ኣስናንና ዝተሃነጸ ናይ ምጥባቕ ባህሪ ዘለዎ ብዕኻኽን ልስሉሳት ቲሹታትን እዮም ዝነብሩ። እቲ ዘጣብቕ ቀጸላ ታህዋስያን - ባክተርያ፡ ቫይረስን ዕሰን ብማይን ሳሙና-ስኒን ብቐሊሉ ተሓጺቡ ዝለቅቕ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ዝያዳ ናብ መንጎ ኣስናን ብዝኣቱ ብሩሽ (ብራሽ) ብኢድ ክጸርይ ኣለዎ፡" ትብል።
ኣብዚ ክተስተብህልሉ ዘለኩም፡ ነዚ ብዕካኽ ታህዋስያን ንስንኹም ብምቡራሽ ዘይኰነስ፡ መስመራት ግርጻንኩም ብምጽራይ ኢኹም ከተውጽኡዎ (ክተጽርዩዎ) ዘለኩም። እዚ ቦታ ታህዋስያን ዝራብሕሉ ጥጡሕ ዕርዲ እዩ፣ ሕብጠትን ነድርን ግርጻን ከምኡ'ውን ኣስናን ከስእን ዝኽእል ሕማም ከስዕብ ይኽእል።
ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ ስንኹም ምቡራሽ መስመራት ግርጻንኩም ክተጽርዩ፡" ከም ዘለኩም ክትሓስቡ ይግባእ። መስመራት ግርጻን ምስ ትቡርሹዎ፡ ስኒ ብግቡእ ይጸርይ ማለት'ዩ። ስለዚ፡ እቲ ግቡእ ሜላ ኣየናይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ሜላ 'ባስ'
እዚ ንቐጸላ ታህዋስያን ንምጽራይ ዝሕግዝ ሜላ፡ ካብቲ ልሙድ ኣጸራርያ ስኒ ዝተመሓየሸ እዩ። ናይ ስኒ ብሩሽኩም 45 ዲግሪ ናብ ታሕታዋይን ላዕለዋይን መስመር ግርጽንኩም ብምስያፍ ተጽርይሉ ሜላ እዩ።
ታሕተዋይ ግርጻን ስንኹም ከተጽርዩ ከለኹም፡ ኣንፈት እቲ ብሩሽ ንታሕቲ፡ ንላዕለዋይ ግርጻን እንከተጽርዩ ድማ ኣንፈት እቲ ብሩሽ ንላዕሊ ኣዚርኩም ትቡርሹ ከም ዘለኹም ርግጸኛታት ክትኰኑ ይግባእ። ኣብዚ ክተስተብህልሉ ዝግባእ ዒላማ እቲ ብሩሽ ኣብ መስመር ግርጻን እዩ።
ሜላ 'ስቲልማን'
እዚ ሜላ፡ መጽረዪ ስኒ እተቐምጥሉ መንገዲ ምስ ባስ ዝመሳሰል ኰይኑ፡ ካብ ባስ ዝፍለየሉ ግና ነቲ ቀጸላ ታህዋስያን ንምጽራይ፡ ብሩሽኩም ኣብ መስመር ግርጻን ጥራሕ እንከይተገደበ ክሳብ ጫፍ ስንኹም እውን ብምንቅስቓስ እትጥቀምዎ ስልቲ ብምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መስመር ግርጻንን ስኒን ዝርከብ ታህዋስያን ዒላማ ንምግባር ይጠቅም።
ብሩሽና ንምንቅስቓስ እንጥቀመሉ ጸቕጢ፡ ካብ 150 ክሳብ 400 ግራም ክዛይድ ከም ዘይብሉ ጆሴፊን ሂርሺፌልድ ትገልጽ። እንተዀነ፡ መጠን ክንጥቀሞ ዝግብአና ጸቕጢ፡ ሰብሞያ ኣብ ሓደ ስምምዕ ዘይበጽሕሉ ጉዳይ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ዝያዳ ጸቕጢ ምጥቃም ብፍላይ ረዚን ጭጋረት ብዘለዎ ብሩሽ፡ ቃንዛ ግርጻን፡ ምስንጣቕ ንኣሽቱ ቲሹታት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ንኣሽቱ ቲሹታት ምስ ዝስንጠቑ ድማ እቶም ባክተርያታት ናብ ደም ክኣትዉ ይድርኽ።
ልሙድ ብሩሽ ስኒ ዝጥቀሙ ሰባት ልዕሊ እቶም ናይ ኤለክትሪክ ብሩሽ ዝጥቀሙ ሰባት ልዑል ጸቕጢ ይጥቀሙ። ኤለክትሪክ ብሩሽ ልዑል ጸቕጢ ምስ ንጥቀም ዝቈጻጸር ሃዋሲ ስለ ዝለዎ ዝበለጸ እዩ።
ሜላ ፎንስ
ፎንስ ንብሩሽና 90 ዲግሪ ሒዝና ምሉእ ዙርያ ስንናን ግርጻንናን መንገዲ እነጽርየሉ ሜላ እዩ። እዚ ካብቶም ካልኦት ሜላታት'ውን ዝቐለለ እዩ። በዚ ሜላ ከተጽርዩ እንከለኹም፡ እቲ ብሩሽ ብሓደ ግዜ ንስንኹምን ንግርጻንኩምን (ሱር ስኒ ዝዓረፈሉ ክፋል) ከም ዝነኽአ ምስትውዓል የድልይ።
ንኽንደይ ግዜ ምቡራሽ የድልይ?
ስኒ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ንግሆን ምሸትን ከክልተ ደቒቕ ምቡራሽ ከም ዝግባእ፡ ማሕበር ሕክምና ስኒ ኣመርካ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ማሕበር ሕክምና ስኒ ህንዲ፡ ማሕበር ሕክምና ስኒ ኣውስትራልያን ካልኦት ሃገራዊ ትካላት ጥዕናን ይምዕዱ።
እቲ ዘጸግም ነገር ግና መብዛሕትና ስኒና ኣብ ንቡርሸሉ ክልተ ደቒቕ ክንደየናይ ምዃኑ ኣይንግምትን። 33፡ 45፡ 46፡ 97 ካልኢትታት ሰባት ስኖም ንምጽራይ ዝወስደሎም ግዜ እዩ። ልዕሊ እቲ ዝተጸርሐ ግዜ ወሲዶም ብትኽክለኛ ኣገባብ ስኖም ዘጽርዩ ሰባት 25 ሚእታዊት ጥራሕ ከም ዝዀኑ መጽናዕትታት የመልክቱ።
ስንኹም ንምቡራሽ ብዙሕ ግዜ ወሲድኩም ማለት፡ ብኡ ልክዕ ስንኹም ኣዝዩ ይጸርይ ማለት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ቅድሚ ምግቢዶ ድሕሪ ምግቢ ስንኻ ምጽራይ ይግባእ?
ካብ መፍረይቲ መሕጸቢ ናይ ኣፍ ሳሙናን ሆስፒታላት ስኒን ክሳብ ነጠፍቲ፡ ቅድሚ ቍርሲ ምቡራሽ ከም ዝግባእ እዮም ዝገልጹ። እንተዀነ፡ እዚ ኣካታዓይ እዩ።
ሄርሽፌልድ፡ "ዝተፈለየ ረዚን ማዕዳ የሎን። ብዙሓት ሓካይም ስኒ ግና ድሕሪ ቍርሲ ምቡራሽ እዮም ዝምዕዱ። እዚ ንቀጸላ ታህዋስያን ኣብ ርእሱ ምጽራይ፡ ኣብ እንቘርሰሉ እዋን ኣብ ስኒ ንዝተቐርቀረ ተረፍ ምግቢ'ውን ስለ ዘጽርዮ'ዩ፡" ትብል።
እንተዀነ፡ ድሕሪ ምግቢ ስኒ ንምቡራሽ፡ ምግቢ ኣብ ሞንጎ ትበልበዕሉን ስንኹም ትብሩሽሉን እኹል ናይ ግዜ ጋግ ክትገብሩ ይግባእ። ማሕበር ሕክምና ስኒ ኣመርካ ድሕሪ ምግቢ ምብላዕ ስንና ንምጽራይ ንሓደ ሰዓት ምጽናሕ ከም ዘድልይ ይገልጽ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ምግቢ ዝርከቡ ኣሲዳት ከምኡ'ውን ኣብ ኣፍና ዝርከቡ ባክተርያታት ካብቲ ንምገቦ ምግቢ ዝረኽቡዎ ካርቦሃይድሬት ማለት'ውን ሽኮርን ስታርች (ኣሚዶ)ን እንክበታትኑ ዝምንጭው ኣሲድ፡ ላዕለዋይ ሽፋን ስኒ (ኢናመል) ብግዝያውነት ንኽጕዳእ ስለ ዝገብሩ እዩ።
ዋና ኣካያዲት ስራሕ ፋውንደይሽን ጥዕና ኣፍ ዓባይ ብሪጣንያ ኒጄል ካርተር፡ ጥፍጣፍኩም ተፈጥርኣዊ ስልቲ ምክልኻል'ዩ... ዋሕዚ ጥፍጣፍ ኣብ ለይቲ ይንክይ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ኵሉ ቀጸላ ባክተርያ ቅድሚ ምድቃስኩም ምጽራይ ኣገዳሲ ዝኸውን፡" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ካርተር፡ ስኒ ምጽራይ ቅድሚ ቍርሲ ዶስ ወይ ድሕሪ ቍርሲ እዩ ክኸውን ዘለዎ ዝብል ንጹር መልሲ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ እቲ ምላሽ ኣብ ዝተመገብክሞ ዓይነት ምግቢ ከም ዝድረኽ ትሕብር።
ኣሲዳዊ ምግብን መስተን፡ ከም ለሚንን ኣራንሽን ዝኣመሰሉ ፍረምረን ጽማቝ ቡንን ትበልዑ ወይ ትሰትዩ እንተ ኴንኩም፡ ስንኹም ክትቡርሹ ዝግበኣኩም ቅድሚ ምግቢ እዩ።
እዞም ኣሲዳዊ ምግብታት ክትወስዱ እንከለኹም ኣብ ሽፋን ስንኹም ዘጋጥም ምጕዳል ወይ ምድኻም መዓድናት'ውን ከሻቕለኩም የብሉን። እቲ ምንታይሲ እቶም ዝጐደሉ ወይ ዝደኸሙ መዓድናት ስለ ዝትክኡ። እዚ ናይ ምትካእ ከይዲ ንኸይቋረጽ ግና፡ ኣሲዳዊ ምግቢ ወይ መስተ ድሕሪ ምውሳድኩም ቀልጢፍኩም ስንኹም ከተጽርዩ ኣይግባእን።
ልዕሊ ናይ ቍርሲ ሕቶ፡ እቲ ኣገዳሲ ምሸት ቅድሚ ምድቃስና ንገብሮ ምጽራይ ስኒ እዩ። ኵሉ ግዜ ቅድሚ ንድቃስ ናብ ዓራት ምድያብና፡ እቲ ናይ መወዳእታ ክንገብሮ ዝግበኣና ነገር ስኒና ምጽራይ እዩ።
ካርተር፡ ንዕብየት ባክተርያታትን ምምሽማሽ (ምብልሻው) ስኒን ዝከላኸል፡ "ጥፍጣፍኩም ተፈጥርኣዊ ምክልኻል ትገብርሉ ኣገባብ፡" ከም ዝዀነ ትሕብር።
ንሳ፡ "ዋሕዚ ጥፍጣፍ ኣብ ምሸት ይንክይ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ቅድሚ ምድቃስኩም ነቲ ኣብ ስንኹም ዝርከብ ቀጸላ ታህዋስያን ከተጽርይዎ ግድን ዝኸውን፡" ብምባል ትምዕድ።
እንታይ ዓይነት ብሩሽ ወይ ብራሽ ስኒ ክንጥቀም ይግባእ?
ገለ ኣብ ዕዳጋታት ዝርከቡ ብሩሻትን ናይ ኣፍ መሕጸቢ ሳሙናን፡ "ንሽፋን ስኒ (ኢናመል) ኣዝዮም ዝጐድኡ" ምዃኖም ሄርሽፌልድ ትገልጽ።
መጻዕደዊ ስኒ ተባሂሎም ኣብ ዕዳጋታት ዝውዕሉ ሓርፋፍ ንጥረነገር ዝሓዙ ናይ ስኒ ሳሙናታትን ዓጺቕ (ረዚን) ጭጋረት ዘለዎ ብሩሽን ብፍላይ ከኣ ብሓደ ምጥቃም ንስኒ ብሕሱም እዮም ዝጐድኡዎ።
ስለዝዀነ፡ ማእከላይ ማለት እውን ኣዝዩ ዓጺቕ ዘይኰነ ጭጋረት ዘለዎን ርእሲ እቲ ጭጋረት እውን ንእሽቶ ዝዀነን ብሩሽ ምጥቃም ከም ዝግባእ ትምዕድ። እቲ ብሩሽ ካብቲ መጀመርታ ዝነበሮ ቅርጺ ክሳብ ዝወጽእ ምጥቃም ከም ዘየድልን በብእዋኑ ምትካእ ከም ዝግባእን እውን ትሕብር።
ብኤለክትሪክ ዝሰርሕ ብሩሽ ስኒ ብዋጋ ክቡር እኳ እንተዀነ፡ ዘይከምቲ ልሙድ ብሩሽ ግና ንቐጸላ ታህዋስያን ኣብ ምጽራይ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ። ተጠቃሚ ስኑ ኣብ ዘጽርየሉ ልዑል ጽቕጢ ክጥቀም ከሎ መብራህቲ የርእይ። እዚ ድማ ኣብ ሽፋን ስኒ ጕድኣት ከይበጽሕ የኽእል።
ነዚ ብኤለክትሪክ ዝሰርሕ ብሩሽ ንምዕዳግ ዓቕሚ እንተ ዘይብልኩም ግና፡ ምሽቓል ኣየድልን።
ሄርሺፌልድ፡ "እቲ ትጥቀምሉ ዝተለመደ ብሩሽ ስኒ ብግቡእ ሜላን ልዑል ጸቕጢ ከይገበርኩምን እንተ ተጠቒምኩምሉ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ክትረኽብሉ ኢኹም፡" ትብል።
ኣብ ከክንደይ ግዜ ክሪ ክንጥቀም ኣለና?
ስኒ ብኽሪ ምጽራይ ክንደየናይ ውጽኢታዊ'ዩ ዝብል ብዙሕ ዘካትዕ እኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ትካላት ሕክምና ስኒ ግና ደገፍቲ ናይዚ ሜላ ኰይነን ቀጺለን ኣለዋ።
ክሪ ኣብ መንጎ ኣስናንና ንዝርከብ ጽላት ታህዋስያን ንምጽራይ እንኮ ሜላ ኣይኰነን። እዚ ብቅርጽን ኵነታትን ስንኹም እዩ ዝውሰን። ንኣብነት፡ ጽዑቕ ወይ ዝተበታተነ ስኒ ምህላው፡ ንእሽቶ ብሩሽ ስኒዶ ቀጢን ክሪ ክንጥቀም ኣለና ዝብል ንምውሳን ይሕግዘና።
ሄርሺፌልድ፡ ክሪ ምጥቃም ኣካል እቲ ንኽልተ ደቓይቕ ዝግበር ምጽራይ ስኒ ክኸውን ከም ዘለዎን ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ሓደ ግዜ ክሪ ክንጥቀም ከም ዘይግባእን ትምዕድ።
እቲ ዝበለጸ ዓይነት ናይ ኣፍ ሳሙና ኣየናይ እዩ?
ካብ መጻዕደዊ ክሳብ ነድሪ ዝቕንሱ፡ ከምኡ'ውን ኣዝዩ ክቡር ሕላገት ዘለዎም ዓይነታት ናይ ኣፍ ሳሙና ኣብ ዕዳጋ ይርከቡ።
ናይ ኣፍ ሳሙና ክንዕድግ እንከለና፡ ኣብቲ ሳሙና ዝርከብ ንጓንጓን ምምሽማሽን ዝከላኸል መጠን ፍሎራይድ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ናይ ኣፍ ሳሙና ንኣባጽሕ እንተዀይኑ መጠን እቲ ፍሎራይድ እንተ ወሓደ 1,350 ፒፒኤም ንህጻናትን ቈልዑን ድማ 1,000 ፒፒኤም ከም ዝዀነ ምስትብሃል የድልይ ትብል ሄርሺፌልድ።
መሕጽቢ ኣፍከ ክንጥቀምዶ ይግባእ?

ምንጪ ስእሊ, Alamy
መሕጽቢ ኣፍ፡ ቀጸላ ታህዋስያን ኣብ ምጽራይ ክንዲ ብሩሽ ስኒ ክኸውን ኣይኽእልን። ካርተር፡ ስሩዕ ምቡራሽ ስኒን መሕጸቢ ኣፍን ብሓባር ምስ ንጥቀም ግና ቀጸላ ታህዋስያን ንምጽራይ ዝያዳ ውጽኢታዊ ክኸውን ይኽእል ትብል።
ርክብ ጽሬት ኣፍን ሓፈሻዊ ጥዕናናን?
ጽሬት ኣፍ ምስ ሓፈሻዊ ጥዕናና ዝተኣሳሰር እዩ። ኣስናንና ብግቡእ ምስ ነጽርዮ፡ ሕማቕ ጨና ኣፍ ወይ ትንፋስ፡ ብጫ ስኒን ምምሽማሽ ስኒን ንኸየጋጥመና ኣብ ርእሲ ምክልኻል፡ ከም ሕማም ሽኮር 2፡ ሕማማት ልቢን ሰራውር ደምን ከምኡ'ውን ልምሰት ኣእምሮን ከየጋጥሙና ዕዙዝ ግደ ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







