ብዙሓት እነዘውትሮ ቀለም ጸጕሪ ርእሲ ጐድናዊ ሳዕቤናት ኣለዎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝበዝሕ ሕብረተሰባት፡ ጸጕሪ ርእሲ ብፍላይ ንጓለንስተይቲ መለክዒ ጽባቐ እዩ።
ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ነዚ ጽባቐ ዝንእዱሉ ነናይ ገዛእ ርእሶም ኣገባብ'ኳ እንተሎ፡ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ነዚ ትዕድልቲ ዝንእድ ያታዊ ስነ-ቃል ኣሎ፤
"ውባ ውባ ጓል ኣቦይ ፈረደ
ጸጉሪ ርእሳ ፈረስ ምቀየደ
ዝተረፈ መጠምጠም ጉራደ
ኣቦይዝጊ ክሪኣ ወረደ . . . እናበለ ይቕጽል።
ግዜ እናተቐየረን እናማዕበለን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ድማ፡ ዘመናዊ ኢንዳስትሪ ጽባቐ፡ ወዝን መንውሕን ጸጕሪ ዘላሊ መወዓውዒታት ኣብ ዕድጋ ዓብሊሉ ንረኽቦ።
ሕብሪ ጸጕሪ ዘድምቕ (Hair dye) ከኣ፡ ካብቶም ብፍላይ ነተን ልምሉም መልክዕ ንእስነት ዓቂበን ክቕጽላ ዝደልያ ደቀንስትዮ ዒላማ ገይሩ ዝሽየጥ ምህርቲ ብቐዳምነት ይስራዕ።
ቀለም ጸጕሪ ምልካይ ብጥንታውያን ግብጻውያንን ሮማውያንን ከም ዝተጀመረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።
ብኣብዝሓ ደቀንስትዮን ገለ ደቂ ተባዕትዮን ኣብዚ እዋን ቀለም ዝቕብኡ፡ ባህሪያዊ ወዝ ንምዕቃብ ወይ ስይበት ንምሽፋን ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ምልክት ፋሽን'ውን ከዘውትርዎ ይርአ እዩ።
'ሃይላይት፡ ክሬዚ፡ ብሎንድን' ተሓዋዊሶም ዝፍጠሩ ሕብርታትን ኣብዚ ዘመን ሕርያ ብዙሓት ደቀንስትዮን ፋሽን ቀለም ዝኽተሉ ደቂ ተባዕትዮን'ዮም።
እዞም ቀለማት ኣብ ጸጕርና ግዝያዊ፡ ፍርቂ ቀዋሚን ቀዋሚን ሕብርታት ይፈጥሩ።
ግዝያዊ ቀለም ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ኣብ እንሕጸበሉ ዝለቅቕ፣ ፍርቂ ቀዋሚ (Semi-permanent) ድማ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 10 ግዜ ድሕሪ ምሕጻብ ዝለቅቕ ኰይኑ፡ ቀዋሚ ቀለም (oxidative) እቲ ቀለም ዝተለኸየ ጸጕሪ ክሳብ ብሓድሽ ዝነውሐ ጸጕሪ ዝትካእ ክጸንሕ ይኽእል።
ዋጋ ንሓደ እዋን ዝልከ ቀለም ብዓይነትን ከባቢን ዝፈላለ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ዝተሓተ ኣርባዕተ ሽሕ ብር ክሳብ ልዕሊ 15 ሽሕ ብር ይግመት።
በዓልሞያ ጽባቐ ያሬድ ዋለ (ያያ)፡ ሰባት ከከም ሕርያኦም ዝጥቀምሎም ቀለማት ጸጕሪ ወቕቲ ከም ዝመርጹ የረድእ።
ገለ ሰባት ክሳብ ሽድሽተ ወርሒ ገለ ድማ በብ ሰለስተ ወርሒ ቀለም ክቕይሩ ከም ዝኽእሉን፡ ኣብዚ እዋን ሕብሪታት 'ሃይላይት'ን 'ግረይ'ን (ስይበት ዝመስል ሕብሪ) ሕርያ ብዙሓት ከም ዝዀኑን ይሕብር።
"ሕብሪ 'ሃይላይት ብብሎንድ፡ ጎልደን ብሎንድን ኣሽ ብሎንድን' ካልኦት ሕብሪታትን ይቐርብ።
ኣሽ ብሎንድ (ስይበት ዝመስል) ቀለም ካብ መንእሰያት ክሳብ ዓበይቲ ይልከይዎ፡" ይብል።
ደቂኣንስትዮ ዝልከይኦ ቀለማት ዝጸንሓሉ ግዜ፡ ከከም ዓይነት ጸጕሪ ዝፈላለይ'ኳ እንንተዀነ፡ ካብ ሸሞንተ ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመትን ልዕሊኡን ክጸንሕ ይኽእል።
ብመሰረት እቲ በዓልሞያ፡ እቲ ቀለም ኣብ ጸጕሪ ዝጸንሓሉ ግዜ፡ ብንውሓት እቲ ጸጕሪ'ዩ ዝውሰን።
"እቲ ጸጕሪ ቀለም ክቕባእ እንከሎ ክንደየናይ ንውሓት ነይርዎ ዝብል ወሳኒ'ዩ። ንኣብነት፡ ቀለም ክቕባእ እንከሎ ኣብ ማእገር ዝበጽሕ ጸጕሪ፡ ክሳብ ሓደ ዓመት ክጸንሕ ይኽእል። እቲ ጸጕሪ ሓጺር እንተነይሩ ድማ፡ ዝጸንሓሉ ግዜ'ውን እናሓጸረ ይኸይድ። እቲ ጸጕሪ ኣዝዩ ነዊሕ እንተዀይኑ'ውን ክሳብ ክልተ-ሰለስተ ዓመት ክጸንሕ ይኽእል'ዩ፡" ይብል።
ዋላ እቲ ቀለም ኣብ ዘይለቐቐሉ እዋን ሰባት ሕብሪ ቀለም ክቕይሩ ኣብ ዝደልይሉ ግዜ፡ ኵነታት እቲ ጸጕሪ ምርኣይ ከም ዘድሊ እቲ ክኢላ ጽባቐ የረድእ።
እቲ ጸጕሪ ዘለዎ ኵነታትን ዓቕምን ተራእዩ፡ ዓይነት ሕብሪ ምቕያር ከም ዝከኣል ድማ ይሕብር።
እቲ ቀለም ንነዊሕ እዋን ንክጸንሕ ኣብቲ ቀለም ዘሎ ከሚካል ወሳኒ እዩ። ገሊኡ ቀለም ጸጕሪ፡ ክሕጸብ እንከሎ ቀልጢፉ ይለቅቕ እሞ ጸጕሪ ዘይስሕብ ሕብሪ ይህልዎ።
በዚ ድማ ሰባት ነዚ ዓይነት ቀለም ኣይመርጽዎን። ኣብ ክንድኡ ብዙሕ ገንዘብ ከፊሎም ነቲ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእል ቀለም ይመርጹ።
እዚ ማለት ትሕዝቶ ኣብቲ ቀለም ዘሎ ከሚካል ልዑል እዩ።
ያሬድ፡ "እዚኦም ዓይነት ቀለማት ምስቲ ብታሕቲ ዝዓቢ ጸሊም ጸጕሪ ናይ ባዕሎም ጽባቐ ስለ ዝፈጥሩ፡ ቀለማት 'ብሎንድ' ዝጥቀሙ ሰባት ንነዊሕ እዋን የጽንሕዎም። 'ጂንጀርን ደም በጊዕን' ቀለማት ግን ነዊሕ ኣየጽንሕዎምን፡" ይብል።
"ነዊሕ ጸጕረይ ናብ ኣፍሮ ተቐይሩ"
ሜላት*፡ ቀለም ቅድሚ ምቕባኣ ነዊሕን ሰሓብን ጸጕሪ'ዩ ነይርዋ። ኣብ ልዕሊ ጽባቐ፡ ጽባቐ ክትውስኽ ንጸሊም ጸጕራ፡ ቡኒ ቀለም ክትለኽዮ ኣንቂዳ።
"ካልኦት ኣዋልድ ተቐቢአንኦ ኣብ ስእሊ ርእየ፡ ብጣዕሚ ፈትየዮ። ንመሓዙተይ እቲ ቀለም ዘርኢ ፎቶታት ኣርኤየን፤ ንሳተን'ውን ፈትየንኦ። ጸጕረይ ካብቲ ዝነበሮ ፍልይ ክብለለይ ስለ ዝደለኹ ደስ ኢሉኒ እቲ ቀለም ክቕባእ ወሲነ፡" ትብል።
እቲ ዝመረጸቶ ቀለም ገዚኣ፡ እንዳ መሻጢት ሒዛቶ ከይዳ።
እቲ በዓል ሞያ ስነ-ጽባቐ፡ " 'እዚ ቀለም ጥራሕ ነቲ መሪጽክዮ ዘለኺ ሕብሪ ኣይዀነልክን፡ ካልእ ሕብሪ'ውን ኣሎ ወሲኽኪ ሒዝኪ ምጽኢ እሞ፡ ክልቲኡ ቀለም ሓዋዊሰ እቲ ዝመረጽክዮ ቡኒ ሕብሪ ክዀነልኪ'ዩ' ኢሉኒ፡" ብምባል እቲ ዝተብሃለቶ ተወሳኺ ቀለም ዓዲጋ ተመሊሳ።
እንተዀነ ኣይከም ዝተጸበየቶን፤ ጽባቐኣ ዝዀነ ነዊሕ ጸጕራ፡ ንእለቱ ተቘሪጹ ረገፈ።
"ገና ኣብ ቀዳማይ ዙር ቀለም ቀቢኦም ካብ መንቀጺ - ካስክ - ምስ ኣውጽኡኒ፡ ጸጉረይ ብሓደ ጐኑ ተቘራሪጹ….. እዚ ጥራሕ ዘይኰነ ሓደ ጐነይ ኣፍሮ ኰይኑ…ብጣዕሚ ደንጊጸ። ጸጕረይ ሓጺቦምኒ….. ወጺአ ከይደ። ነተን ዘማኸራኒ መሓዙተይ'ውን ኣርኤየን፤ ደንጊጸን። 'ንምንታይ ከምዚ ኰይኑ?' ኢለናኒ፡" ትብል ነቲ ዘሰምብድ ህሞት እንክትገልጽ።
ድሕሪ እዚ እቲ ነዊሕ ጸጕራ ናብ ኣፍሮ ተቐይሩ።
"ኣይተሓጐስኹይ። መጀመርታ እቲ ሕብሪ ደስ ኢሉኒ'የ መሪጸዮ ነይረ። ኣብ መወዳእታ ግና ብጣዕሚ ተጣዒሰ። እተን ዝተረፋ ጸጕረይ'ውን ክስንትረን ከለኹ፡ ብጣዕሚ እናተገፈፈ ኣጸጊሙኒ። ካብኡ ድማ፡ ሓደ ጐኑ ሓጺር፡ ሓደ ጐኑ ነዊሕ ኰይኑ ኣጐላጉል ምስ ኰነ፡ እንከይፈተኹ ክቘርጾ ተገዲደ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በዓልሞያ ጽባቐ ያሬድ፡ ሰባት፡ ዓቕሚ ጸጕሮምን ዝርከበሉ ኵነታትን እንከይፈለጡ ቀለም ምስ ዝቕብእዎ፡ ገሊኡ ቀለም ኣዝዩ ክጐድእ ከም ዝኽእል የብርህ።
"እምብዛ 'ፕሮሰስ' ዝግበሩ ቀለማት ኣለዉ፤ እዞም ቀለማት ዝደልይዎ ዓይነት ጸጕሪ ድማ ኣሎ፤ ንኣብነት፡ ናይ ጸዓዱ ጸጕሪ፡ ረጕድን ቅብኣት ዘለዎን'ዩ። ስለዚ ጸጕረን 'ብሊች' ክገብራ እንከለዋ ንተፈጥሮኣዊ ቅብኣት (ወዝ) እቲ ጸጕሪ ዝመጥጥ ስለ ዝዀነ፡ ልዑል ቅብኣት ዘለዎ ዓይነት ጸጕሪ እንተዝኸውን'ዩ ዝመዓድ፡" ይብል ኵሉ ሰብ እቲ ሕብሪ ቀለም ስለ ዝደለዮ ጥራሕ ክቕባእ ከም ዘይኽእል ብምንጻር።
"ስለዚ፡ መጠን ቅብኣት ጸጕሪ ዓሚል ብምርኣይ፡ ካብዚ መጠን ቅብኣት ክንደየናይ ኢና ክንጥቀም ዘለና ዝብል ርኢና ኢና ናብ 'ፕሮሰስ' ንኣቱ። እዚ ከይገበርና ናብ ምቕባእ እንተኣቲና ግን፡ እቲ ቀለም ንቅብኣት እቲ ጸጕሪ ይበልዖ፡" ይብል።
ሜላት ብጸጕራ ወትሩ እያ ትጕሂ፤ ብሰንኪ ቀለም ዝተቘርጸ ጸጕራ ክተንውሕ ትጽዕር ኣላ።
"ጸጕረይ ብጣዕሚ'የ ዝፈትዎ ነይረ። ንውሓቱ፡ ሕብሩ ደስ'ዩ ዝብለኒ ነይሩ። ሓድሽ ስታይል ስለ ዝደለኹ'የ እቲ ቀለም ክቕባእ ወሲነ ነይረ። ብሰንኪ እቲ ቀለም ጸጕረይ ምስ ተቘረጸ ግን፡ ክሳብ ዝነውሓለይ ጸሊአዮ ነይረ። እቲ ዝተለኸኽዎ ቀለም ቀልጢፉ ንክኸደለይ፡ ብዙሕ ነገር ይገብር ነይረ። ብድሕሪኡ ቀለም ንከይቕባእ ወሲነ። ናብቶም ዝቐብኡኒ እንዳ ጸጕሪ'ውን ከይደዮም ኣይፈልጥን፤ ስለዚ ጉድኣት ቀለም ከቢድ እዩ፡" ትብል።
ሰብ ሞያ ጥዕና እንታይ ይብሉ?
ሰብሞያ ጥዕና ነዞም ብዝተፈላለየ ከሚካላት ዝስርሑ ቀለማት ጸጕሪ ኣይድግፍዎምን።
እዞም ቀለማት፡ ካብ ነድሪ ሰብነት ክሳብ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገማትን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሳዕቤናትን ከም ዘለዎም ድማ የጠንቅቝ።
ስፔሻሊስት ሓኪም ሕማማት ቆርበትን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ዶክተር ምላሹ ወልደገብርኤል፡ ጸጕርና ጥዑይ ንክኸውን ከም ኬራቲንን ካልኦት ንጥረ ነገራትን ናይ ባዕሉ ወሳኒ ቅመማት ዝሓዘ ከም ዝዀነ ይገልጽ።
እቶም ሕብሪ ጸጕርና ንምልዋጥ እንጥቀመሎም ቀለማት፡ ሓጺር ይዅን ነባሪ ጸገማት ጥዕና ከም ዘስዕቡ የረድእ።
ነድሪ ሰብነት፡ ሕበጥ፡ ምቅጻልን ምቍርራጽን ጸጕሪ፡ ምኽርዳድ፡ ምሕባጥ ዓይኒን ከንፈርን፡ ኣብ ኢድን እግርን ቀጭ ቀጭ ዝብል ስምዒት ወይ ምሕኻኽ፡ ምቕያሕ ቆርበት ወይ ዕንፍሩር፡ ምስንጣቕ ቆርበት፡ ተምላስ፡ ዕግርግር ምባል፡ ዕውለትን ቀዳማይ ደረጃ ሳዕቤናት ቀለም ጸጕሪ እዮም።
እዞም ቀለማት ዝተለኸዩ ሰባት፡ ካብዞም ምልክታት ምስ ዝርእዩ ወይ ሰብነቶም ቅልጡፍ ምላሽ ምስ ዝህብ ብቕልጡፍ ናብ ስፔሻሊስት ሕማማት ቆርበት፡ እንተዘይረኺቦም ድማ ናብ ካልእ በዓልሞያ ሕክምና ክኸዱ ዶክተር ምላሹ ይመክር።
እቲ ስፔሻሊስት፡ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ዝጥቀምኦ ቀለም ብኣፍልጦ ዘይኰነስ ሰብ ተጠቒምዎ ብዝብል ልምዲ ስለ ዝዀነ፡ "ንጥዕናን ንውሓትን ጸጕሪ" ከም ዝሃስዮ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, DOCTOR MILASHU
ዶክተር ምላሹ፡ "እዚ ትጥቀመሉ ከሚካል ሓደ ጥራሕ ኣይኰነን፤ ብዙሓት ዓይነት ልኻያት'ዮም ንሕብሪ መቐየሪ ተባሂሎም ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕሉ። ገሊኦም ስይበት ንምሽፋን፡ ገሊኦም ከኣ ጸሊም ዝነበረ ጸጕሪ ካልእ ሕብሪ ንኽህልዎ ንምግባር፡" ብምባል፡ ኣብቲ ቀለም ዘሎ ትሕዝቶ ከሚካል ንዝወርድ ዓይነት ሳዕቤን ወሳኒ ከም ዝዀነ ይሕብር።
ያሬድ ብወገኑ፡ ዝዀነ ዓይነት ቀለም ጸጕሪ ካብ ሓደ ክሳብ 30 ሚእታዊት ንቅብኣት ጸጕሪና ከም ዝንክዮ ይገልጽ።
ብመሰረት እቲ በዓል ሞያ፡ ቡኒ ዝሕብሮም ቀለማት፡ ካብ ጸጉርና ሓደ ሚእታዊት ቀለም ዝወስዱ ኰይኖም፡ ከም ጻዕዳ ዝኣመሰሉ ሕብርታት ቀለም ድማ፡ 30 ሚእታዊት መጠን ቅብኣት ጸጕርና ብምውሳድ'ዮም 'ፕሮሰስ' ዝዀኑ ወይ ድማ ቀለምነቶም ዘርእዩ።
"ናይ ሰለስተ ሰባት ጸጕሪ ከም ኣብነት እንተድኣ ርኢና ናይ ሰለስቲአን ጸጕሪ ዝተፈላለየ መጠን ቅብኣት እዩ ዘለዎ፤ ትሑት ወይ ድማ ዜሮ መጠን ቅብኣት ጸጕሪ ዘለዎ ሰብ፡ ደሚቕ ሕብሪ ቀለም ክቕባእ ኣይኽእልን፡" ይብል።
ሰባት ነዚ ከይገበሩ ምስ ዝቕብኡ ግን፡ እቲ ቀለም ንወዝ ጸጕሪ ካብ ምብላዕ ሓሊፉ ነቲ ጸጕሪ ምሉእ ከም ዝጐድኦ፡ ቆርበት ከም ዘቝስልን ድርቀት ከም ዘስዕብን ይገልጽ። ሰባት ንኵነታትን ዓቕምን ጸጕሮም ብምምርማር፡ ብበዓል ሞያ ጥራሕ ቀለም ክቕብኡ ከም ዘለዎም ከኣ ይምዕድ።
ቀለም ጸጕርን መንሽሮን
እዞም ቀለማት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ካብ ዝስርዑ ጸገማት ጥዕና ሓሊፎም ንሕማም መንሽሮ ከም ዘቃልዑ ከካትዕ ጸኒሑ እዩ።
ነዚ መሰረት ዝገበሩ መጽናዕቲታት፡ ኣብዞም ቀለማት ዝርከቡ ከሚካላት መንሽሮ ደም (ሉኪሚያን ሊምፎማስን)፡ መንሽሮ ፍሕኛ፡ መንሽሮ ጡብን ካልኦት ዓይነታት መንሽሮን ናይ ምስዓብ ተኽእሎ ከም ዘለዎም ብዕምቆት ርእዮም።
እዞም ንመንሽሮ ዘቃልዑ ባእታታት፡ ኣብ ኣርባዕተ ወይ ሽድሽተ ወርሒ ፍልልይ ኣብ ዝቕብኡን ቀወምትን ሕብራዊ ቀለማት ክህልዉ ይኽእሉ።
ሓበሬታ ማሕበር መንሽሮ ኣመሪካ፡ ዝበዝሑ መንሽሮ ዘስዕቡ ከሚካላት ኣብ ፍርቂ ቀዋምን ቀዋምን ዝዓይነቶም ቀለማት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ይብል።
ተመራመርቲ እዚ ዓውዲ ብፍላይ ኣብ ቀለማት ጸጕሪ ዝርከቡ ክልተ ፓፓራ-ፊኒሊንዲያሚንን ቴትራሃይድሮ-6-ናይትሮኲኖክሳሊንን ዝበሃሉ ከሚካላዊ ቅመማት ንመንሽሮ ከቃልዑ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ሻቕሎት ኣለዎም።
እዞም ከሚካላት ንጀነቲክ ሰብነት ከም ዝጐድኡ ኣብ እንስሳታት ዝተገበረ ምርምር የረጋግጽ።
ስፔሻሊስት ሓኪም ሕማማት ቆርበት ዶክተር ምላሹ ወልደገብርኤል፡ "ከም በዓል ሜርኩሪ፡ ሲያናይድ፡ ሊድ ዝኣመሰሉ ባእታታት ኣብቲ ቀለም ክህልዉ ይኽእሉ። እዚኦም ኣብቲ ቀለም እንተሃልዮም ካንሰር ከስዕቡ ይኽእሉ'ዮም። ኵሎም ቀለማት ጸጕሪ ካንሰር የስዕቡ'ዶ? ዝብል ግን ተወሳኺ መጽናዕቲ ከድልዮ'ዩ፡" ብምባል ሰባት ንዝጥቀምሉ ቀለም ትሕዝቶኡ ከረጋግጹ ይመክር።
ዶክተር ምላሹ፡ እዞም ኬሚካላት ዝሓዙ ቀለማት ዝትንክፍዎ ቆርበትን ዓቕሚ ምክልኻሉን'ውን ወሳኒ ምዃኑ የዘኻኽር።
" 'ቶፒካል' እንተዀይኖም ወይ ኣብ ዘይተበስዐ ቆርበትና እንተተቐቢኦም፡ ምስቶም ብቐጥታ ናብ ሰብነትና ዝኣትዉ ነገራት ምስ ነነጻጽሮ፡ እቲ ከሚካል ኣብ ላዕለዋይ ቆርበት ስለ ዝተርፍ ዝተሓተ ኰይኑ ኢና ንረኽቦ። ይዅን'ምበር ኵሎም ዝተቐባእናዮም ነገራት ቆርበትና ሓሊፎም ናብ ውሽጢ ሰብነትና ኣይኣትዉን ማለት ኣይኰነን። ስለዚ ከም ሜርኩሪ፡ ሲያናይድ፡ ሊድ ዝኣመሰሉ ዝሓዙ ቀለማት ካንሰር ከምጽኡ ይኽእሉ እዮም፡" ይብል።
እቶም ካልኦት ሓደገኛ ከሚካላት ከ ኣየኖት'ዮም?
እዞም ዝስዕቡ ኣብ ቀለማት ጸጕሪ ዝርከቡ ከሚካላት ንመንሽሮን ካልኦት ጸገማት ጥዕናን ዘቃልዑ፡ ብኤጀንሲ ምርምር ካንሰር ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ካንሰር ሶሳይቲን ዝተረጋገጹ'ዮም።
- ፒ-ፌኒሊንዲያሚን- ካንሰር ከምጽእ ተኽእሎ ኣለዎ።
- ፎርማልደሃይድ- መንሽሮ (ካንሰር) የምጽእ።
- ኣሞኒያ- ቍጥዐ (ነድሪ) ሰብነትን ናይ ነዊሕ እዋን ጸገማት ጥዕናን የስዕብ።
- ሪሶርሲኖል- ንጥፈታት ሆርሞናት ይዘርግ፤ ኣብ እንስሳት መንሽሮ ከስዕብ ይኽእል።
- ሊድ ኣሲቴት- መንሽሮ ከስዕብ ይኽእል።
- ሃይድሮጅን ፐርኦክሳይድ- ቆርበትን ቲሹታትን ይጐድእ፤ ቍጥዐ ቆርበት ይፈጥር። ምስ እንዘውትሮ ድማ መንሽሮ ቆርበት ከስዕብ ተኽእሎ ኣለዎ።
- ቶሉይን - ምስ ዝዝውተር ንመንሽሮ ከቃልዕ ይኽእል፤ ስርዓተ መትኒ'ውን ክጐድእ ይኽእል።
ቀለማት ጸጕሪ እንጥቀመሉ መቓን ግዜ'ውን፡ ኣብ ጥዕና ጽልዋ ኣለዎ። ሓደ ቀለም ምዝውታርን ሓሓሊፍካ ምጥቃምን፡ ከምኡ'ውን ግዝያዊን ቀዋምን ቀለም ምጥቃም ጽልዋኡ ይፈላለ እዩ።
ዶክተር ምላሹ፡ ካብቲ ቀለም ናብ ውሽጢ ሰብነትና ዝኣተወ መጠን ከሚካል ክንደየናይ'ዩ? ጽዕንትኡ ኸ ክንደየናይ'ዩ? ንኽንደይ ግዜ'ዩ ኣብ ሰብነትና ጸኒሑ? ነየናይ ዓይነት ዋህዮ ሰብነትና'ዩ ጸልዩ? ዝብሉ ወሰንቲ'ዮም ይብል።
ንነዊሕ ዓመት ቀለማት ዝተጠቐሙ ሰባትን ሓደ ግዜ ዝተጠቐመ ሰብን ማዕረ ተቓላዕነት ከም ዘይብሎም ድማ የረድእ።
"እቲ ከሚካል ብቕልጡፍ ናብ ዝራብሑ ዋህዮታት እንተ ኣትዩ፡ ዋህዮታት ክበዝሑ እንከለዉ ኣብ ከይዲ ክቕየሩ ዝግባኦም ዝነበረ እንከይተቐየሩ ምስ ዝተርፉ (ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኣብ ዝዀነሉ'ዩ ካንሰር ዝበሃል)። ስለዚ ንዝጥቅዑ ዋህዮታት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል፡" ይብል።
ዶክተር ምላሹ፡ ቀለማት ጸጕሪ ሕማማት ንከስዕቡ ወይ ንከየስዕቡ ወሳኒ ዝበሎ ካልእ ነጥቢ፡ ዓቕሚ ምክልኻል ቆርበትና እዩ።
"ቆርበትና እዞም ጸገም ጥዕና ዘምጽኡ ባእታታት ናብ ውሽጢ ሰብነትና ክኣትዉ ፈቒዶም ዶ ኣይፈቐዱን? ቆርበትና ጥዑይ ድዩ? ናይ ኵሉ ሰብ ቆርበት ጥዑይ'ዩ ወይ ድማ ንዝመጽኡ ደጋዊ ነገራት ይከላኸል'ዩ ማለት ኣይኰነን። ናይ ገለ ሰባት ቆርበት ደረቕ ነቓዕ ወይ ዝተሰንጠቐ እንተዀይኑ፡ ብቐሊሉ ክኣትዉ ይኽእሉ፤ ወዛምን ልስሉስን ጥዑይ ቆርበት እንተዀይኑ ድማ ብዙሕ ከይኣትዎ ይኽእል እዩ፤ ናይቲ ከሚካል ናይ ምዝላቕ ተኽእልኡ'ውን ከከም ዓይነቱ ይፈላለይ፡" ኢሉ።
ስለ ዝዀነ ድማ ከሚካላት ንቆርበት ርእስና ሓሊፎም ናብ ሰራውር ደምና ብምእታው ጸገም ጥዕና ብኸመይ ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ የብርህ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እሞ እንታይ ንግበር?
ብሓፈሻ፡ ኣብ ሓደ ትካል ዝፈረዩ ቀለማት ጸጕሪ ናብ ዕዳጋታት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝቐርቡን፡ ናብ ኣፍሪቃ ዝኣትዉን ዝተፈላለየ ደረጃ ከም ዘለዎም ይግለጽ።
ኣብ ሳልሳይ ዓለም ትሑት ዓቕሚ ምግዛእን፣ ዓይነት ናብ ዕዳጋታት ዝቐርቡ ፍርያት ዝህሉ ትሑት ግንዛበን ጽልዋ ኣለዎ።
"ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾኑ መድሓኒታት ይዅኑ ካልኦት ፍርያትን ኣባና ክሳብ ሕዚ ዝገልግሉ ዘለዉ ብዙሓት ምዃኖም ዝንገር ኰይኑ፡ ኣብ ርእሲኡ ተመሳሲሎም ዝስርሑ ትሑት ደረጃ ዘለዎም ፍርያት'ውን ኣብ ዕድጋ ከምዘለዉ ምፍላጥ የድሊ" ይብል ዶክተር ምላሹ።
መረጋገጺ ብቕዓት ወይ ዓቕሚ ዘይብሎም ሰብሞያ ስነ-ጽባቐ'ውን ኣለዉ።
ስለዚ ተጠቃሚ ንዅሉ'ዚ ዝተጠቕሰ ነገራት ብምግንዛብ ዝደለዮ ኣገልግሎት ክረክብ ሰብ ሞያ ይመኽሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







