ከስዐናን ሓንጐልናን ብኸመይ ተዛሚዶም ይሰርሑ፡ ንምንታይከ የገድሰና?

መግቢ ዝሓዘ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መግቢ ዝሓዘ ሰብ

ከስዐና ብልዕሊ 100 ሚልዮን መትንታት ዝቘመ'ዩ፤ ንልዕሊ 95 ሚእታዊት ካብቲ ንጥዕናና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ 'ሰሮቲንን' ዝተበሃለ ባእታ ከኣ የቕውም።

ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከኣ ኣብ ከስዐና ዝፈርዩ ትሪልዮናት ዝዀኑ ባክተርያ፡ ቫይረስን ዕሰን [ፋንጋይ] ንኣካላትናን ንሓንጐልናን ኣዝዮም ኣገደስቲ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

በዚ'ዮም መዓናጡናን ሓንጐልናን ዝተኣሳሰሩ።

ሓንጐልን ከስዐን ዘለዎ ኣራኻቢ መስመር

እዞም ክልተ ክፋል ኣካላትና ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ከምዝራኸቡ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክኢላ እዚ ዓውዲ ዝዀነት ዶክተር ሳሊሓ መሓሙድ ኣሕመድ ትገልጽ።

እቲ ሓደ 'ቫጉስ' ዝብሃል መትኒ ኰይኑ፡ እዚ መትኒ እዚ ንሓንጐል ምስ ልቢ፡ ገፊሕን ጸቢብን መዓናጡ ከምኡ ከኣ ካልኦት ክፋላት ኣካላትና ዘራኽብ'ዩ።

እቲ ካልኣይ ከኣ ሓንጐልን ከስዐናን ዝራኸብሉ ኣገባብ ብሆርሞናት'ዩ። እዞም ገርሊንን ጂኤልፒ-1 ዝተብሃሉ ዓይነታት ሆርሞን ጽክታትን ኣቢሎም ምልክታት ይሳደዱ።

እቲ ሳልሳይ ዝራኸብሉ ኣገባብ ከኣ ብስርዓተ ምክልኻል ሕማማት'ዩ።

ዶክተር ሳሊሓ ማሕሙድ ኣሕመድ፡ "ብዙሓት ሰባት እዞም ዋህዮታት ስርዓት ምክልኻል ወይ ድማ ሊምፍ ኖድስ ኣብ ደም ጥራይ ዝነበሩ ክመስሎም ይኽእል'ዩ፣ እንተዀነ እዞም ዋህዮታት እዚኦም መብዛሕትኦም ኣብ ከስዐና ዝርከቡ ኰይኖም፡ ኣብ መንጐ ሓንጎልን ካልእ ክፋል ኣካላትናን ከም መራኸቢ ኰይኖም'ዮም ዝሰርሑ" ትብል።

ካልእ ዶክተር ፓንካጅ ጀይ ፓስሪካ ዝተብሃለ ኣብዚ ዓውዲ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘካየደ ኣመሪካዊ ክኢላ'ውን፡ እዚ ኣብ መንጐ ሓንጐልን ከስዐን ዘሎ ርከብ ቀንዲ ኣገዳሲ ዝገበሮ ነገር፡ "ሓንጐልና ኣዝዩ ብዙሕ ጸዓት'ዩ ዘድልዮ፣ እቲ ቀንዲ ምንጪ ጸዓት ኣካልና ከኣ ከስዐና'ዩ፡" ይብል።

እቲ ክኢላ ኣስዒቡ ሓንጐልና ካብ ክብደት ኣካላትና 2 ሚእታዊት ጥራይ'ዩ ዝውክል፤ እንተዀነ 20 ሚእታዊት ጸዓት ኣካላትና ሓንጐልና ከምዘህልኾ ይሕብር።

ከስዐና ከኣ ነቲ ንበልዖ መግቢ ኣድቒቑ ናብ ሞሎኲላት ብምቕያር ናብ መላእ ኣካላትና ጸዓት ይዕድል።

እቲ ርክብ ሓንጐልን ከስዐናን ከኣ ንሓድሕዱ ዝጸላሎ'ዩ፤ ሓንጐል ንከስዐና ይጸልዎ፣ ከስዐና ከኣ ንሓንጐልና ይጸልዎ።

ሓደ ኣሰንባዲ ነገር ከጋጥመና እንከሎ፡ ወይ ኣብ ስራሕ ሓደ ኣገዳሲ ኣኼባ ምስ ዝህልወና፡ እቲ ቀዳማይ ዝመጽእ ስነ-ኣእምሮኣዊ ግብረ መልሲ ካብ ከስዐና'ዩ ዝብገስ።

ኣዚና ምስ እንስንብድ ወይ ምስ እንፈርሕ ክሳብ ውጽኣት'ውን ክሕዘና ይኽእል'ዩ።

ኣቦታትና "ብፍርሒ ጽሕጻሕ ብጽሕጻሕ ኰይኑ" ክብሉ'ውን ሰሚዕና ንኸውን ኢና።

ብዝተፈላለየ ምክንያት ቀልቀል ከይወጻእና ሓያለ መዓልታት እንተገይርና፡ ጸቕጢ ኣእምሮ ክስምዓና ይኽእል'ዩ።

ፍቕሪ ምስ ዝሕዘና'ውን፡ ከብድና ክገላበጥ ይስማዓና ይኸውን።

እዞም ክኢላታት፡ እዚ ዅሉ ኣብ ከስዐናን ሓንጐልናን ዘሎ ምጽልላው ዘርኢ ምዃኑ የብርሁ።

ሓንቲ ህንዳዊት ጓል ኣንስትይቲ ንመሸጣ ዝተዳለወ ዕሽጉ ነገር እናቆጸረት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓንቲ ህንዳዊት ጓል ኣንስትይቲ ንመሸጣ ዝተዳለወ ዕሽጉ ነገር እናቆጸረት

ምልእቲ ዓለም ኣብ ከስዐና

ከስዐና መንበሪ ካብ 10 ክሳብ 100 ትሪልዮን ዝዀኑ ባክተርያ፡ ቫይረስ፡ ዕሰ፡ ፕሮተዝዋን ካልኦት ብዓይኒ ዘይርኣዩ ታህዋስያንን'ዩ።

እዚ ቝጽሪ እዚ ከኣ ልዕሊ ኣብ ደም ሓደ ሰብ ዘለዉ ዋህዮታት'ዩ።

ክኢላታት እዞም ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይንህቦም ኣብ ውሽጢ ከስዐና ዝርከቡ ትሪልዮናት ታህዋስያን፡ መግቦም ካብቲ ንምገቦ'ዮም ዝወስዱ፣ ዝበላዕናዮ መግቢ ንኽሓቅቕ ከኣ ዘይተኣደነ ኣበርክቶ ይገብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዕቝድ ተመራመርቲ ብዛዕባ እዞም ኣብ ከስዐና ዝርከቡ ትሪልዮናት ታህዋስያንን ንጥዕናና ዘለዎም ኣበርክቶን ክመራመርሉን ኣፍልጦኦም ከዕብዩን ጸኒሖም'ዮም።

ዶክተር ሳሊሓ ማሕሙድ ኣሕመድ፡ ኣብ ከስዐና ክንደይ ዝዀኑ ታህዋስያን ከምዘለዉ ክዕቅን ዝኽእል መሳርሒታት ከምዝማዕበለ'ያ ትገልጽ።

ዶክተር ፓንካጅ ጀይ ፓስሪካ ንወገኑ፡ "ኣብቶም ኣብ ከስዐ ዝርከቡ ታህዋስያን ዘይምዕሩይነት ምስ ዝህሉ 'ዳይሶብዮሲስ' እዩ ዝብሃል። እዚ ዘይምዕሩይነት ከኣ ዳርጋ ምስ ኵሉ እቲ ሰብ ዝሓሞ ሕማማት ምትእስሳር ኣለዎ" ይብል።

ኣብ ዶክተር ፓንካጅ ጀይ ፓስሪካን ብጾቱን ኣብ 2011 ንመጀመርታ ግዜ ሕማም 'ስቶሞኮ ዘጋጠመን ኣናጹ ኣብ ዝገበርዎ ምርምርን ዝረኸብዎ ውጽኢትን፡ "ሕማም 'ስቶሞኮ ንነዊሕ ዝጸንሕ ቅዛነትን ጭንቀትን ዘይንቡር ባህርያት ንኽህልወና ምኽንያት ይኸውን'ዩ" ናብ ዝብል መደምደምታ መሪሕዎም።

ካልኦት ተመራመርቲ ከኣ ኣብ ከስዐና ዝርከቡ ታህዋስያን ዘይምዕሩያት ምስ ዝዀኑ፡ ንሕማም ከስዐ፡ ኣከርድዮቫስኩላር ዝብሃሉ ሕማማትን ሕማም መንሽሮን ክንቃላዕ ከምእንኽእል ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

እንተዀነ ዶክተር ፓንካጅ ጀይ ፓስሪካ፡ "ዋላ'ኳ ነቲ ምኽንያት ብዝግባእ ክንፈልጦ እንተዘይክኣልና ኣብ ከስዐና ሕማም እንተኣጋጢሙና ዘይምዕሩይነት ናይቶም ኣብ ከስዐና ዝርከቡ ታህዋስያን'ዩ፣ እዚ ከኣ ጠንቂ ኣዝዮም ብዙሓት ሕማማት'ዩ፡" ይብል።

እቲ ዶክተር ኣስዒቡ "ኣብ ሰባትን ኣብ እንስሳታትን ብዝተገበረ መርመራ ገለ መርትዖታት ክርከብ ተኻኢሉ'ዩ፤ ኣብ ከስዐና ዝጀመረ ሕማም ንቅዛነትን ጭንቀትን ከምዘቃልዓና" ይብል።

ክኢላትት ገለ ገለ ዓይነታት ባክተርያ ዘለዎ መግቢ ንስርዓት ምሕቓቕ መግቢ ኣዝዩ ኣገዳዊ ምዃኑ ይሕብሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክኢላትት ገለ ገለ ዓይነታት ባክተርያ ዘለዎ መግቢ ንስርዓት ምሕቓቕ መግቢ ኣዝዩ ኣገዳዊ ምዃኑ ይሕብሩ

ን'ማይክሮባዮታ' ኣገዳሲ ዝዀነ ዓይነት መግቢ

ማይክሮባዮታ ሳይንሳዊ ሓባራዊ መጸውዒ ናይቶም ኣብ ከስዐና ዝርከቡ ካብ 10 ክሳብ 100 ትሪልዮን ባክተርያ፡ ቫይረስ፡ ዕሰን ካልኦት ታህዋስያንን'ዩ።

ተመራመርቲ ብዛዕባ ርክባት ከስዐ፡ ማይክሮባዮታን ሓንጎልን ክፈልጡ ክኢሎም'ዮም። ነቶም ኣብ ከስዐና ዝርከቡ ታህዋስያን ምዕሩያት ክንገብሮም ንኽእልዶ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ከኣ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ዶክተር ሳሊሓ፡ "[ክሳብ ሕጂ] ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ ምኽንያቱ ኵሉ ሰብ ኣብ ከስዐኡ ዝተፈላለየ ብዝሒ ባክተርያ፡ ቫይረስን ካልኦት ታህዋስያን'ዩ ዘለዎ" ትብል።

ኣስዒባ፡ "ናይ ኵሉ ሰብ ማይክሮባዮታ ዝተፈላለየ'ዩ፣ ኵሉ ሰብ ማዕረ ባክተርያ፡ ማዕረ ቫይረስ፡ ማዕረ ዕሰ፡ ኵሉ ነገር ማዕረ ክመስለና የብሉን" ትብል።

እንተዀነ ተመራመርቲ ነቲ መኽዘን ትሪልዮናት ታህዋስያን ዝዀነ ከስዐና ጥዕናኡ ክንሕልወሉ ንኽእለሉ ኣገባባት ከምዘሎ ይሕብሩ።

ዝተፈላለየን ዝተመጣጠነን መግቢ ከኣ እቲ ቀንዲ ክንገብሮ ዘለና ነገር'ዩ ይብሉ።

ፕሮባዮቲክ ወይ ገለ ካብ ዓይነታት ባክተርያ ዝሓዘ መግቢ ንስርዓት ምሕቃቕ መግቢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እዞም ክኢላታት ይሕብሩ።

ገለ ካብቶም ባክተርያ ዘለዎም መግቢታት ሓደ ርግኦ'ዩ።

ትሕዝቶ ናይ ጽሕጊ ዘለዎም ፍሩታታትን ኣሕምልትን'ውን ኣዝዮም ኣገደስቲ'ዮም።

ዶክተር ሳሊሓ፡ "ዝተፈላለየ መግቢ ምውሳድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር'ዩ፣ ብፍላይ ከኣ ኣሕምልትን ፍረታታት" ትብል።

እዛ ዶክተር ካብቶም ምዕሩይ ዝዀነ ማይክሮባዮታ ዘለዎም ሰባት ኣብ ሰሙን ልዕሊ 30 ዝተፈላላዩ ዓይነታት ኣሕምልትን ፍረታትን ዝበልዑ ኰይኖም ከምዝጸንሑ ኣረጋጊጽና ትብል።

ኣመጋግባና ብምቕያር ካብ ከም ጸቕጥን ቅዛነትን ዝኣመሰሉ ሕማማት ክንገላገል ንኽእል ዲና?

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ዓዲ እንግሊዝ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ነዚ ሕቶ እዚ ክምልስ ፈቲኑ ኣሎ።

እቶም ክኢላታት ን71 ሕማም ቅዛነት ዘለዎም ወልንታውያን ሰባት ረኺቦም'ዮም ኣብ ልዕሊኦም መጽናዕቲ ኣካይዶም።

እቶም ወለንታውያን ኣብ ክልተ ጕጅለታት ተኸፋፊሎም።

ነታ ሓንቲ ጕጅለ ንማክሮባዮታ ኣገዳሲ'ዩ ዝበልዎ መግቢ እናሃቡ፣ ናታ ካልኣይቲ ጕጅለ ግን እቲ ንቡር ዝኾነ ኣመጋግባ ከምእትወስድ ገይሮማ።

እንተዀነ እቶም ተመራምርቲ ካብቶም ንምርምር ዝተዳለዉ 71 ወለንታውያን መን ኣበየነይቲ ጕጅለ ኣሎ፣ መን እንታይ በሊዑ ከምዘይፈልጡ'ዮም ተገይሮም።

ተመራምርቲ ምዕሩይ ዝኾነ ማይክሮባዮታ ንኽህልወና ኣሕምልትን ፍረታትን ክንምገብ ከምዘለና ይመኽሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተመራምርቲ ምዕሩይ ዝኾነ ማይክሮባዮታ ንኽህልወና ኣሕምልትን ፍረታትን ክንምገብ ከምዘለና ይመኽሩ

እቶም ተመራመርቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ወልንታውያን ዝተፈላለየ ዓይነት መርመራ'ዮም ገይሮም። ናይቶም ወለንታውያን ኵነተ ኣእምሮ፡ ጭንቀትን መጠን ድቃስን ኣጽንኒዐሞም።

ኣብቲ መጽናዕቲ ላዕለወይቲ ሓላፊት ኰይና ዝተሳተፈት ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ፕሮፌሰር ሪታ ባዮኣ፡ ምስ ጭንቀት ዘይብሎም ሰባት ብምንጽጻር እቶም ጭንቀት ዘለዎም ሰባት፡ ዝያዳ ነቲ ኣሉታዊ ዝዀነ ስምዒታትን ምልክታት ናይ ገጽን ከድህብሉ ከምዝጀመሩ ትገልጽ።

"ንሕና እቲ ንወስዶ ዓይነት መግቢ ምስ ሓንጐልና ዘለዎ ምትእስሳር ኢና ከነንብብ ፈቲንና፣ እቶም ኣብ ከስዐኦም ዘሎ ማይክሮባዮታ ምዕሩይ ንክኸውን ዝሕግዞም ዓይነት መግቢ [ኣሕምልትን ፍረታትት] ዝተውሃቦም ወለንታውያን ኣሉታዊ ስምዒታት ኣብ ምውጋድ ጽቡቕ ምዕባለ ኣርእዮም" ኢላ።

እታ ፕሮፌሰር፡ ናብ ከስዕና ዝኣቱ ዝተመጣጠነ መግቢ ንማይክሮባዮታ ምዕሩይ ኣብ ምግባርን ንገለ ምልክታት ጭንቀት ኣብ ምፍዋስን ውጽኢታዊ ኰይኑ ከምዝረኸብዎ፤ እንተዀነ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከድልዮ'ዩ ትብል።