ቡን ምስ መግቢ ምስታይ እንታይ'ዩ ሓደጋኡ?

ብማሽን ዝተሰርሐ ቡን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ሕጂ ምስ መግቢ ቡን ምስታይ ወይ መግቢ ብልዕ ኣቢልካ ቡን ምስታይ ጽቡቕ ኣይኮነን ተባሂልኩም ትፈልጡ እንተዄንኩም፡ ሓቅነት ስለዘለዎ ጥንቅቕ በሉ።

ኣብ ቡን ልዕሊ 1000 ዝዀኑ ውሁዳት ነገራት'ዮም ዘለዉ።

ኣብ ቡን ዝርከቡ ከም ካፈይን፡ ፖሎፖኖሊስን ታኒንስን ዝኣመሰሉ ነገራት ከኣ ኣካላትና ካብ መግቢ መኣዛታት ኣብ ዝወስደሉ ኣሉታዊ ጽልዋ ይፈጥርሉ'ዮም። እንተዀነ እዚ ኣብ ብዙሓት ሰባት ቀጥታዊ ጽልዋ ዝፈጥር ኣይኰነን።

ኣካላትና መኣዛታት ካብ መግብን ፈሳስን'ዩ ዝረከብ፡ ጥዑይ ኣካላት ንኽህልወና ከኣ ዝተፈላለየ መኣዛታት'ዩ ዘድልየና።

ኣሌክስ ሩኣኒ ኣብ ዩኒቨርስቲ ለንደን ተመራማሪ መኣዛታት መግቢ ኰይኑ፡ "ቡን ንዅሎም ኣካላትና ክረኽቦም ዝግብኦ መኣዛታት ኣይኮነን ዝዓጽዎም፣ የጉድሎም ጥራይ'ዩ፡" ይብል።

እቲ ተመራማሪ እቲ ጽልዋ ኣብ ምሕፋስን ኣብ ምቕጣንን እቲ ቡን ከምዝምርኮስ የብርህ።

ብዓቢኡ ንረኽቦ ብዝሒ መኣዛታት፡ ዕድመ፡ ዓቕሚ ስርዓተ ምሕቓቕ ናይ ውልቀ ሰባት፡ ዘርእን ካልእን'ውን ጽልዋ ከምዘለዎ'ዩ ዘረድእ።

እቲ ቡን ምስ መግቢ ወይ ብቐጥታ ድሕሪ መግቢ ምስ ሰተና ክጽሎ ዝኽእል መኣዛታት ከም ካልስዩም፡ ኣይረን [ሓጺን] ከምኡ ከኣ ቫይታሚን ቢ ዘጠቓልል'ዩ።

ኢሚሊ ሆ ፕሮፌሰር ኮሌጅ ጥዕና ኦሪጐን ኰይና፡ "ብዙሕ ምሽቓል ኣየድልን'ዩ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ኣካላትና ሕጽረት መኣዛታት እንተሃልዩ፡ ኵነታት ጥዕናና ንኸይጋደድ ቡን ምስ መግቢ ወይ ብቐጥታ ድሕሪ ምግቢ ምስታይ ከነወግድ ኣለና፡" ትብል።

ነፍሰ ጾራት ኣብ ሕክምና ሪጋ ሒዘን እናተጸበያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ነፍሰ ጾራት ኣብ ሕክምና ሪጋ ሒዘን እናተጸበያ

እቲ ፍቱው ዝዀነ ካፑቺኖኸ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ 1980ታት ጀሚሮም መጽናዕትታት ቡን ኣካላትና እኹል ኣይረን [ሓጺን] ካብ ምርካብ ከምዝዓግቶ ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም።

ኢሚሊ ሆ "ምስ መግቢ ቡን ምስ እንሰቲ፡ እቲ ኣብ ቡን ዝርከብ 'ፖሊፖነልስ' ዝተበሃል ንጥረ ነገር ኣብ እዋን ምሕቃቕ መግቢ ምስ ገለ ማዕድናት ስለዝጣበቕ፡ ንኣካላትና እኹል ሓጺን ካብ ምርካብ ይዓግቶ'ዩ። ምኽንያቱ እቶም ማዕድናት ከይሓቐቝ ብጸቢብን ብገፊሕን መዓንጣ ሓሊፎም ምስ ቀልቀል'ዮም ንግዳም ዝወጹ፡" ትብል።

እዚ ብፍላይ እቲ ካብ ኣትክልቲ፡ ፍረታትን ኣሕምልትን እንረኽቦ ኣይረን ኣካላትና ከይተጠቀመሉ ብመልክዕ ቀልቀል ንግዳም ከምዝወጽእ ኢሚሊ ትሕብር።

እቲ ኣብ ቡን ዝርከብ ፖሊፖሎኒስ ብፍላይ ከኣ እቲ ክሎረጀኒክ ኣሲድ ዝተበሃለ ክፋሉ ንሓጺን ወይ ኣይረን ልክዕ ከም ካትራመ ኰይኑ ናይ ምሓዝ ባህሪ ከምዘለዎ፡ እቲ መጽናዕትታት ይሕብር።

ስለዚ ኵሎም ሕጽረት ኣይረን ወይ ሓጺን ዘለዎም ሰባት ኣይረን ዘለዎ መግቢ ምስ በልዑ ቡን ካብ ምስታይ ክቑጠቡ ክኢላታት ይመኽሩ።

ኣሌክስ ሩኣኒ "ግድን ቡን ንፈቱ እንተዄንና፡ እቲ ዝሓሸ ሓደ ሰዓት መግቢ ቅድሚ ምብላዕና ወይ መግቢ ምስ በላዕና ድሕሪ ክልተ-ሰለስተ ሰዓታት ቡን ክንሰቲ ንኽእል ኢና፡" ይብል።

ነፍሰጾራትን ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ገለ ካብተን ንቡን ብጎቦ ዓይነን ክርእያኦ ዘለወን'የን።

ምኽንያቱ ነፍሰጾራትን ኣብ ወርሓዊ ጽግያትን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ኣይረን ወይ ሓጺን ስለዘድልየን፡ ኣብ ከምዚ እዋን እንከለዋ ቡን ምስ ዝወስዳ ንሕጽረት ኣይረን ክቃልዓ ከምዝኽእላ ክኢላታት የጠንቅቝ።

ካፑቺኖ'ውን ጸባ ጥብ ዝበሎ ቡን ስለዝዀነ፡ ቡን ምዃኑ ኣይተረፎን'ዩ እሞ፡ ካብ ቡን ፈሊኻ ክርአ ከምዘይብሉ'ውን እዞም ክኢላታት ይመኽሩ።

ሓደ መንእሰይ ቡን እናሰተየ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓደ መንእሰይ ቡን እናሰተየ

ካልስዩም

ካልስዩም ንጥዕናን ኣዕጽምትና ኣዝዩ ወሳኒ ባእታ'ዩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ካብ 16 ክሳብ 49 ዕድመኦም ሰባት ካብቲ ክወስድዎ ዝግብኦም ካልስዮም 9 ሚእታዊት ዝወሓደ ከምዝወስዱ የረድእ።

እዚ ከኣ ኣዕጽምቶም ፈኲስን ብቐሊሉ ተሰባርን ንክኸውን ከምዝድርኽ እቲ መጽናዕቲ ይውስኽ።

ኵሊትና ኣብ ኣካላትን ዝርከብ ዝያዳ ማይን ርስሓትን ብመልክዕ ሽንቲ ከምዝወጽእ ብምግባር ኣብ ኣካላትና ምዕሩይ መጠን ሶድዮም፡ ፖታሽይምን ካልስዩምን ንኽህሉ ትሕግዝ።

መጽናዕትታት ከኣ፡ ኵሊትና ነቲ ካብ ቡን እንረኽቦ ካልስዩም ኣብ ምፍላይ ኣዝያ ከምእትጽገም የረድኡ።

እንተዀነ እዚ ዝያዳ ነቶም ሕጽረት ካልስዩም ዘለዎምን ምስ ዓጽሚ ዝተሓሓዝ ሕማማት ዘለዎምን ከሻቅል ከምዘለዎ'ዩ ዝንገር።

ኣሌክስ ሩኣኒ፡ "ኣብ ጆርናል ዝተሓተመ ሓደ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ጽሑፍ፡ ኣብ ቡን ዝርከብ ካፈይን፡ ነቲ ንጥዕናን ሓይልን ኣዕጽምትና ወሳኒ ዝዀነ ካልስዩም ስለዝጸልዎ ንጸገም ከቃልዓና ከምዝኽእል'ዩ ኣብቲ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ፤ እንተኾነ ተወሳኺ መጽናዕትታት የድልዮ'ዩ፡" ይብል።

ካልስዩም ኣብ ኣካላትና ተኸዚኑ ንነዊሕ ክጸንሕ ይኽእል'ዩ፣ ኣካላትና ከኣ ከከምቲ ዘድልዮ ይጥቀመሉ። እንተዀነ ካብ 19 ክሳብ 64 ዕድመኦም ሰባት መዓልታዊ 700 ሚሊ ግራም ካልስዩም ክወስዱ ኣለዎም።

እቲ ካልእ ካፈይን ኣብ 'ድዮረቲክ' ዘለዎ ጽልዋ'ውን ኣገዳሲ'ዩ። ድዮረቲክ ቀቀልጢፍን ንኽንሸይን ዝገብር እዩ።

ኢሚሊ ሆ፡ "ካፈይን ቀቀልጢፍን ክንሸይን ዝገብረና እንተዀይኑ፡ ኣብ ኣካላትና ዋሕዲ ፈሳሲ ንኽህሉ'ዩ ዝገብር። ማይ ምስ ሰተና እኹል ምጽራይ ከይተገበረሉ ቫይታሚን ቢ፡ ኣይረንን ካልስዩምን ሒዙ ብመልክዕ ሽንቲ ማይ ንኽወጽእ ይገብር፡ እዚ ከኣ ዓቢ ክሳራ'ዩ" ትብል።

ቫይታሚን ቢ

ኣሌክስ ሩኣኒ፡ "ብሰንኪ ቡን ኣብ ኵሊትን ስርዓተ ምሕቃቕ መግብን ጽልዋ ከምዝፍጠር ርዱእ ኰይኑ ኣሎ፡" ኢሉ።

እቲ መጠን ቡን ክንደይ እዩ ዝብል ከኣ እቲ ካልእ ሰብ ክፈልጦ ዝደልን ዘለዎን ነገር'ዩ።

ክኢላታት ከኣ ኣብ መዓልቲ ካብ ኣርባዕተ ኩባያ ንላዕሊ ምስታይ ብዙሕ ከምዝበሃል'ዮም ዝሕብሩ።

ክንድ'ዚ መጠን ቡን ምስታይ ብዘይካ'ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ቀቀልጢፍና ንኽንሸይን ስለዘገድደና ንሕጽረት ቫይታሚን ቢ'ውን የቃልዓና'ዩ።

ቫይታሚን ቢ ብቐሊሉ'ዩ ብማይ ዝሓቅቕ፤ ከም ብዓል ካልስዩም ኣብ ኣካላትና ኣይክዘንን'ዩ።

ዝያዳ ቡን እንተሰቲና ቀቀልጢፍና ስለእንሸይን እቲ ቫይታሚን ቢ ኣካላትና ከይተጠቀመሉ ክሽየን ይኽእል'ዩ።

ንምሸጣ ዝተቐረ ኪምቺ ዝተብሃለ መግቢ ኮርያውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንምሸጣ ዝተቐረ ኪምቺ ዝተብሃለ መግቢ ኮርያውያን

ቡን ብሻሂ ምቕያርዶ ይሓይሽ?

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ጸገማት ንምግልጋል ኣብ ክንዲ ቡን ሻሂ ክትሰትዩ ትሓስቡ እንተሃሊኹም፡ ግደፍዎ።

እቲ ቡን ብምስታይ ክንቃልዖ ንኽእል ጸገማት ሻሂ ኣብ እንሰትዩሉ'ውን ከጋጥመና'ዩ።

ኢሚሊ ሆ፡ "ኣብ ሻሂ'ውን ልክዕ ከም ቡን ፖሊፖኖሊስ ስለዘሎ ሻሂ'ውን ማዕረ ቡን'ዩ ጽልዋ ዘለዎ፡ ስለዚ ንቡን ብሻሂ ናይ ምትካእ ሓሳብ እንተሃልይኩም ካብቲ ጽልዋ ኣይክትገላገሉን ኢኹም" ትብል።