ሓጐስ ኣጥቢቘም ናብ ዝልምንዋ ኣይትኸይድን - መጽናዕቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቂ ሰባት ክንበሃል ኵላትና ሕጕሳት ክንከውን ጻዕሪ ከምንገብር ኣየካትዕን።
ዋላ'ኳ ብዙሕ ግዜን ብዙሕ ጻዕርን እንተወፈና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ንነብስና ኣብ ሕማቕ ልምድታትን ዑደት ሕሰምን ተቐርቂራ ንረኽባ።
ሓደሓደ ግዜ ድማ እቲ ሓጐስ ንምርካብ እንገብሮ ኣለሻ ብሓቂ ኣገዳሲ ምዃኑ ክንጠራጠር ይገብረና።
ፖል ዶላን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቁጠባ ለንደን ኣብ ክፍሊ ስነ-ኣእምሮኣውን ባህርያውን ሳይንስ ፕሮፌሰር እዩ። ፓል ኣብ ሳንደይ ታይምስ ብሉጽ መሸጣ ዘለዎ ደራሲ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ሓጐስ ዝምልከቱ ሓያሎ መጻሕፍቲ ኣሕቲሙ እዩ።
'ሃፒነስ ባይ ዲዛይን' ኣብ ዘርእስታ መጽሓፉ ኣምር ሓጐስ ማለት፡ ጐድኒ ጐድኒ ስምዒታት ደስታ (ከም ሓጐስን ፍናንን) ስምዒታት ዕላማ (ወይ ትርጕምን ዕግበትን) ከምዘጠቓልል ይጠቅስ።
ንኣብነት፡ ፓል ንተመሃሮ ክምህር እንከሎ፡ ምሸት ንምዝናይ ካብ ምውጻእ ዝተፈልየ ሓጐስ ከምዝስምዖ ይገልጽ። ምኽንያቱ እቲ ቀዳማይ ዝያዳ ዘዛነ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ዝያዳ ዕግበት ዝህብ ከምዝዀነ የብርህ።
ብዛዕባ'ቲ ዘሐጕሰና ክንዛረብ ከለና ኣብ ግምት ከነእትዎም ዝግብኡና ክልተ ልሙዳት ዕንቅፋታት ኣለዉ።
እቲ ቀዳማይ ኣተሓሳስባ፡ ኣለሻ ሓጐስ በይኑ ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ክግደሱ ይገብሮም፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ሕሉፍ ነፍሰ-ምሱጣት ወይ ናርሲስትን ስሱዓትን ይዀኑ ዝብል እዩ።
እቲ ካልኣይ ድማ፡ ብተጋራጫዊ መንገዲ፡ ኣብ ሓጐስ ምትኳር፡ ኣብ መወዳእታ ሕሱማት ክገብረና ተኽእሎ ኣሎ።
ሓጐስ ብመሰረት ስምዒታት ደስታን ዕላማን ክግለጽ ከሎ ግን፡ ንኻልኦት ምሕጋዝ ክሳብ ክንደይ ንሓጐስ ጽቡቕ ምዃኑ ንምርኣይ ቀሊል ይኸውን። ንኻልኦት ሰባት ብምሕጋዝ ዕግበት ንረክብ፣ እዚ ድማ ብዓቢኡ ካብቲ ከምኡ ክንገብር ከለና ዝህልወና ዕላማ ዝምንጩ እዩ። ብሓቂ ንኻልኦት ሰባት ምሕጋዝ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መንቀሊታት ሓጐስ እዩ።
ንጥፈታት ግብረ ሰናይን ወለንታዊ ስራሕቲን እውን ኣብ ሰባት ዝያዳ ሓጐስ ከምዘስዕቡ ተረጋጊጹ እዩ። ጽቡቕ ምግባር ምሉእ ብምሉእ ምስ ጽቡቕ ስምዒት ይተኣሳሰር።
እዚ ትርጕም ሓጐስ፡ ኣብ ስራሕ እውን ኣፍረይቲ ክንከውን ወይ ሓድሽ ክእለት ክንመሃር እንከለና፡ ስለምንታይ ጽቡቕ ስምዒት ከምዝስምዓና'ውን ይገልጽ። ዘሓጕሰና ስለ ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዕግበት እውን ክስምዓና ስለዝገብር።
ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ እንዋፈረሉ ንጥፈታት፡ ኣብ መንጐ ደስታን ዕላማን ቅኑዕ ሚዛን ክንረክብ ክንጽዕር ይግባእ።
ዝያዳ ዘሐጕሰና እዩ ኢልና ስለ ዝኣመንና ጥራይ ንኻልኦት ዝጠቅም ተግባራት ምፍጻም ስሱዕነት'ዶ ይኸውን ዝብል ሓሳብ ክመጸና ይኽእል ይኸውን።
ይዅን'ምበር እቶም ውልቃዊ ረብሓ ዘይብሎም ንጥፈታት ብምቕዳም ናይ ግብረ ሰናይ "ስርዓተ-መሰረት ሞራል" ዝሃንጹ፡ ብሓቂ ሰባት ንኻልኦት ከይሕግዙ ተስፋ ከምዘቝርጹ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ውልቀሰባት፡ ንኻልኦት ብምሕጋዝ ዝረኽብዎም ውልቃዊ ረብሓታት ክግንዘቡ ምግባር፡ ብሓቂ ንኻልኦት ሰባት ዝሕግዝ ዝያዳ ባህርያት ንምምዕባል ከምዘተባብዕ ዘርኢ ጽኑዕ መርትዖ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ወለንተኛታት ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት፡ 'ፕሮሶሻሊቲ' ወይ ንኻልኦት ንምጥቃም ዝዓለመ ባህርያት ክዝክሩ እንተገይርና፡ ዝለዓለ መጠን ወለንታዊ ስራሕ ክነስተብህልን ሓጐሶም ድማ ክብርኽን ተኽእሎ አሎ። ስለዚ፡ ነቲ ናይ ለውሃት 'ስስዐ' ክንጽምብል ይግባእ።
እቲ ካልኣይ ልሙድ ጌጋ ንትዅረት ዝምልከት እዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ገሊኦም ተመራመርቲ፡ ሓጐስ ምእላሽ ብሓቂ ሓጐስና ክውሕድ ከምዝገብር ይኣምኑ።
እዚ ማለት ብቐጥታ ንሓጐስ ክንስዕብ የብልናን ንምባል እዩ። የግዳስ፡ ዝያዳ ሕጕሳት ክንከውን ዝገብረና ቀንዲ ጠንቂ ሓጐስ ምድላይ ኣገዳሲ ምዃኑ መርትዖታት ይሕብሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኣብነት ሙዚቃ ምስማዕ ሓደ ካብቶም ሓጐስና ዝውስኑ ኣገዳስቲ ረቛሒታት ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ። ሙዚቃ ምስማዕ ርኡይ ግን ከኣ ዕሽሽ ዝበሃል ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥር መንገዲ'ዩ።
ዝያዳ ሙዚቃ ስምዑ፡ ዝያዳ ድማ ሕጕሳት ክትኰኑ ኢኹም። እናሰማዕኩም ግን ክሳብ ክንደይ ከምዘሐጕሰኩም ኣይትሕሰቡ፤ እዚ ምሕሳብ ነቲ ጽቡቕ ስምዒት ዝድርት'ዩ።
ብሓቂ ንምዝራብ፡ ብሓፈሻ እንታይ ከምዝስምዓኩም ብቐጻሊ ትከታተሉ እንተንኩም፡ ክንድቲ ትደልይዎ ጽቡቕ ስምዒት ኣይትረኽቡን።
ካልእ ኣብነት ንውሰድ። ኣብ ስራሕኩም ኵነታት ንጥፈትኩም ትከታተሉን እንታይ ከምዝስማዓኩም ኣቓልቦ እትህቡን እእንተዄንኩም፡ ኣብ ስራሕኩም ብፍጹም ተዋሒጥኩም ውጽኢታዊ ናይ ምዃን ዕድልኩም ትሑት እዩ። ኣብቲ ስምዒታት ምትኳር ካብቲ ነቲ ንጥፈት እትህብዎ ኣቓልቦ ክትወጹ ጥራይ እዩ ዝገብር። ሕጕሳት ዲና ኣይኰናን ብዝብል ሓሳብ ብቐጻሊ ዘይትዘናግዑ እንተዄንኩም፡ ብሓቂ ዝያዳ ክትሕጐሱ ኢኹም።
ስለዚ፡ ዕግበት ዘምጽኣልናን ዕላማ ዝህበናን ከምኡ'ውን ኣብ መንጐኦም ቅኑዕ ሚዛን ክንሕሉን ዘኽእለና እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ግዜ ክንወስድ ይግባእ። እዚ ምስፈለጥና ግን፡ ኣብቶም ንጥፈታት ባዕሎም እምበር እንታይ ይስማዓና ኣሎ ኣብ ዝብል ትኹረት ክንገብር ኣየድልን።
ሕጕስ ምዃን ኣዝዩ ዘጨንቐና እንተዀይኑ፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ዘጋጥመና ስምዒት ምስትምቓር ክንርስዕ ተኽእሎ ኣሎ።
ነቶም ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥሩልና ንጥፈታት እንተ ኣስተብሂልናሎም ግን፡ ብዛዕባ ሓጐስ'ኳ ከይሓሰብና ዝያዳ ሕጕሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነዚ ዘይደሊ መን ኣሎ...?




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







