መግቢ ከተውዕዩ እንከለኹም ግድን ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገራት

መግቢ ዳግማይ ምውዓይ ዘይርአ ሓደጋታት ጥዕና ክህልዎ ስለዝኽእል፡ ነዞም መምርሒታት ምኽታል መግቢኻ ውሑስ ንክኸውንን ብመግቢ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምንካይን ይሕግዝ።
ከመይ ጌርካ ውሑስ ክትከውን ከም ዝከኣልከ ትፈልጡ ዶ?
ክትገብሮ ዘይብልካ ነገራት
- መግቢ ንነዊሕ እዋን ኣብ ደገ ኣይትግደፍ።
- ውዑይ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ዘለወሉ ኵነታት፡ መግቢ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰዓታት ንላዕሊ ኣብ ደገ ኣይትግደፍ። እቲ መግቢ ሩዝ እንተኾይኑ ድማ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ክጸንሕ የብሉን።
- ካብ ደገ ተዓሺጉ ዝገዛእኻዮ ሩዝ ደጊምካ ኣይተውዕዮ።
- መብዛሕትኡ ግዜ ተዓሺጉ ዝሽየጥ ሩዝ በቶም ኣብያተ መግቢ ኣቐዲሙ ዝወዓየ ስለዝዀነ ደጊምካ ክተውዕዮ ኣይጽብቑን'ዩ። ምስገዛእካዮ ሽዑ ንሽዑ ክተምገቦ'ዩ ዝምረጽ።
- ኣብ ገዛ ዘብሰልካዮ መግቢ ኣብ ፍሪጅ ንነዊሕ እዋን ኣይተቐምጥ።
- ተረፍ መግቢ ኣብ ውሽጢ ካብ 24 ክሳዕ 48 ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዜ ምብላዕ ወይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ክትበልዖ እንተዘይሓሲብካ ኣብ ፍርጅ ኣቐምጦ።
- ደርሆ ብውዑይ ማይ ኣይተህፍፍ።
- እዚ ድማ ዘይምዕሩይ ምፍሳስ ከስዕብ ይኽእል'ዩ። ኵሉ ግዜ ደርሆ ካብ ፍሪጅ ኣውጺእካ ኣዐሪኻ ምብሳል። ኣብ ደርሆ ዝርከብ ባክተርያ ካምፒሎባክተር፡ ከቢድ ናይ ከስዐ ጸገም፡ ተምላስ፡ ዋላ'ውን ክሳዕ ናብ ሆስፒታል ምእታው ከስዕብ ይኽእል።
ክትገብሮም ዘለካ ነገራት

- ኵሉ ግዜ መግቢ ቅድሚ ደጊምካ ምውዓይ ኣብ ፍሪጅ ኣቐምጦ።
- መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ መግቢ ኣብ ፍሪጅ (ኣብ 5 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ወይ ትሕቲኡ) ምቕማጥ ንዕብየት ጐዳእቲ ነፍሳት ይድርቶ።
- ቅድሚ ናብ ፍሪጅ ምእታውካ መግቢኻ ኣዝሕሎ።
- ውዑይ መግቢ ትኽ ኢልካ ናብ ፍሪጅ ምእታው ንሙቐት ፍሪጅካ ንላዕሊ ክደፍኦ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ንኻልኦት መግብታት ኣብ ሓደጋ ከእትዎምን ባክተርያ ክዓብዩ ክገብርን ይኽእል። ብዝበለጸ መግቢኻ ኣብ ናይ ክፍሊ ሙቐት ክዝሕል ምግባርን ምስ ዘሓለ ድማ ኣብ ፍሪጅ ምቕማጥን። ኣብ ውዑይ ክሊማ፡ መግቢ ኣብ ደገ ዘጸንሓሉ ግዜ ብዝወሓደ መጠን፡ ውሑስ ክኸውን እዩ።
ሓደገኛ መስመር ተረዳእ
ባክተርያ ካብ 8 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ክሳብ 63 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ኣብ ዘሎ ማእከላይ ገምጋም ብቕልጡፍ ክባዝሑ ተኽእሎ'ሎ።
ፍሪጅካ ትሕቲ 5 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ምግባር መርዛምነት መግቢ ንምክልኻል ክሕግዝ እንከሎ፡ መግቢ ኣብ 18 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ምግዳፍ ድማ ንጥፈታት ባክተርያ የቋርጾ።
ይዅን እምበር፡ ባክተርያ ኣብ ፍርጅ ስለዘይሞቱ መግቢ ካብቲ ፍሪጅ ምስ ወጸ ዳግማይ ክበራበሩ ይኽእሉ። መግቢ ክሳብ እትበልዖ ኣብ ፍሪጅ ከተጽንሖ ትኽእል ኢኻ።
ገለ መግብታት ኣብ ማይክሮዌቭ ክተህፍፎም ይከኣል'ዩ። እንተዀነ፡ መምርሒታት ኣፍራዪ ምኽታል ዝበለጸ እዩ። ብኸፊል ዝሃፈፈ መግቢ ብዘይምዕሩይ ክበስል ስለዝኽእል ጐዳእቲ ባክተርያ ክነብርዎ የኽእሎም።

ደጊምካ ዘውዓኻዮን ተረፍ መረፍ ሩዝን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ተመገቦ።
ሩዝ ብቕልጡፍ ምዝሓልን ኣብ ፍሪጅ ምቕማጥን ካብ ብባክተርያ ምቅላዕ የጕድሎ'ዩ። ዳግማይ ምውዓይ ግን ሓንሳብ ጥራይ እዩ ክግበር ዘለዎ።
ንዝተቓልዑ ሰባት መግቢ ዳግማይ ክትውዒ ከለኻ ተወሳኺ ጥንቃቐ ግበር።
ድኹም ስርዓተ ምክልኻል ዘለዎም ሰባት፡ መሰረታዊ ኵነታት ጥዕና ዘለዎም፡ ነፍሰጾራት፡ ንኣሽቱ ህጻናትን ኣረጋውያንን ብመግቢ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብቐሊሉ ከጥቅዕዎ ይኽእሉ'ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







