ሞባይል እናተጠቐምኩም ምምጋብ ኣብ ጥዕናኹም ጉድኣት ከም ዘለዎ ትፈልጡዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተለቪዥን ወይ ሞባይልካ እናረአኻ ምምጋብ ቀሊል እኳ እንተዀነ፡ ቀስ ኢልካ ብተመስጦ ምብላዕ ግን ኣብ ጥዕና እወታዊ ረብሓታ ከም ዘለዎ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ እንምገበሉ ናህሪ ኣብ ህይወትና ጽልዋ ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ ምሕቃቕ መግቢን ዕግበትን ጀሚሩ ክሳብ ምቍጽጻር ክብደት ሰብነት፣ ከምኡ'ውን ንሓፈሻዊ ጥዕናና ጽልዋታት ኣለዎ።
ምሕቃቕ መግቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳኦ ፓውሎ ብራዚል ዝሰልጠነት ክኢላ ኣመጋግባ ሊቭያ ሃሰጋዋ መግቢ ቀስ እናበልካ ምሕያኽ ነቲ መግቢ ምሒር ክደቅቕ ስለ ዝገብሮ፡ ንስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ከም ዘቕልሎ እያ እትገልጽ።
"ብዙሕ ግዜ ንሕሙማተይ ብቐሊል ኣብነት እየ ዘረድኦም፣ ከብድና ስኒ ስለ ዘይብሉ፡ መግቢ ኣመና እንከይተሓየኸ ናብ ከብድና ምስ ዝኣቱ ንስርዓተ ምሕቓቕ መግቢ ዝሕቱልን ከቢድን ከም ዝገብሮ'የ ዝነግሮም፡" ኢላ።
እታ ክኢላ ኣስዒባ፡ "ምሕያኽ መግቢ ኣብ ምራቕ ንዝፍጠር ፍርያት ኢንዛይማት ምሕቃቕ መግቢ ስለ ዘነቓቕሕ መኣዛታት ሰብነትና የመሓይሽ፡" ትብል።
መግቢ ብግቡእ እንተ ዘይተሓይኹ፡ ከብዲ ዘይስርሑ ክሰርሕ ስለ ዝግደድ፡ ንመንፋሕትን ምዝሕሓል ምሕቕቕ መግቢን ከስዕብ ይኽእል።
"ስለዚ'ዩ ድማ ገለ ሰባት ድሕሪ ምብላዕ መግቢ ንሰዓታት ዝንፍሑን ድኻም ዝስምዖምን፡" ትብል ሓሰጋዋ ወሲኻ።
መግቢ ክንደይ ግዜ ክሕየኽ ከም ዘለዎ ፍሉይ ቍጽሪ እኳ እንተ ዘይሃለወ፡ እቲ ኣውራ ነገር ግን ቅድሚ ምውሓጥካ እቲ ኣብ ኣፍካ ዘሎ መግቢ ኣዐርዩ ከም ዝደቐቐ ኣረጋጊጽካ ክትውሕጦ ይምከር።
"ብተወሳኺ፡ ትዅረትካ እናተዘናበለ ምብላዕ - ተለቪዥን ምርኣይ ይዅን ተለፎን ምጥቃም፡ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ምዝራብ - ኣብ ምሕያኽ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህሉዎ ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ብቝልጡፍ ክትውሕጥን ዝያዳ ኣየር ክትስሕብን ስለ ዝገብር መንፋሕቲ ከብዲ ከጋጥመካ ይኽእል'ዩ።
ጽጋብን ምውሳኽ ክብደት ሰብነትን
ምስቲ ኣብ ምሕቃቕ መግቢ ዘስዕቦ ጽልዋ፡ ጉዳይ ምውሳኽ ክብደት ሰብነት ይመጽእ እዩ።
"ቀልጢፍካ ምብላዕ ዝያዳ ጉልበት ክንጥቀም ስለ ዝገብር፡ ኣብ ሓንቲ ደቒቕ ዝያዳ ካሎሪ ክንወስድ ይገብረና። እዚ ቅልጡፍ ኣመጋግባ ካብ መጠን ንላዕሊ ንኽንበልዕ ቀሊል ከም ዝገብሮ መጽናዕትታት ይሕብሩ፡" ክትብል ዳይረክተር ክፍሊ ስነ-ኣመጋግባን ኣብ ኒውዮርክ ዩኒቨርሲቲ ኮርነል ፕሮፌሰር ሳንደር ኬርስተን።
እታ ብዓል ሞያ ብተወሳኺ፡ ቀስ ኢልካ ምምጋብ ነቲ መግቢ ኣብ ኣፍ ዘሕልፎ ግዜ ከም ዘናውሖን ብኣግኡ ምላሽ ምሕቃቕ መግቢን ምፍናው ሆርሞናትን ዝድርኹ ህዋሳዊ ምልክታት ከም ዘዕቢ ትዛረብ።
"ሓንጎል ከም ዝጸገብና ዝነግሩና ሆርሞናት ንምፍናው ገለ ደቓይቕ ይወስድ። ቀልጢፎም ዝምገቡ ሰባት ካብቲ ብጭቡጥ ዘድልዮም ንላዕሊ መግቢ ክበልዑ ይኽእሉ፣ ምኽንያቱ፡ ኣካላቶም ከም ዝጸገቡ ንምምልካት እኹል ግዜ ስለ ዘይብሉ።"
ውጽኢቱ ድማ ልዕሊ ዓቐን ካሎሪ ኰይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ዝተኣጀለ ስብሒ ይቕየር።
ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሓደጋታት ጥዕና
ቀልጢፍካ ምብላዕ ንጉዳያት ምሕቃቕ መግቢ ከም ኣሲድ ሪፍላክስን ጋስትራይትን ከጋድዶ ይኽእል። ብተወሳኺ፡ ንሪፍላክስ ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰባት፡ ብሰንኪ ተጓይኻ ምብላዕ ምልክታቶም ክገድድ ክርእዩ ይኽእሉ። (ሪፍላክስ፡ መግቢ ወይ ፈሳሲ ኣብ ኣካላትና ብሻሕለለ ንድሕሪት ክምለስ ከሎ ዝገልጽ እዩ።)
"ካልእ ወሳኒ ረቛሒ ኣብ ማይክሮባዮታ መዓንጣ ዝህሉዎ ጽልዋ'ዩ። መግቢ ምሒር እንተ ዘይሓቐቐ ናብ መዓንጣ ክበጽሕ ከሎ፡ ሚዛን ባክተርያ መዓንጣ ክዘርግ ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ንሓፈሻዊ ስርዓተ ምሕቓቕ መግቢ ክጸሉዎ ይኽእል፡" ክትብል እታ ብዓልቲ ሞያ ገሊጻ።
እዚ ልምዲ እዚ ብፍላይ ምስ ካልእ ዘይጥዑይ ባህርያት ተደሚሩ ምስ ዝኸይድ፡ ስብሒ ዝያዳ ክኽዘን ከም ዝኽእል ዝሓበረት ፕሮፌሰር ሳንደር እዚ ድማ ሕማም ሽኮር፡ ስብሒ ዘለዎ ጸላም ከብዲ፡ ሕማም ልቢ፡ ልዑል ጸቕጢ ደም ከስዕብ ይኽእል'ዩ ኢላ።
ቀስ ኢልካ ክትበልዕ ዝሕግዙ ምኽርታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓሳጋዋ፡ "ምሉእ ግዜ ፋርኬታኻ ወይ ማንካኻ ኣይትሓዝ፣ ምኽንያቱ፡ እዚ ዋላ ከይተረድኣካ ኣዝዩ ቀልጢፍካ ክትበልዕ ክገብረካ ይኽእል'ዩ፡" ትብል።
"እቲ ዝቐለለ ነገር እትምገበሎም ኣቑሑት ኣብ ጣውላ ኣቐሚጥካ ዳግማይ ምልዓል ቀስ ኢልካ ንኽትበልዕ ክሕግዘካ እዩ። ሓንቲ ኩላሶ ምስ ኣእተኻ ክሳዕ እቲ ዝቕጽል ኩላሶኻ ፋርኬታኻ ኣብ ጠሬጴዛ ኣቐምጦ፡" ቀዳመይቲ ነጥቢ ንሳ እያ።
እቲ ካልኣይ ነጥቢ፡ መግቢ ኣብ ኣፍካ ኣዐርዩ ክሳዕ ዝልስልስን ዝደቅቕን ምሕያኽ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ እናበላዕኻ እንከለኻ ኣተኵሮኻ ዝሰርቕ ነገራት ምውጋድ እውን ግድን እዩ። ቲቪ እናረኣኻ ምብላዕ ወይ ኣብ ስልክኻ ተጸሚድካ እንከለኻ ምምጋብ መጠን እትበልዖን ናህሪ እትሕይኾን ዘይክትፈልጥ ስለ ዝገብረካ ኣይምከርን። ብምሉእ ውነኻ ወይ ቀልብኻ ምምጋብ ኣዝዩ ጠቓሚ'ዩ።
ኣብ እትበልዕሉ እዋን ብዙሕ ኣይትዛረብ። ወግዒ'ውን ከየስተብሃልካሉ ትዅረትካ ከዘናግዓካን ኣመጋግባኻ ቅልጡፍ ክገብሮን ይኽእል'ዩ። ስለዚ፡ ወግዒ ቀኒስካ መግቢ ምብላዕ'ውን መጠን እትበልዖን እትሕይኾን ብውነ ክትፈልጥ ስለ ዝሕግዘካ መግቢ ቀሪብካ ብዙሕ ኣይትዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







