መዓልታዊ ክንደይ ግዜ ናብ ሽቓቕ ንኸይድ፡ ቀልቀልናኸ ብዛዕባ ጥዕናና እንታይ የመልክት?

ኣብ ሽቓቕ ኮፍ ዝበለ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ነፍሲወከፍ እንምገበሉ እዋን፡ ዓብዪ መዓንጣና ንመግቢ ናብቲ ስርዓተ ምሕቃቕ ዝካየደሉ ቦታ ይደፍኦ።

እዚ መስርሕ'ዚ ከኣ "ጋስትሮ-ኮሊክ ሪፍለክስ" ዝበሃሉ ሆርሞናት ንኽፍነዉ ይገብር። እዚ ድማ ናብ ሽቓቕ ናይ ምኻድ ድሌት ይፈጥር።

መብዛሕትና ነዚ ድሌት ወይ ድፍኢት ክንቈጻጸሮ ክእለት ኣለና።

በዚ ምኽንያት ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ጥራሕ ናብ ዓይኒ-ምድሪ ምኻድና ዝውቱር ክኸውን ይኽእል።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ሽቓቕ ምጥቃም ጽቡቕ ምልክት ጥዕና መዓንጣ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ መወዳእታ 1980ታት፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ትካል ብሪስቶል ሮያል ኢንፍሪሜሪ ኣማኻሪ ዝዀነ ኬን ሂተንን መሳርሕቱን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ምብራቕ ብሪስቶል መጽናዕቲ ኣካይዶም ነይሮም።

ኣብ ሽቓቕ ንቐልቀል ክብሉ ክንደይ ግዜ ከም ዝጸንሑ'ውን ሓቲቶም።

እቲ ውጽኢት፡ ኣብ ምንቅስቓስ መዓንጣ ሰባት ርኡይ ፍልልይ ከም ዘሎ እዩ ኣረጋጊጹ።

ዝውቱር ዝዀነ ኣጠቓቕማ ሽቓቕ (ንቐልቀል ማለት'ዩ) ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ እኳ እንተዀነ፡ 40 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮን 33 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን ጥራሕ እዮም ነዚ ልምዲ ዝኽተሉ።

ገሊኦም ድማ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ናብ ሽቓቕ ይኸዱ።

ቅርጺ ቀልቀል፡ ሓካይም ኣብ ሰባት ንዘሎ ጸገማት ምሕቃቕ መግቢ ክፈልጡ ብሰፊሑ ዝጥቀምሉ ኣገባብ መርመራ እዩ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ኣካላት ጥዕናን፡ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ከምኡ'ውን ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ሽቓቕ ንቐልቀል ምጥቃም ከም ንቡር ይቝጸር ይብሉ።

ክንደይ ግዜ ኢና ንቐልቀል ናብ ሽቓቕ ክንኸይድ ዘለና ንዝብል ሕቶ ግን ተመራመርቲ ዘቐምጡዎ ንጹር መልሲ የሎን።

ግን ከኣ ንንጥፈታት መዓንጣ ከም መርኣዪ ጥዕና ሓደ ሰብ ዝጥምቱዎ ተመራመርቲ ኣለዉ።

ተመራመርቲ ኣብ መንጎ ምድግጋም ቀልቀልን ሞትን እንታይ ዝምድና ከም ዘሎ ንምግንዛብ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ዳህሳስ ኣብ ተሳተፍቲ መጽናዕቶም ኣካይዶም።

እቶም ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ግዜ ልስሉስ ዝዀነ ቀልቀል ዝወጽኡ ሰባት፡ ካብቶም ኣብ ሰሙን ሸውዓተ ግዜ ስሩዕ ቀልቀል ዝወጽኡ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ምማት ተኽእሎኦም ብ1.78 ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም።

እቶም መዓልታት እናሰገሩ ዝወጽኡ ከኣ ብ2.42 ዕጽፊ (ብመንሽሮ) ከምኡ'ውን ብ2.27 ዕጽፊ (ብሕማም ልብን ትቦታት ደምን) ናይ ሞት ተኽእሎኦም ይዓቢ።

ስእላዊ መግለጺ ሽቓቕ

ምንጪ ስእሊ, Emmanuel Lafont/ BBC

መጠን ቀልቀል?

ኣብ ሲያትል ኣብ ዝርከብ ትካል ባዮሎጂ ተመራማሪ ማይክሮባዮሎጂ ሺን ጊብስ፡ መጠን ቀልቀል ክሳብ ክንደይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ዳህሲሱ ነይሩ።

ጊብስ ኣብ 2024፡ ምሉእ ጥዕና ንዝነበሮም 1,400 ሰባት ብመሰረት ኣብ ኣጠቓቕማ ሽቓቕ ዘለዎም ልምዲ ኣብ ኣርባዕተ ጕጅለታት መቒሉ ከጽንዖም ፈቲኑ።

ድርቀት ከብዲ (ኣብ ሰሙን ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ)፡ ዝተሓተ (ኣብ ሰሙን ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ)፡ ዝለዓለ-ንቡር (ኣብ መዓልቲ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ)፡ ከምኡ'ውን ውጽኣት ኣብ ዝብል መዲቡዎም።

ኣብ መዓልቲ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ንቐልቀል ዝወጽኡ ሰባት፡ ካብቶም ሳሕቲ ናብ ሽቓቕ ዝኸዱ፡ ኣብ መዓንጣኦም 'ጠቐምቲ' ባክተርያታት ብዝለዓለ ቍጽሪ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ሰሙን ትሕቲ ሰለስተ ግዜ ቀልቀል ዝወጽኡ ሰባት፡ ብሰንኪ ከም ሕዱር ሕማም ኩሊትን ኣልዛይመርን ዝኣመሰሉ ሕማማት ደሞም ናይ ምብካል ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።

ምሕቃቕ መግቢ ዘጋጥሞም ሰባት ኣብ ደሞም ልዑል መጠን ጐዳኢ መርዛማት ነገራት ከም ዘለዎም ይእመን።

እዚ ዝኸውን ከኣ ሓደ ሰብ ብግቡእ ሽቓቕ ዘይወጽእ እንተዀይኑ፡ ቀልቀል ኣብ መዓንጣኡ ንነዊሕ እዋን ክጣበቕ ስለ ዝገብር እዩ። እዚ ድማ ኣብ መዓንጣ ዝርከቡ ባክተርያ ንዅሉ እቲ ኣብ ምሕቓቕ መግቢ ኣገዳሲ ዝዀነ ጽሕጊ (ፋይበራት) ክበልዑ ይገብሮም።

እቲ ጸገም ዝኸፍአ ዝኸውን ከኣ፡ እቲ ፋይበራት ኵሉ ምስ ተወደአ እቶም ባክተርያታት ኣብ ክንድኡ ፕሮቲን ከፍርዩ ምጅማሮም እዩ።

ስእላዊ መግለጺ - ኣብ ሽቓቕ ኮፍ ዝበለ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Emmanuel Lafont/ BBC

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ እውን ጐዳእቲ መርዛማት ንጥረ-ነገራት ናብ ደም ክኣትዉ ይገብር። እዞም መርዛማት ነገራት ኣብ ኵሊትን ልብን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣካላትና ጕድኣት የብጽሑ።

ጊቦንስ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ክሳብ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ቀልቀል ምውጻእ ጥዕና ዘለዎ ምዃኑ ይገልጽ።

"ብመሰረት እቲ ዝረኣናዮ መረዳእታ፡ ካብ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ክሳብ ኣብ ክልተ መዓልቲ ሓደ ግዜ ደገ-ምውጻእ ዝሓሸ ዕድል ጥዕና ዝፈጥር ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ይብል።

ሓደ ካብቲ ጥዕና መዓንጣና ዝዕቀነሉ መገዲ፡ መግቢ ብስርዓተ ምሕቃቕ ክምስራሕ ዝወስደሉ ግዜ እዩ።

ሓደ ሰብ ናይ መዓንጣ መተሓላለፊ ግዜኡ ብዝነውሐ መጠን ቀልቀሉ እናነከየ ይኸይድ። እዚ ከኣ ንድርቀት ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኡ ከውስኽ ይገብር።

ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ኣብ ስርዓተ ምሕቓቕ ዝነውሐ ናይ ጕዕዞ ግዜ ዝነበሮም ሰባት፡ ዝያዳ 'ሕማቕ' ባክተርያ መዓንጣ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።

እዚ ጸገም ጐሊሑ ዝተርኣየ ድማ ኣብቶም ስርዓተ ምሕቓቕ 58 ሰዓታትን ልዕሊኡን ግዜ ዝወስደሎምን ኣብ ሰሙን ትሕቲ ሰለስተ ግዜ ናብ ሽቓቕ ዝኸዱን ሰባት'ዩ።

ቀልቀሎም ኣብ መዓንጣኦም ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሰባት፡ እቶም ባክተርያታት ሓድሽ መግቢ ንኸይረኽቡ ምኽንያት ከይኰነ ከም ዘይተርፍ ተመራመርቲ ግምቶም የቐምጡ።

ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ ፋይበርን ካርቦሃይድሬትን ምብላዕ ፕሮቲናት ናብ ምብላዕ ይሰጋገሩ። እዚ ድማ ንጥዕና ዝጐድኡ ጐድናዊ ፍርያት ይፈጥር።

ኣብ መዓንጣ ዝህሉ ኵሉ መስርሓ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዝፍጸመሎም ሰባት፡ ንመግቢ ዝያዳ እወታዊ ግብረመልሲ ከም ዝህቡ ውጽኢት ምርምር የረድእ። እዚ ማለት ድሕሪ ምምጋቦም፡ ኣብ ደምሞ መጠን ሽኮርን ስብሕን ዝተሓተ ይኸውን። እዚ ድማ ንሓደጋ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን የጕድሎ።

ቀልቀል ብዛዕባ ጥዕናና እንታይ የመልክት?

ኣብ ለንደን ኮሌጅ ኪንግ ተመራማሪት ማይክሮባዮሎጂ ዝዀነት ኤሚሊ ሊሚንግ ከም እትብሎ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሰሙን ዝፍጸም ምጽርራይ ቀልቀል፡ እቲ ቀንዲ ክንጥንቀቐሉ ዝግብኣና ጉዳይ ኣብ ልምዲ መዓንጣ ዝመጽእ ዘይልሙድ ለውጥታት ክኸውን ኣለዎ።

"ኵላትና ንዅነታት ቀልቀልና ክንፍትሽ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ እዚ ከም ነጻ መርመራ ጥዕና መዓንጣ እዩ ዝቝጸር። ክንደይ ግዜ ንቐልቀል ናብ ሽቓቕ ትኸዱ ጥራሕ ዘይኰነስ ሕብሩን ቅርጹን'ውን ምክትታል ኣገዳሲ እዩ፡" ትብል።

ሕብሪ ብዝምልከት ኣብ ቀልቀልና ጸሊም ወይ ቀይሕ እንተ ርኢና ደም ምህላዉ ዘመልክት እዩ።

ዋላ እኳ ዘይ ጐዳኢ ክኸውን እንተ ከኣለ፡ እዚ ግን ምናልባት ምልክት መንሽሮ መዓንጣን መሃንቱስን ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናብ ሓኪም ምኻድ ኣገዳሲ እዩ።

ብተደጋጋሚ ውጽኣት እንተ ኣጋጢምኩም ወይ ኣዝዩ ብሃንደበት ናብ ሽቓቕ ዘገድድ ልምዲ እንተ ሃልዩና፡ ወይ ድማ ድሕሪ መግቢ ምምጋብና ነዊሕ ዝጸንሕ ቅርጸት፡ ምንፋሕን ጋዝን እንተ ኣጋጢሙና ምስ ሓኪም ምዝርራብ የድልይ።

ክንገብሮም ንኽእል ሰለስተ ቀለልቲ ነገራት ከኣ ኣለዉ።

ፍረታትን ኣሕምልትን ምብላዕ፡ ዝያዳ ማይ ምስታይን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታርን ኣገደስቲ ከም ዝዀኑ ተመራመርቲ ይሕብሩ።