ዝደቀሰ ጾታዊ ስምዒት ደቂኣንስትዮ ምንቕቓሕ ይከኣል'ዶ?

ኣእጋር ዝደቀሰት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትሑት ድሌት ጾታዊ ርክብ፣ ድርቀት ርሕሚን ከቢድ ናይ ስሚዒት ምልውዋጥን፤ . . . እዚኦም ገለ ካብቶም ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ንጽፈተ-ጽግያት (ምቁራጽ ወርሓዊ ጽግያት) ዘጋጥምወን ምልክታት እዮም።

ንብዙሓት፡ እዞም ለውጥታት ገና ንጽፈተ - ጽግያት ከየጋጠመን ክሳብ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ኣቢሉ ክጅምረን ይኽእል። እዚ ድማ ቅድመ-ንጽፈተ ጽግያት (ፐሪሜኖፓውዝ) ተባሂሉ ዝፍለጥ እዋን እዩ።

ኣብ መፋርቕ 40ታት ዕድሚኣ ዘላ ሱዛን ኣብ ቫንኮቨር ካናዳ ትነብር።

ንሳ ብቅድመ-ንጽፈተ ጽግያት ትሓልፍ ዘላ ኮይና "ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ኣዝዩ ቃንዛ ኮይኑኒ። ክሳብ ሕጂ ድልየት ጾታዊ ርክብ ኣለኒ፤ እቲ ቃንዛ ግን ክጻወሮ ኣይከኣልኩን። እንታይ ይፍጠር ከምዘሎ ይፈልጥ ኣይነበርኩን፤ ሓቂ ንምዝራብ ድማ ብዛዕባ ኩነታታት ንሓኪም ከዘራርብ ቁሩብ ግዜ ወሲዱለይ ነይሩ" ትብል።

ንጽፈተ-ጽግያ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብሰንኪ ምትሓት መጠን ሆርሞን ዘጋጥማ ምቁራጽ ወርሓዊ ጽግያት እዩ።

እዚ ድማ ናይ ጓል ኣንስተይቲ እዋናት ፍርያምነት (ተኽእሎ ምውላድ) ምዝዛሙ ዘመልክት ኮይኑ፡ ብዙሕ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ለውጥታት ከምጽእ ይኽእል።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሓፈሻዊ ሓኪምን ጎስጓሲት ትምህርቲ ጥዕናን ዶክተር ዓዚዛ ሰሰይ፡ ቃንዛ ዘለዎ ጾታዊ ርክብ ከስዕብ ዝኽእል ምንቃጽ ርሕሚ፡ ቀጥታዊ ውጽኢት ምንካይ መጠን ሆርሞን ኢስትሮጅን ምዃኑ ትዛረብ።

ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክዛረባ ኣብ ብዙሕ ባህልታት ገና ከም ነውሪ ዝቝጸር ስለዝኾነ ግን "ሕጂ'ውን ቃንዛ ዘለዎ ጾታዊ ርክብ ንቡር ምዃኑ ዝኣምና ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ። ነዚ ቃንዛ ተጻዊርና ድማ ንደቂ ተባዕትዮና ናይ ምሕጓስ ሓላፍነት ንሕና ንስከሞ" ትብል።

ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት እምነት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ጸገማት ንምፍታሕ ብቐጥታ ናብኣ ክመጻ ከምዘይክእላን እትዛረብ ዶክተር ዓዚዛ፡ "ብስቕታ ነቲ ስቓይ ተጻዊረን ክቕጽላ ከምዝኽእላ" ትገልጽ።

ሆርሞናትን ሕቡእ ምልክታትን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዶክተር ሰሰይ፡ መጠን ሆርሞናት ክወርድ ምስ ጀመረ ኣብ ጾታዊ ድሌት ለውጢ ከምዘጋጥም ትሕብር።

ጓል 45 ዓመት ሮዚ ኣብ ጀርመን ትነብር። ኣብ 30 ዓመት ዕድሚኣ መንሽሮ ማህጸን ከምዘለዋ ድሕሪ ምፍላጣ፡ እቲ ማህጸና ብሕክምና ክእለ ተገይሩ።

እዚ ድማ ብኣግኡ ግዱድ ንጽፈተ-ጽግያት ንኸጋጥማ ምኽንያት ኮይኑ።

እቲ ዘሕለፈቶ ኩነታት ከቢድ ምንባሩ ንቢቢሲ ክትገልጽ ከላ "ቅድሚ ሕጂ ጾታዊ ርክብ ኣዝየ'የ ዘስተማቕር ነይረ፤ ካብኡ ግን ሃንደበት ድማ ጠፊኡኒ። ዝኾነ ኣካላዊ ምልዕዓል ክስምዓኒ ኣይከኣለን" ኢላ።

ኣብ ካሊፎርንያ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላን ሓኪም ጾታዊ ርክብን ዝኾነት ዶክተር ናዛኒን ማኣሊ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንጽፈተ-ጽግያት ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ንጾታዊ ርክብ ዘለወን ስምዒት ብምንካዩን ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ቃንዛ ስለዝስምዐንን ናብኣ ከምዝመጻ ትዛረብ።

"ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ጾታዊ ርክብ ንምግባር ከምዘይተዓደላ እየን ዝቖጽራ። ጾታዊ ርክብ ክገብራ ዝደልያ ግን ድማ ብስሩዕ መገዲ ንዝፍጸም ተገዳስነት ዘይብለን ብዙሓት ኣለዋ" ትብል።

ግን ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ኩነታት ህይወተን ንጾታዊ ርክብ ዘለወን ስምዒት ክንክይ ዝገብር ምኽንያት እቲ ዘጋጥመን ድርቀት ርሕሚ ወይ ምትሓት ጾታዊ ድሌት ጥራይ ኣይኮነን።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንእትነብር ጓል 49 ዓመት ያስ፡ ኣብ ጾታዊ ርክብ ተገዳስነት ክትስእን ምኽንያት ዝኾና እቲ ዘጋጠማ ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ እዩ።

ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝፍጽሞ ጾታዊ ርክብ ዘስካሕክሕ ቃንዛ ዘለዎ ረኽስታት ስለ ዘስዕበለይ ዘለኒ ተገዳስነት ጾታዊ ርክብ ጠፊኡ" ትብል።

ዶካተር እዚ ኩነታታ ምስ ንጽፈተ-ጽግያት ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ንምፍላጥ ነዊሕ እዋን ከምዝወሰደሎም እውን ትዛረብ።

ኣብ ብዙሓት ባህልታት ህይወት ጾታዊ ርክብ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ምፍራይ (ምውላድ) ጥራይ ዝተኣሳሰር ኮይኑ ስለዝግለጽ፡ ድሕሪ ንጽፈተ-ጽግያት ከኣ ጾታዊ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ኣብቂዑ'ዩ ዝብል ግጉይ ኣረኣእያ ኣሎ።

ዶከተር ናዛኒ፡ ደቂ ኣንስትዮ በዚ ክምዘና ምግባር ንህይወተን ከቢድ ክገብሮ ከም ዝኽእል ብምሕባር "ንገለ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ከቢድ ሓዘን ከምዘእትወን" ትዛረብ።

ግን ከኣ "ድሕሪ ንጽፈተ-ጽግያት እውን ኣብ ህይወተን ዝሓሸ ጾታዊ ርክብ ክገብራ ዝጀመራ" ዓማዊል ከምዘለውኣ ገሊጻትላና።

እንታይ ዓይነት ሕክምናታት ኣሎ?

ክሬም ሆርሞን እትልከይ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዶክተር ናዛኒ ማኣሊ "ኩሎም እዞም ናይ ንጽፈተ-ጽግያት ብድሆታት መፍትሒ ኣለዎም። ደቂ ኣንስትዮ ንጡፍ ጾታዊ ህይወት ንኽቕጽላን ዝያዳ ደስታ ንኽህልወንን ዝሕግዘን ብዙሕ ሕክምናዊን ሕክምናዊ-ዘይኮነን መገድታት ኣሎ:" ትብል።

ኣብ ለንደን ትነብር ጓል 65 ዓመት ሃልዲታ፡ ዋላ'ውን ንጽፈተ-ጽግያት እንተጋጠማ ጾታዊ ህይወታ ግን ክጥጥዕ ጀሚሩ'ሎ።

ንሳ "ኣብ 43 ዓመት ዕድመይ ምስ በዓል ሓዳረይ ተፈላልየ። ምልክታት ቅድመ ንጽፈተ-ጽግያት ድማ ካብ 45-46 ዕድመይ ጀሚሩኒ። ጸኒሐ ግን ኣዝየ ተሓጒሰ! ኣብ መወዳእታ ነጻ ኮይነ። ብሓቂ ኣዝዩ ጥዑይን ምቁርን ጾታዊ ህይወት ከስተማቕር ጀሚረ" ክትብል ተረድእ።

ነቲ ስምዒት ጾታዊ ርክብ ዳግማይ ንምንቕቓሕ ኣገደስቲ ካብ ዝኾኑ ነጥብታት እቲ ሓደ "ንጾታዊ ልምድታትና ዳግማይ ምግምጋም እዩ" ትብል ዶክተር ማኣሊ።

ኣስዒባ "ኩላትና ጾታዊ ርክብ እንታይ ክመስል ከም ዘለዎን ጽቡቕ ጾታዊ ርክብ እንታይ ምዃኑን ዝኾነ ምስሊ ኣለና። ግን ኩነታት ኣካላትና እናተቐየረ ምስ ዝኸይድ ነዚ ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ጽሑፍ ምዕባይን ምቕያርን የድልየና። ኣብዚ ምዕራፍ ህይወትና ንዓይ ጽቡቕ ጾታዊ ርክብ ዝበሃል እንታይ እዩ? ኢልካ ንነብስና ንሕተታ?" ክትብል ተረድእ።

ብተወሳኺ ብልዕቲ ተባዕታይ ናብ ርሕሚ ጓልኣንስተይቲ ምእታው ዝፈጥሮ ኣካላዊ ቃንዛ ዝንክዩ መገድታት ምምራጽ ተስምረሉ።

ከምኡ'ውን "ምልክታት ንጽፈተ-ጽግያት ኣብ ጾታዊ ህይወትክን ጽልዋ ይገብሩ እንተሃልዮም፤ ሓገዝ ሰብሞያ ሕክምና ክትረኽባ ፈትና፤ ተስፋ ኣይትቑረጻ፤ ፈጺምክን ከይትሓፍራ" ትብል።

ዶክተር ሰሰይ ከምእትብሎ ድማ "ሕክምና ምትካእ ሆርሞናት እውን ካልእ ምርጫ እዩ" ብምባል ብዝተፈላለየ መንገዲ ከምዝካየድን ብመልክዕ ጀል፣ ከኒናን ካልእን ከምዘሎን ትሕብር።

ዶክተር ዓዚዛ፡ ንዶክተር ከይረኸብካ'ውን ኣብ ፋርማሲታት ዝሽየጡ ከም ቅብኣትን መርሓሲ ርሕሚ ከምዘለዉ እኳ እንተገለጸት፡ ዝኾነ ሳዕቤናት ከምዘይፈጥሩ ግን ምፍላጥ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ትላቦ።

ነቶም ምድኻም ጭዋዳታት ምድሪቤት ዘጋጥሞም ዘሎ ፊዚዮቴራፒ ምድሪቤት ኣሎ።

"ቅዲ ኣነባብራ ምቕያር፣ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር፣ ፍረታትን ኣሕምልትኻን ምብላዕ፣ መስተ ምንካይ ወይ ምሉእ ብምሉእ ምቑራጽ፣ ሽጋራ ዘይምትካኽን ክብደት ሰብነት ምሕላውን እውን" ነተን ንጽፈተ-ጽግያት ዘካጠመን ኮና ዘየጋጠመን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ትምዕድ።