ጻዕዳ ሽጉርቲ ካብ መግቢ ጊላታት ክሳዕ መግቢ ነጋውስን መድሓኒትን

ኣብ ግራት ፃዕዳ ሽጉርቲ ዝሓዘት ቻይናዊት ሓረስታይ ዘርእይ ፎቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቻይና እታ ዝዓበየት ኣፍራይት ፃዕዳ ሽጉርቲ እያ

ፃዕዳ ሽጉርቲ ንኣሽሓት ዓመታት፡ ብጣዕሙ ጥራሕ ዘይኰነስ ብጥዕናዊ ረብሓታቱ'ውን ንኣሽሓት ዓመታት ዝተኸበረ ኰይኑ እዩ ፀኒሑ።

ፀረ ታህዋስያንን ቫይረሳትን ዝዀነ ፃዕዳ ሽጉርቲ፡ ኣብ ክሽነታትን ባህላዊ ኣፋውስን ኣገዳሲ ኰይኑ እዩ ፀኒሑ።

መበቈሉ ኣብ ማእከላይ እስያ ኰይኑ፡ ሰባት ኣብ ዝስደድሉ ግና ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ተስፋሕፊሑ። ኣብዚ እዋን፡ ቻይና ኣብ ዓለም እታ ዝዓበየት ኣፍራይት ፃዕዳ ሽጉርቲ እያ።

መደብ ቢቢሲ 'ፉድ ቸይን'፡ ንታሪኻውን ባህላውን ረብሓታት ፃዕዳ ሽጉርቲ ብምድህሳስ፡ ብሓቂ ፃዕዳ ሽጉርቲ ይጠቕመናዶ? ብምባል ሓቲቱ ኣሎ።

ፃዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ብዙሓት ምግብታት፡ እቲ ቀንዲ ቀመም እዩ።

ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ንዝመፅኡ ተምሃሮ ናይ ፈረንሳ ምግብታትን ኣሰራርሕኦምን ዝምህር ዴንማርካዊ ከሻኒ ፖል ኤሪክ ጄንሰን፡ ምስ ፃዕዳ ሽጉርቲ ዘይፋለጥ ተምሃራይ ኣጋጢምዎ ከም ዘይፈልጥ ይገልፅ።

"[ፈረንሳውያን] ምቁራት ዘይኰኑ ምግብታት (መረርትን ጨው ዘለዎምን) ብዘይ ፃዕዳ ሽጉርቲ ዝሓስብዎ ኣይመስለንን፡" ይብል።

እንተዀነ፡ ኣብ 1970ታት ኣብ ገጠራት ዴንማርክ ፃዕዳ ሽጉርቲ ዝፍለጥ ኣይነበረን።

ሓያል ጨና ዘለዎ ተገይሩ ይውሰድ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ይጥቀምሉ ኣይነበሩን፤ ቱርካውያን ሸቃሎ ናብታ ሃገር ምስ ኣተዉ ግና ልሙድ ኰይኑ።

ኣብ ክሽነ ናይ ግድን ክህሉ ዘለዎ ቅመም


ፀሊም መትሓዚኡ ካራ፡ ኣብ ጥቓ ኣብ መኽተፊ ጣውላ ዝተዘርገሐ ዘይበሰለ ደርሆን ፃዕዳ ሽጉርትን ዘርእይ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፃዕዳ ሽጉርቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ባህልታትን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል

ጀንሰን ናይ ጣልያን ፒሳታት ብምብላዕ እዩ ምስ ፃዕዳ ሽጉርቲ ተላልዩ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ግና ወትሩ ይጥቀመሉ ኣሎ፡ ብፍላይ ከኣ ሕማማት ንምክልኻል ኣብ እዋን ክረምቲ ዝያዳ ይጥቀመሉ።

"ዝዀነ ሰዓል ወይ ኢንፍሉዌንዛ ሒዙና ኣይፈልጥን። ርግፀኛ እየ ሳላ ፃዕዳ ሽጉርቲ'ዩ፡" ይብል።

ነዊሕ ጕዕዞ

ፀሊም ጓንቲ ዝገበረ ሰብኣይ ኣብ የማናይ ኢዱ ክልተ ርእሲ ፃዕዳ ሽጉርቲ ሒዙ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መበል 20 ክፍለዘበን ስደተኛታት ንፃዕዳ ሽጉርቲ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣምፂአሞ

ፃዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ባህላውን መንፈሳውን እምነታት፡ ንኣሽሓት ዓመታት ኣገዳሲ ኰይኑ እዩ ፀኒሑ።

ጥንታውያን ግሪካውያን፡ ነታ ኣብ ልዕሊ ጥንቆላ ኣስማታዊ ሓይሊ ኣለዋ ኢሎም ዝኣምኑላ ኣንስተይቲ ጣኦት ሄኬት፡ ኣብ ቃራና መንገዲ ፃዕዳ ሽጉርቲ ከም ህያብ የቐምጡላ ነይሮም። ኣብ ግብፂ ድማ ኣብ መቓብር ፎርዖን ቱታንክሃሙን ፃዕዳ ሽጉርቲ ተረኺቡ፤ ድሕሪ ሞት ኣብ ዘሎ ህይወት ክሕልዎ እዩ ተባሂሉ ድማ ይእመን ነይሩ።

ደራሲት መፅሓፍ 'ጋርሊክ፡ ኣን ኢድብል ባዮግራፊ' ሮቢን ቼሪ፡ "ኣብ ዓለም እቲ ጥንታዊ ኣሰራርሓ መግቢ ናይ ሜሶፖታውያን ፀብሒ እዩ። ኣስታት 3,500 ዓመት ገይሩ ኣሎ፤ ኣብኡ ክልተ ፍንጫላት ፃዕዳ ሽጉርቲ ነይሮም" ትብል።

"ፃዕዳ ሽጉርቲ ካብ ሕማም ዝፍውስ (ሕክምናዊ) ንጥረ ነገር ከም ዘለዎ፡ ኣብ ጥንታዊ ሕክምናዊ ፅሑፍ ግብፂ 'ኤበርስ ፓፒረስ' ተኸቲቡ ይርከብ፡" ብምባል ትውስኽ።

ጥንታዊ ግሪኻዊ ዶክተር ሂፖክራተስ፡ ኣብ ሕክምና ፃዕዳ ሽጉርቲ ይጥቀም ነይሩ። ከም ብዓል ኣሪስቶትልን ኣሪስቶፋንስን ዝበሉ ሓሰብቲ ድማ ፃዕዳ ሽጉርቲ ንዘለዎ ሕክምናዊ ረብሓ ንኢዶም'ዮም።

ካብ መግቢ ጊላታት ናብ ንጉሳውያን

ብስልሲ ኮሚደረ፣ሓድሽ ፃዕዳ ሽጉርቲ፣ ጉዕ ካሪብያን፣ ፔኮሪኖንን ዘይቲ ኣውሊዕን ዝተሰርሐ ዓብይ ክቢ ፒዛ ዘርእይ ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ፃዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ኣዚና ንፈትዎ ከም ፒሳ ዝኣመሰሉ ምግብታት ወሳኒ ግደ ኣለዎ

ፃዕዳ ሽጉርቲ፡ ብሰፊሑ ኣብ ጥንታዊት ግብፂ፡ ግሪክ፡ ሮምን ህንድን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነይሩ።

ሮማውያን ወተሃደራት ፃዕዳ ሽጉርቲ ጥንካረ ከም ዝህቦም ይኣምኑ ነይሮም። ናብ ዝተዓወትሎም ከባብታት ሒዞም ብምምፃእ ድማ ተጠቃምነት ፃዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ኤውሮጳ ክሰፍሕ ደሪኾም።

ኣብ ፈለማ፡ ፃዕዳ ሽጉርቲ ድኻታት ወይ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝነብሩ ሰባት እዮም ዝጥቀምሉ ነይሮም።

ቼሪ፡ "ናይ ድኻታት ሰባት ምግቢ'ዩ ነይሩ። ሕሱር'ዩ ነይሩ፤ ንሕማቕ ጣዕሚ ወይ ዝተበላሸወ ምግቢ ክሽፍን ይኽእል'ዩ። ንፕራሚዳት ግብፂ ዝሃንፁ ገላዩ ወይ ባሕረኛታት ንግስነት ሮማ'ውን ይጥቀምሉ ነይሮም፡" ትብል።

ዝና ፃዕዳ ሽጉርቲ፡ ኣብ ዘበነ ተሃድሶ'ዩ ክቕየር ዝጀመረ።

"ፈረንሳዊ ንጉስ ሄንሪ ራብዓይ፡ ብፃዕዳ ሽጉርቲ እዩ ተጠሚቑ፡ ብዙሕ ግዜ ፃዕዳ ሽጉርቲ ይበልዕ ነይሩ፤ እዚ ከኣ (ፃዕዳ ሽጉርቲ) ዝያዳ ስሙይ ክኸውን ገይሩ፡" ትብል ቼሪ።

ኣብ 1950ታትን 1960ታትን፡ ፃዕዳ ሽጉርቲ ናብ ኣመሪካ ብስደተኛታት እዩ ተኣታትዩ። እቲ ዝነበረ ኣሉታዊ ምልከታ ብምህሳስ ድማ ተቐባልነት ክረክብ ኣኽኣለ።

ቼሪ፡ "ፃዕዳ ሽጉርቲ ኣንፃር ኣይሁዳውያን፡ ጣልያናውያንን ኮርያውያንን ንምንዋር ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነይሩ። 'በላዕቲ ፃዕዳ ሽጉርቲ' ተባሂሎም ይፀውዑ ነይሮም፤ ኣሉታዊ ትርጉም ድማ ነይርዎ፡" ብምባል፡ ሰባት ንምሹቕራር ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ከም ዝነበረ ትገልፅ።

ፃዕዳ ሽጉርቲ ከም መድሓኒት

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ መደርደሪ ዝተቐመጡ፡ ዘይቲ ፃዕዳ ሽጉርቲ ዝሓዙ ቢጫ ጠራሙዝን መመላእታታት ፃዕዳ ሽጉርቲ ዝሓዙ ቆፃል ጠራሙዝን ዘርእይ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፃዕዳ ሽጉርቲ ብሕክምናዊ ረብሓታቱ ኣብዚ ግዜ'ኢ እውን ኣዝዩ ዝተኸበረ እዩ

ኣብ ዓለም ልዕሊ 600 ዓሌታት ፃዕዳ ሽጉርቲ ኣለዉ፤ ገሊኦም ኣብዚ ቀረባ እዋን ብደረጃ ዓለም ኣብ ዕዳጋታት ይርከቡ ኣለዉ።

ፃዕዳ ሽጉርቲ ካብ መቃመሚ ፀብሒ ሓሊፉ፡ ዝበዝሕ እዋን ሰዓልን ብዙሓት ጥዕናዊ ፀገማትን ንምፍዋስ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል።

ሕክምናዊ መፅናዕትታት፡ ፃዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ፀቕጢ ደም፡ ኮሌስትሮልን መንሽሮን ዝህልዎ ፅልዋ መርሚሮም። እቶም ርኽበታት ገሊኦም እወታዊ ፅልዋ ክህልዎም እንከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ፅልዋኦም ኣይተረጋገፀን።

ተመራመርቲ ኣብ ኢራን ዘካየድዎ ንኡስ መፅናዕቲ፡ ናይ ፃዕዳ ሽጉርትን ለሚንን ፅማቝ መጠን ኮሌስትሮል ንምትሓት ከም ዝሕግዝ እኳ እንተ ኣረጋግፁ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ስታንፎርድ ዝተኻየደ ዓቢይ መፅናዕቲ ድማ ፃዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ኮሌስትሮል ክንድ'ቲ ፅልዋ ከም ዘለዎ ኣየረጋገፀን።

ፃዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ጥራሕ ከብድኻ ምምጋብ ናይ ከስዐ ምህዋኽ፡ መንፋሕትን ምዝባዕ ኣብ መዓናጡ ዝርከቡ ጠቐምቲ ባክተርያን ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ኣብ 2014 ብዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ ኣብ ፃዕዳ ሽጉርቲ ፀረ ታህዋስያን ዝዀኑ ንጥረ ነገራት ከም ዝርከቡ ኣረጋጊፁ እዩ።

ወሃቢት-ቃል ማሕበር ሰብሞያ ኣመጋግባ ብሪጣንያ ባሀ ባን ደ ቦር፡ "ፃዕዳ ሽጉርቲ ልዑል ፖታሽየም፡ ዚንክን ሳልፈርን ዝሓዘ'ዩ። ንጥዕና ስርዓተ ምሕቓቕና ፅቡቕ እዩ፡" ትብል።

ኣብ መዓልቲ ሓደ ወይ ክልተ ፍንጫል ጥረ ፃዕዳ ሽጉርቲ ምጥቃም፡ ውሑስ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ምውሳድ ግና ፀገማት ከስዐን መዓናጡን ስለ ዘስዕብ ምጥንቃቕ ኣገዳሲ ይኸውን።