ብሓቂ ንጥዕና ዝጠቕሙ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ኣለዉ ድዮም?

መግብታትን ጽማቛትን

ኣመና ዝተመስርሑ (ultra-processed) መግብታት መብዛሕትና እናፈተናዮም እንርሕቖም ዓይነታት መግቢ እዮም።

ምኽንያቱ፡ እዞም መግብታት ምስ ሕማም ልቢ፡ መንሽሮን ጭንቀትን ዝርከብዎም ልዕሊ 30 ዝዀኑ ጥዕናዊ ጸገማት ምትእስሳር ከም ዘለዎም ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ገለ ተመራመርቲ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ኣብ ጥዕና ዘለዎም ሳዕቤን ዝገልጽ ዘየወላውል መርትዖ ከም ዘየሎ ይገልጹ።

እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታትን ድኹም ጥዕናን ቀጥታዊ ዝምድና ከም ዘሎ ዘመልክቱ ብዙሓት መጽናዕትታት እውን ኣለዉ።

ኣብ ብሪቲሽ ሜዲካል ጆርናል ዝተሓትመ ካብ 9.9 ሚልዮን ሰባት ካብ ዙርያ ዓለም ዝተረኽበ ሓበሬታ ምርኵስ ዝገበረ ሓደ መጽናዕቲ፡ እቶም መግብታት ምስ ልዑል ተኽእሎ ከም ወቕዒ ልቢ ዝኣመሰሉ መትነ-ልቢ (cardiovascular) ሕማማት፡ ክራሸ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ርጕዲ፡ ዓይነት 2 ሽኮርያ፡ ናይ ድቃስ ጸገማት፡ ጭንቀትን ቃዝኖትን ምትእስሳር ከም ዘለዎም ይጠቅስ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሓት ሰባት ንኸምዚኦም ዝበሉ መግብታት ካብ መዓልታዊ ኣመጋግባኦም ከወግድዎም ይረኣዩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኣኸቢታት እውን ብዛዕባ እዞም መግብታት ኣሉታዊ ርእይቶ ምንባብ ወይ ምስማዕ ልሙድ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።

ግን ኵሎም ዝተመስርሑ መግብታት ጐዳእቲ ድዮም? ወይስ ብሓቂ ንጥዕና ረብሓ ዘለዎም ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ኣለዉ?

ነዞም ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ንኽኢላ ኣመጋግባ ሮ ሃንትሪስ ተወኪስናያ...

ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ኣየኖት እዮም?

ባኒ

ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት፡ ዝተፈላለየን ብርክት ዝበለን መግለጺ ዝዋሃቦም እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገዛ ኣብ ዝዳሎ መግቢ ዘይንጥቀመሎም መቃምምቲ ዘለዎም እዮም።

መብዛሕትኦም ንመልክዕ፡ መቐረትን ቅርጽን እቶም መግቢ ንምምሕያሽ ዝውዕሉ፡ ኬሚካላት፡ መቐየሪ ሕብርን መመቀርን እዮም።

ፍሪቕሪቕ ዝብሉ መስተ፡ ካራሜለን ቺክን ናገትን ከም ኣብነት ይጥቀሱ። እንተዀነ፡ ገለ ዓይነታት ሕብስቲ፡ ኣብ ቍርሲ ዝዝውተሩ ሲርያልስን ርግኦን ከጠቓልሉ ይኽእሉ።

ንጥዕና ረብሓ ዘለዎም ኣመና ዝተመስርሑ መግብታትከ?

ኣብ ካልኦት ዓይነታት ይዅን ኣብ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት፡ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ምምጣን እዩ።

ገለ ካብቶም ኣመና ዝተመስርሑ ዝበሃሉ መግብታት ድማ፡ "ከም ኣካል ናይቲ ጥዕና ዘለዎን ሚዛናውን ኣመጋግባ" ክካተቱ ቅቡል ከም ዝዀነ ክኢላ ኣመጋግባ ሮ ሃንትሪስ ትጠቅስ።

"ብዙሕ ዘይተመስርሑ መግቢታት ኣብ ዘለዎ ቅልጡፍ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ዘይተመስርሐ ኣመጋግባ ምኽታል ልዑል ረብሓ ምሃለዎ። ግን በቃ ንመብዛሕትኦም ሰባት ክውንነታዊ ኣይኰነን፡" ትብል ሃንትሪስ።

ገለ ንጥዕና ረብሓ ክህልዎም ዝኽእሉ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ከም ዘለዉ ወሲኻ ትገልጽ።

ሽኮር ዘይተወሰኾ ዘይተመጻረየ እኽሊ፡ "ከም ቪታሚን ቢን ካልሲየምን ሓጺንን ዝኣመሰሉ ማዕድናትን ዝሃብተመ እዩ፤ እቲ ዝመዓድ መዓልታዊ ኣመጋግባና ክነማልእ ድማ ይሕግዘና።

"ብተወሳኺ ምንጪ ጽሕጊ (ፋይበር) ስለ ዝዀነ፡ ንጥዕና ልብን ስርዓተ ደምን፡ ንቡር መስርሕን ጥዕናን መዓንጣ ከምኡ'ውን መጠን ሽኮር ደም ንምቍጽጻር ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል።"

በሲሉ ዝተዓሸገ ባሎንጓ፡ እዚ ኣቐዲሙ በሲሉ ንኣተሓሕዛ ምቹእ ምእንቲ ክኸውን፡ ንነዊሕ ግዜ ንምዕቃብ ተባሂሉ ምስ ምቁርን ጥዑምን ስጎ ኣብ ታኒካ ዝዕሸግ ባሎንጓ እዩ።

ከምዚኦም ዝበሉ መግብታት፡ "ልዑል ፕሮቲን፡ ጽሕጊን ኣሕምልትን ዝኣመሰሉ መኣዛታት ዝሓዙ ኰይኖም፡ ኣብ ውሽጦም ዝርከብ መጠን ስብሒ ትሑት እዩ። ከም ሓጺን፡ ዚንክን ቪታሚናት ቢን ብዝኣመሰሉ ማዕድናት'ውን ዝሃብተሙ እዮም። ገሊኦም ጨው ዝውሰኾም'ኳ እንተዀኑ፡ ተወሳኺ ሽኮር ዘይብሎም ፍርያት'ውን ኣለዉ፡" ትብል እታ ክኢላ ኣመጋግባ።

ባሎንጓ

ዝተዓሸገ ዘይተመጻረየ እኽሊ ምስ ዝተቘርሰ ባኒሮ ሃንትሪስ ከም እትብሎ፡ "ዘይተመጻረየ እኽሊ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ጽሕጊ፡ ፕሮቲን፡ ቪታሚን፡ ጸረ-ኦክሲዳንት፡ ካልሲየምን ሓጺንን፡" እዮም ዝዕሸጉ።

"በዞም ኣእኻል ዝሃብተመ ኣመጋግባ ንብዙሓት ሕዱር ኵነታት ጥዕና ናይ ምቅላዕ ሓደጋ ክንኪ ከም ዝገብር ተረጋጊጹ እዩ፣ ኣብ መዓልቲ 30 ግራም ጽሕጊ ንኽንረክብ ድማ ይሕግዝ።"

ዘይተመቐረ ጸባ ኣዳጉራ ሶያ ወይ ካብ ተኽሊ ዝተዳለወ መስተ፡ ከምዚኦም ዝበሉ መስተታት ኣመና ዝተመስርሑ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ፡ ትሕዝቶ ቪታሚን ቢ፡ ኣዮዲንን ቫይታሚን ዲን ከም ዘለዎም እታ ክኢላ ኣመጋግባ ትጠቅስ።

"ብቪታሚናትን ማዕድናትን ዝተሃብተሙ ፍርያት እንተ መሪጽና፡ ምስ ጸባ ላም ማዕረ ካልሲየም ክህቡና ይኽእሉ፡ እዚ ድማ ጥዕና ዓጽሚ ክውስኽ ዝሕግዝ እዩ፡" ትብል።

ኣገዳሲ ጥንቃቐ

ክኢላ ኣመጋግባ ሮ ሃንትሪስ፡ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ክንዕድግ ከለና ጥንቃቐ ክንገብር ከም ዘለና ትምዕድ።

"ገለ [ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት] ጸዓት፡ ልዑል ተወሳኺ ሽኮር፡ ጨውን ዝዘቕበበ ስብሕን ኣለዎም፡" ትብል።

ብተወሳኺ፡ ኣብዞም መግብታት ዝርከብ መጠን ጽሕጊ ትሑት ክኸውን ተኽእሎ ከም ዘሎ ተጠንቅቕ።

ብሰንኪ እቲ ዝሓልፍዎ ነዊሕ መስርሓት ድማ መኣዛዊ ትሕዝቶም ትሑት ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ትሕብር።

ስለዚ፡ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ኣብ እንዕድገሉ እዋን፡ መቐመምን ትሕትኦምን ክነስተብህል ከም ዘለና ትምዕድ።

"ብዙሕ ልዕሊ ዓቐን ዝተመስርሑ መግብታት ዘጠቓልል ኣመጋግባ ኣይምከርን፡" ክትብል ትቕጽል።

"መጽናዕትታት ኣብ መንጎ ኣመጋግባ ኣዝዩ ዝተመስርሑ መግብታትን ዝርግሐ ስብሒ፡ ሕማማት ልብን ስርዓተ-ደምን መንሽሮን ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ'ዩ፡ ትብል።

ካልኦት ዝተረፉ ኵሎም ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ዘይጠቕሙ ወይ 'ጃንክ' መግብታት ድዮም?

ቾኮሌት

ስለዚ፡ ብዘይካ እቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ መግብታት፡ ካልኦት ኵሎም ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ዘይጠቕሙ ድዮም?

ብሓቂ ከምኡ ማለት ኣይኰነን ትብል ክኢላ ኣመጋግባ ሮ ሃንትሪስ።

"ሓሓሊፉ ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት ምብላዕ ኣብ ጥዕና ዝዀነ ሓደጋ ከስዕብ ተኽእሎ የሎን፡" ትብል።

"ኬክ፡ ባሽኮትን ደረቕ ዝተጠብሰ ድንሽን ብዙሓት ሰባት ከም ኣካል ኣመጋግባኦም ዘስተማቕርዎም መግብታት እዮም። ጥዑይ ኣመጋግባ ምኽታል ማለት፡ ምምጥጣን ወይ ሚዛን ምሕላው ማለት እዩ።"

ኣመና ዝተመስርሑ መግብታት መዓልታዊ ክፋል ኣመጋግባና ዘይኰኑስ ሓሓሊፉ ጥራይ እነስተማቕሮም መግብታት ክዀኑ ምግባር ቀሊል ሕጊ ከም ዝዀነ ተመልክት።

"ብዙሕ ስብሒን ልዑል ሽኮር ዘለዎምን መግብታት ብተደጋጋሚ ክውሰዱ ዘይግባእ እኳ እንተዀነ፡ ሓሓሊፉ ከም ኣካል ጥዑይን ሚዛናውን ኣመጋግባ ክሕወሱ ይኽእሉ እዮም፡" ትብል።

ጥዕናና ንምሕላው ድማ ሃንትሪስ ኣብዞም ዝስዕቡ መሰረት ዝገበረ ኣመጋግባ ክንክተል ትምዕድ፤

  • ዘይተመጻረየ እኽሊ
  • ፍረታትን ኣሕምልትን
  • ከም ፉል ዝበሉ ጥረምረን ኣዝርእትን
  • ትሑት ስብሒ ዘለዎም ፕሮቲን መግብታት
  • ኣብ ክንዲ ዝዘቕበበ ስብሒ (ተዋጽኦ እንስሳታት)፡ ዘይዘቕበበ ስብሒ (ብቐንዱ ካብ ኣትክልትን ዓሳን ዝዳለዉ) መግብታት
  • ጸባ ወይ ብካልሲየም ዝሃብተመ ካልእ ኣማራጺ ጸባ
  • ውሑድ ጨው
  • ከምኡ'ውን ኣብ ሰብነትና ሕጽረት ፈሳሲ ወይ ማይ ምውጋድ።