ንጓል ትሽዓት ወርሒ ቈልዓ ትቃጸል ካብ ዝነበረት መኪና ዘውጽኡ ሰባት ተሞጒሶም

መግለጺ ቪድዮ, ኣሌክስ ነቶም ጀጋኑ ዝበለቶም ዌስሊ በይኖንን ማርክ ዊልዲንግን ነታ ኣብ ውሽጢ ትቓጸል ዝነበረት መኪና ዝነበር ጓላ ስለ ዝድሓኑዋ ናእዳኣ ገሊጻትሎም

ዌልስ በይኖንን ማርክ ዊልዲንግን፡ መርቲር ቲድፊል ኣብ ዝተባህለት ከተማ ዌልስ፡ ሓንቲ ብትኪ ዝተዓብሎኸት መኪና ምስ ረኣዩ፡ ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም'ዮም ክሕግዙ ጎዮም።

ኣብኡ ምስ በጽሑ ከኣ ጓል ትሽዓት ወርሒ ቆልዓ ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ምህላዋ ርዮም፡ ህይወቶም ከይበቐቁ ከድሕንዋ ክኢሎም።

ኣደ እዛ ህጻን ኣሌክስ ማክሊን ኣብ ዌክስ ኣብ ሓደ ጽርግያ እናዘወረት እንከላ፡ መኪናኣ ክትተክክ ምስ ጀመረት ደው ኣቢላታ።

ንሳ ወጺኣ፡ ነታ ኣብ ውሽጢ ዝነበረት ጓል ትሽዓት ወርሒ ጓላ ከተውጽኣ ማዕጾ ክትከፍቶ ምስ ፈተነት ግን ምኽፋት ኣብይዋ።

እታ መኪና ካብ ትኪ ሰጊራ ብቅድሚት ቃል ቃል ክትብል ምስ ጀመረት ዌስሊ በይኖንን ኣኩኡ ማርክ ዌልዲንግን ነታ ማዕጾ ከትከፍት ትጋደል ዝነበረት ኣሌክስ ንኽሕግዝዋ መኪነኦም ደው ኣቢሎማ።

ዌስሊ ብናይ ኣውቲስታ ማዕጺ ብምእታው ነታ ጓል ትሽዓት ወርሒ ሊላህ ኣውጺእዋ ማርክ ከኣ ተቐቢሉ ናብ ድሓን ዝዀነ ቦታ ኣርሒቑዋ።

ድሕሪ ውሑዳት ካልኢት ከኣ እታ ሚና ምሉእ ብምሉእ ብባርዕ ተሸፊና።

ወላዲት እዛ ህጻንን እቶም ዘድሓንዋ ዌስሊን ማርክን ብቀዳም ንምምስጋን ኣብ ዝተራኸብሉ፡ ማርክ ሊላህ ብዛዕባ እቶም ህይወታ ዘድሓንዋ ክልተ ሰብኡት እናሰምዐት'ያ ክትዓቢ፤ ብፍጹም ከኣ ኣይክትርስዓናን'ያ ኢሉ።

ኣሌክስ፡ ሊላህ ካብዚ ባርዕ ዝኾነ ሃስያ ከይበጽሓ ምውጻኣ ንዌስሊን ማርክን ኣመስጊና
መግለጺ ስእሊ, ኣሌክስ፡ ሊላህ ካብዚ ባርዕ ዝዀነ ሃስያ ከይበጽሓ ምውጻኣ ንዌስሊን ማርክን ኣመስጊና
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጓል 21 ዓመት ኣሌክስ ብረቡዕ ከባቢ ሰዓት ሓደን ዕስራን ናይ ቀትሪ፡ ምስ ጓላ ሊላህ ብመኪና ናብ መጻወቲ ትኸይድ ነይራ።

መኪናኣ ብሃንደበት ናይ ሓደጋ መብራህቲ ከተርእያ ጀሚራ።

እንታይ ጸገም ከም ዘለዋ ክትርእያ ደው ምስ በለት እታ መኪና ብትኪ ተዓብሊኻ።

ወሪዳ ጓላ ከተውጽእ ማዕጾ ክተከፍቶ ኣብ ዝፈተነትሉ ምኽፋት ኣብይዋ፤ እቲ ዝነበራ ስንባደ፡ በቲ ናይ ኣውቲስታ ማዕጾ ኣትያ ንጓላ ከተውጽኣ ክትሓስብ ኣየኽኣላን።

"ኣዝየ'የ ሰንቢደ፡ ነቲ ማዕጾ ክኸፍቶ ምስ ፈተንኩ ኣብዩኒ። ኩሉ መዓጹ ዝተዓጽወ መሲሉኒ ከኣ ከእዊ ጀሚረ፡" ኢላ።

ኣሌክስ ካብተን ብጥቃኣ ዝሓልፋ ዝነበራ መካይን ሓገዝ ንምርካብ ክትውጭጭ ጀሚራ።

በቲ ሒዛቶ ዝነበት መፍትሕ ነቲ ፍኒስትራ ክትሰብሮ ፈቲና'ውን ክዀነላ ኣይክኣለን።

"ጓለይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ብኽፉእ ክትጠፍእ'ያ ኢለ ብስንባደ ሃለዋተይ ከጥፍእ ቀሪበ፡" ትብል።

ወዲ 39 ዓመት ዌስሊ ስርሑ ምልሓም ሓጺን ኰይኑ ምስ ኣኩኡ ናብ ስራሕ'ዮም ዝኸዱ ነይሮም።

ነታ ብጭንቀት ትውጭጭ ዝነበረት ኣሌክስ ምስ ርኣይዋ ኸኣ ብቅጽበት መኪናኦም ደው ኣቢሎም እንታይ ከም ዘጋጠመ ሓቲቶማ።

"እታ ቈልዓ ኣብ ውሽጢ እታ ብትኪ ክትሽፈን ጀሚራ ዝነበረት መኪና ምስ ርኣናያ ኣዚና ሰንቢድና፡" ብምባል ነቲ ክስተት ይዝክሮ።

"ናብ ውሽጢ ኣትየ ነቲ ኣሲርዋ ዝነበረ ቁልፊ ክፈትሓላ ከለኹ በቲ ፍኒስትራ ይርእዮም ነይረ። ሕጂ ኣይሕሱን'የ ኣዝዩ ዘሰንብድ'ዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ሊላህ ካብቲ ሓደጋ ምስ ወጽአት ድሕሪ ቁሩብ ካልኢታት እታ መኪና ቃልቃል ክትብል ጀሚራ።

"ቁሩብ እንተንዱንጒ እቲ ታሪኽ ካልእ ምዀነ ነይሩ። ድሕሪ ኣስታት 30 ካልኢት እንተነወሐ ከኣ ድሕሪ ሓደ ደቂቕ እታ መኪና ቃል ቃል ኢላ። ኣብ ግቡእ ግዜ ኢና ኣብቲ ግቡእ ቦታ በጺሕና፡" ብምባል ከኣ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ዝነበረ ሓደጋ ገሊጽዎ።

ወዲ 58 ዓመት ማርክ ብወገኑ፡ እታ ቈልዓ ካብታ መኪና ከይወጽአት ካብቲ ቦታ ፈጺሞም ምንቕ ከም ዘይምበሉ'ዩ ሓቢሩ።

"ብዝተኸኣለ መጠን ብኹሉ ነገር ፈቲንና ነታ ቈልዓ መውጻእናያ ነይርና፡"።

ኣሌክስ ማክሊን ብ14 ጥሪ ንጓላ ናብ መጻወቲ ቦታ እናወሰደታ እንከላ’ያ እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዋ

ምንጪ ስእሊ, Alex McClean

መግለጺ ስእሊ, ኣሌክስ ማክሊን ብ14 ጥሪ ንጓላ ናብ መጻወቲ ቦታ እናወሰደታ እንከላ'ያ እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዋ

ኣሌክስ፡ ጓላ ሊላህ ዝዀነ ዘሰክፍ ሓደጋ ከም ዘየጋጠማ ብምግላጽ ነቶም ህይወት ጓላ ዘድሓኑላ ዌስልን ማርክን ዘለዋ ናእዳን ምስጋናን ብምግላጽ ናይ ምስጋና ህያብ ኣበርኪታትሎም።

ብምስዓብ "ንዝሕግዘኒ ሰብ ክሳብ ክንድዚ ኣድኒቐዮ ኣይፈልጥን። ካልኦት ረጊጾሙኒ ዝሓለፉ ሰባት ነይሮም'ዮም። ናይ ብሓቂ መድሕን ህይወት'ዮም፡" ኢላ።

"ንሶም እንተዘይረድኡኒ እቲ መፈጸምታ ካልእ ምዀነ። ንውዕለቶም ከኣ ብፍጹም ኣይክርስዖን'የ። ሊላህ ከኣ እንታይ ከም ዘጋጠመን ብኸመይ ህይወታ ከም ዝድሓነን እናተዘንተወላ'ያ ክትዓቢ እያ፡" ኢላ።

ኣሌክስ፡ ዌስሊን [ጸጋም] ማርክን [የማን] በቲ ዝገበርዎ ጅግንነት ንዘልኣለም ከምእተመስግኖምያ ገሊጻ
መግለጺ ስእሊ, ኣሌክስ፡ ዌስሊን [ጸጋም] ማርክን [የማን] በቲ ዝገበርዎ ጅግንነት ንዘልኣለም ከምእተመስግኖምያ ገሊጻ

ዌስሊ ብወገኑ፡ ንሱን ኣኩኡን ብማዕከናት ዜና ጀጋኑ ተባሂሎም ምስ ተወደሱ፡ ናእዶም ክገልጹ ብዝደልዩ ሰባት ኣዝዩ ብዙሕ ተሌፎናት ከም ዝተደወሎ ሓቢሩ።

እቲ ንጽቡቕ ተግባሮም ዝተውሃቦ ኣፍልጦ'ኳ እንተተቐበሎ፡ ክፍለጡን ክንኣዱን ኢሎም ነቲ ተግባር ከም ዘይፈጸምዎ ጠቂሱ።

ዌስሊ ብምስዓብ "እቲ ዝገበርናዮ ኣብ ህይወት ሊላህ ጥራይ ዘኰነ ኣብ ህይወት ኣሌክስን ስድራኣን ሓደ ነጥበ መቐይሮ'ዩ። ንሊላህ እንተዘይነውጽኣ ነይርና ህይወቶም እንታይ ክመስል ይኽእል ከም ዝነበረ ክትሓስቦ'ዩ ዘፍርሕ፡" ኢሉ።

ንኻልኦት መራሕቲ መካይን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ከኣ "ደው ኢልኩም ሓግዙ፡ ልክዕ ከምቲ ንሕና ዝገበርናዮ ንእሽተይ ሓገዝ ብምግባር ህይወት ናይ ካልእ ሰብ ክትቅይሩ ትኽእሉ ኢኹም" ኢሉ።