'ይቕረታ ማማ፡ ሰባት ንምሕጋዝ ዝመረጽኩዎ መንገዲ እዩ'

ራፋት ሬድዋን ቅድሚ ምቕታሉ ንመጥቃዕቲ ወተሃደራት እስራኤል ይስእሎ ነይሩ
መግለጺ ስእሊ, ራፋት ሬድዋን ቅድሚ ምቕታሉ ንመጥቃዕቲ ወተሃደራት እስራኤል ይስእሎ ነይሩ

"ራፋት ምስ ተቐትለ ልበይን ነፍሰይን ሞይቱ፡" ትብል ሓጃህ ኡም መሓመድ - ኣደ ናይቲ ኣባል ህይወት ኣድሕን ፍልስጤም ዝነበረ'ሞ፡ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትለ።

ወዲ 23 ዓመት ራፋት ሬድዋን ብ23 መጋቢት ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ንምሃብ ምስ ዝጓዓዛ ዝነበራ ቃፍላያት፡ ብማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም እናተጓዓዘ እንከሎ እዩ ኣብ መጥቃዕቲ ወተሃደራት እስራኤል ዝወደቐ። 15 ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ድማ ህይወቶም ሓለፈ።

"እቲ ከባቢ 'ሓምላይ' ተባሂሉ ዝተመደበ ስለ ዝነበረ፡ ማለት ኣምቡላንስ ክንቀሳቐስኦ ክፉትን ውሑስን ብምዃኑ፡ ክቕተል እዩ ኢለ ፈጺመ ኣይሓሰብኩን፡" ትብል ሓጃህ ኡም መሓመድ።

እስራኤል ኣብ ፈለማ፡ እቲ ቃፍላይ ብዘይ መብራህቲ ይጓዓዝ ብምንባሩ፡ "ብዓይኒ ጥርጣረ፡" ስለ ዝተራእየ ወተሃደራት ተዅሲ ከም ዝኸፈቱ ገሊጻ ነይራ።

ኣብ ተለፎን ራፋት ዝተረኸበ ቪድዮ ግና ደብዳብ ዝተኻየደሎም ሰባት ህጹጽ ረድኤት ንምሃብ እናተጓዕዙ ከለዉ፡ እተን ቃፍላይ መካይን መብራህቲ ወሊዐን ከም ዝነበራ ዘርኢ እዩ።

ኣብቲ ቪድዮ ራፋት፡ "ይቕረታ ማማ! ሰባት ንምሕጋዝ ዝመረጽኩዎ መንገዲ እዚ እዩ፡" ክብል ቅድሚ ሞቱ ይስማዕ።

ኣደኡ - ኡም መሓመድ - ደጊም ከም ዘይትርእዮ ስለ ዝፈለጠ እዩ ይቕረታ ዝሓትት ዝነበረ።

"ራፋት ናብ ስራሕ ክወፍር እንከሎ፡ ኣምላኽ ኢዱ ከንብረሉ ኵሉ ሳዕ እጽሊ ነበርኩ፡" ትብል። "ወደይ ተባዕ እዩ፣ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ቓዛ እናተሳገረ ይጓዓዝ ነይሩ።"

ራፋት፡ ሓማስ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱን እስራኤል ከም ግብረ-መልሲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 መጠነ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ጸረ-መጥቃዕቲ ምስ ከፈተትን እዩ ኣባል ቀይሕ ወርሒ ኰይኑ ብወለንታኡ ከገልግል ጀሚሩ።

ኡም መሓመድ፡ ወዳ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዘሐጕሶ ትዛረብ።

"ነቶም ውጉኣት፡ ሕክምና ምእንቲ ክረኽቡ ብመንገዲ ራፋሕ ኣቢሎም ናብ ግብጺ ክሳገሩ'ውን ምስኦም ተጓዒዙ እዩ፡" ትብል።

ኣብታ ዕለት ብዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝሞትሉ፡ ራፋት ሓገዝ ንምሃብ ምስታ ኣምቡላንስ ከም ዝኸደ ትገልጽ።

"ንሱ ንባዕሉ ሓደ ካብኣቶም [ካብቶም ዝሞቱ] ከም ዝኸውን ኣይፈለጥኩን፡" ትብል።

እቲ ፍጻመ፡ ብ30 መጋቢት ሬሳኦም ቅድሚ ምርካቡ ሓደ ሰሙን ኣቐዲሙ ዝተኸስተ እዩ።

"ኣብ ክንዲ ምስ ራፋት ኴንና ዒድ ኣልፈጥር ነብዕሎ፡ ሬሳኡ ካብ ሆስፒታል ናስር ኣምጺእና ምእንቲ ክንቀብሮ ምስ ቀይሕ ወርሒ ብምዃን ናብ ካን ዩኒስ ኬድና፡" ትዝክር።

"ኣዝዩ መሽሚሹ ስለ ዝነበረ ክርእዮ ኣይፈቐዱለይን።"

እቶም ኣባላት ቀይሕ ወርሒ ሓመድ-ኣዳም ኣብ ዝለበስሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቶም ኣባላት ቀይሕ ወርሒ ሓመድ-ኣዳም ኣብ ዝለበስሉ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኡም መሓመድ ወዳ ኣዝዩ ቅኑዕ ሰብ ከም ዝነበረን ኵሎም ኣሕዋቱ ምስ ተመርዓዉ ደጋፊ ኣደኡን ኣቦኡን ከም ዝነበረ ትዛረብ።

እቲ ራፋት ዝቐረጾ ቪድዮ ምስ ተረኽበ፡ እስራኤል እተን ቃፍላያት መብራህቲ ከይወልዓ ይጓዓዛ ከም ዝነበራ ዝሃበቶ ሓበሬታ ግጉይ ምንባሩ ተኣሚና።

እቶም ወተሃደራት ሬሳ ናይ'ቶም ራፋት ዝርከቦም 15 ሰራሕተኛታት ካብ መብላዕቲ ኣራዊት ንምክልኻል ክብሉ ኣብ ሑጻ ከም ዝቐበሩዎም ሓደ ብዓል ስልጣን እስራኤል ገሊጹ።

ከም ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ትካላት ብውሑስ መንገዲ ናብቲ ቦታ ክሓልፉ ስለ ዘይከኣሉ፡ ክሳዕ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እቲ ፍጻመ ኣይተቓልዐን ነይሩ።

ሓደ ጕጅለ ረድኤት ነቶም ሬሳታት ምስ ረኸቡዎም፡ ነቲ ፍጻመ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ሞባይል ራፋት ተቐሪጹ ረኺቦም።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ "ቅደም ተኸተል ናይቲ ዝነበረ ፍጻመታትን ኣተሓሕዛ ናይቲ ጕዳይን ንምርዳእ፡" ነቲ ፍጻመ "ብዕምቈት ክምርምሮ፡" ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ቀይሕ ወርሒን ካልኦት ብዙሓት ኣህጉራዊ ትካላትን ድማ ናጻ መርመራ ክካየድ ይጽውዑ ኣለዉ።

እቲ እንኮ ካብቲ ፍጻመ ዝደሓነ ሙንተር ዓበድ፡ ዝዀነ መጠንቀቕታ ከይተዋህቦም ከም ዝተተኰሰሎም ይዛረብ።

ነቲ ዝነበረ ኵነታት ከብርህ ከሎ ድማ፡ "ብድሕሪት መኪና ናብ መሬት ወዲቐ፣ ብዘይካ ናይ ጻዕረ-ሞት ድምጺ መሳርሕተይ ዝዀነ ካልእ ድምጺ ኣይሰማዕኩን፡" ይብል።

"ብድሕሪኡ፡ ፍሉይ ሓይሊ እስራኤል መጺኦም ኣሲሮምኒ። ኣብ ልዕሊ መሳርሕተይ እንታይ ከም ዘጓነፈ ምእንቲ ከይርኢ ርእሰይ ሒዞም ገጸይ ናብ መሬት ደፊኦምኒ።"

ኣብ ዓይኑ ዝዓቘረ ንብዓቱ ክመልስ እናጸዓረ፡ "ኵሎም ከም ዝተሰውኡ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣዝየ ተጐዲአ። ካልኣይ ስድራቤተይ እዮም ነይሮም - ኣሕዋተይ፡ ኣዕሩኽተይ፡ ዝፈትዎም ሰባት።

"ነቲ ዘሰቅቕ ካብ ምርኣይ፡ እንተ ዝመውት ምተመነኹ።"

ኣብቲ ዝተኣሰረሉ እዋን ተለፎኑ ከም ዝተመንዝዐ ድማ ይዛረብ።

"ን15 ሰዓታት ብመግረፍቲ፡ ጸርፊ፡ ኣካላውን ቃላውን ስቅያት ብምውራድ መርሚሮምኒ፡" ይውስኽ።

ቢቢሲ ነዚ ጥርዓን ንምርግጋጽ ናብ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል እኳ እንተ ኣቕረቦ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና መልሲ ኣይረኸበን።

ሙንተር ዓበድ፡ እቲ እንኮ ካብቲ ፍጻመ ዝደሓነ
መግለጺ ስእሊ, ሙንተር ዓበድ፡ እቲ እንኮ ካብቲ ፍጻመ ዝደሓነ

እቲ ትካል ህይወት ኣድሕን ቀይሕ ወርሒ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ ቦታ ብወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ከም "ቀይሕ ዞባ" ከም ዘይተመደበ እዩ። እዚ ማለት፡ ናብቲ ቦታ ንምእታው ኣቐዲምካ ምርድዳእ ምግባር ከም ዘየድሊ እዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ቪድዮ ወተሃደራውያን መካይን እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ከም ዘይነበራ እዩ ዘርኢ።

መባእታዊ ጸብጻብ መርመራ ሬሳ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ኣባላት ህይወት ኣድሕን፡ "ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ሬሳ ብብዝሒ ጠያይት ተወጊኦም፡" ከም ዝተቐትሉን እዩ። "ደይ-መደይ ኢልካ ከም ዝተቐትሉ ተወሳኺ መርትዖ እዩ፡" ክብል ድማ ገሊጹዎ።

ብተወሳኺ፡ ሰራዊት እስራኤል ምስቶም ዝተቐትሉ ኣባላት ሓማስ ምንባሮም ዝገልጽ ንዘቕረቦ ግሲ ነጺጉዎ።

ሓላፊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሌፍተናንት ጀነራል ኢያል ዛሚር፡ ውጽኢት መርመራ ናይቲ ዝተኻየደ ፍጻመ ከም ዝቐረበሉን፡ "ብዝያዳ ብዕምቈት ክስዕብን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት እቲ ሓፈሻዊ መርመራ ክዛዘምን፡" መምርሒ ከም ዝሃበን ገሊጹ።

ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 1200 እስራኤላውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 50,750 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።

ኣብ ጥሪ ዝተኣወጀ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መጋቢት ከም ዝፈረሰ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ 58 ጅሆታት ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ከም ዘለዉን ካብዚኦም እቶም 24 ብህይወት ከም ዘለዉ ይእመን።