ሱዳን ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጸገማት ንምፍታሕ ህጹጽ ኣኼባ ምጽዋዓ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Water, Irrigation & Energy/FB
ሱዳን ብሰንኪ እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾን ካልኣይ ገጽ ማይ ንምምላእ ትሸባሸበሉ ዘላን ዓቢ ግድብ ህዳሰ: ምስ ኢትዮጵያ ኣጋጢምዋ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ህጹጽ ኣኼባ ከምዝጸወዐት ማዕከን ዜና ሱና ኣቃሊሓ።
ብመንግስቲ እትውነን ማዕከን ዜና ሱና "ቀዳማይ ሚኒሰተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕማድን ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ሞስጣፋ ማድቦሊን ነቲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ በጺሑ ዘሎ ዘተ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልታት ስሉሳዊ ዘተ ብምግባር መፈትሒ ክገብርሉ ተማሕጺኑ" ክትብል ኣቃሊሓ።
ቀዳማይ ሚኒሰተርዓብደላ ሓምዶክ "እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ደረጃ በጺሑ ስለዘሎ ኢትዮጵያ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ቅድሚ ምጅማራ ኣቐዲምካ ዘተ ብምክያድ ናብ ዝቅጽል ምዕራፍ ከስግር ዘኽእል ስምምዕ ክብጻሕ ኣለዎ" ምባሉ ማእከን ዜና ሱና ጸብጺባ።
ኣቀዲሙ ን10 ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ርክባት ዋላ እኳ ጽቡቕ ክብሃል ዝኽእል ምዕባለታት እንተኣመዝገበ: ፍረ ከምጽእ ዘይምኽኣሉ ከምዘሕዝኖ ዝገለጸ ቀደማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ: እዚ ሕጂ ዝጽውዖ ዘሎ ስሉሳዊ ዘተ ምስቲ ኣብ 23 መጋቢት 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝሳነ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ብወከልቲ እተን ሃገራት ዝግበር ዘተ ኣብ ስምምዕ ምስ ዘይበጽሕ፡ መራሕቲ ሰለስቲኤን ሃገራት ተራኺቦም መፍትሒ ሓሳብ ንኸምጽኡ ክላዘቡ ዝብል ዝርከቦ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ እቲ ስሉሳዊ ዘተ መራሕቲ ሰለስቲኤን ሃገራት: ዕጹውን ብቪድዩ ዝካየድን ከምዝኸውን'ውን ገሊጹ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ቅድሚ ምጅማራ ሓበሬታ ንምልውዋጥ፡ ግብጽን ሱዳንን ሰብ ሞያ ክውክላ ዘቕረበትለን ጻውዒት ነጺገንኦ'የን።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝመጽእ ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ (ሓምለን ነሓሰን ከምኡ'ውን መስከረም) ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከም እተካይድ ሰብ ሞያ እታ ሃገር ገሊጾም ነይሮም።
ግብጽን ሱዳንን ከኣ፡ እታ ሃገር እትሃንጾ ዘላ ገዚፍ ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዝምልከት ኣብ ግዱድ ስምምዕ ከይተበጽሐ: ምምላእ ማይ ክተካይድ የብላን ኢለን ክጉስጉሳ ምጽንሐን ይፍለጥ።
ኢትዮጵያ፡ ክልቲአን ሃገራት ዘቕርብኦ ሕቶ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ እንከላ፡ እቲ ግድብ ማይ ክሕዝ ናይ ምግባር ስራሕ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝርርብ እናተኻየደ'ውን ክኸውን ዝኽእል ከም ዝኾነ ትገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ከተማ ኪንሻሳ ተራኺበን ዘካየድኦ ዘተ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ክበተን እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ምስ ግብጽን ሱዳንን ሓበሬታ ንምልውዋጥ ንክጥዕም ሰብ ሞይአን ከፍልጥኣ ሓቲታ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ'ቲ ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ ከይተበጽሐ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ዝሕግዙ ሰብ ሞያ ከፍልጥኣ ዘቕረበትለን ጻውዒት ግብጽን ሱዳንን ኣይተቐበልኦን ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና ንመግለጺ ሚኒስትሪ ማይን መስኖን እታ ሃገር ጠቂሱ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ኣብ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ሓበሬታ ምልውዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ስምምዕ ካብ ሞንጎ ዝተበጽሓሎም ጉዳያት ኣብ ውሱናት ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ጥርጣረ ከም ዝፈጠረሉ ገሊጹ።
ሱዳን ንመስኖን ዝስተ ማይን ዘድልያ መጠን ማይ፡ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ሕዳሰ ቅድሚ ምጅማራ: ኣብቲ 600 ሚሊየን ሜትር ኲዩብ ማይ ክሕዝ ዝኽእል ግድብ ጀበል ኣወልያ ክትዓቚር ምዃና ሱና ጸብጺቡ።
ህንጸት እቲ ግድብ ንምዝዛም 20 ሚኢታዊት ከም ዝተረፎ ክግለጽ እንከሎ፡ ሙሉእ ስርሑ ምስ ጀመረ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







