ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ግድብ ህዳሰ በረራታት ከይካየድ ኣጊዳ

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, MAXAR TECHNOLOGIES VIA REUTERS

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ግድብ ህዳሰ በረራታት ከይካየድ ከምዝኣገደት ኣፍሊጣ።

እቲ ስጉምቲ ንውሕስነትን ጸጥታ እቲ ግድብ ተባሂሉ ዝተሰወስደ ምዃኑ ሓላፊ ብዓልመዚ ኣቬሽን ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ እቲ ግድብ ድሕሪ 12 ኣዋርሕ ጸዓት ምምንጫዉ ክጅምር ምዃኑ ፕረዚደንት'ታ ሃገር፡ ወ/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ትማሊ ንፓርላማ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ 4.8 ቢልዮን ዶላር ዝውድእ ግድብ ንቁጠባኣ ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝኾነ ትገልጽ፡፡

እንተኾነ፡ ኣብ ታሕታይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ሱዳንን ግብጽን እቲ ግድብ ንትሕዝቶ ማይና ይጎድእ እዩ ብዝብል ዘይምስምማዕ ገጢምዋ ኣሎ፡፡

ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ኣየራ ነቲ ግድብ ንምክልኻል ድሉው ምዃኑ ምስገለጸ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እያ በረራ ከልኪላ ዘላ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብርጋዴር ጀነራል ይልማ መርዳሳ ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ናይ ውግእ ነፈርቱ ከምዝመደበን፡ ኮነ ኢሉ ይኹን ከይሓሰቦ ነቲ ግድብ ንምጉዳእ ንዝመጽእ ጸላኢ ግብረ መልሲ ንምሃብ ተዳልዩ ከምዘሎ ሓቢሩ፡፡

ሓላፊ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ድማ፡ ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዓበይቲ ፕሮጀክትታተን፡ ነፈርቲ ኣቋሪጸን ከይሓልፋ ምኽልካል ልሙድ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ዝዓበየ ግድብ ኣፍሪቃ

ግድብ ህዳሰ ድሕሪ 12 ኣዋርሕ ጸዓት ምምንጫዉ ክጅምር ምዃኑ ፕረዚደንት'ታ ሃገር፡ ወ/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሎሚ ንፓርላማ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ።

ዛጊት እቲ ግድብ 4.9 ቢልዮን ክዩቢክ ሜትር ማይ ዝዓቖረ ኮይኑ፡ እዚ መጠን ነቶም ክልተ ተርባይናት ከንቀሳቕስ ዝኽእል እዩ፡፡

ህንጸት እቲ ግድብ ምስ ተዛዘመ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ግድብ ከምዝኸውንን ንኣስታት 65 ሚልዮን ኢትዮጵየውያን ናይ ኤሌክትሪክ ጠለብ ከምዘማልእን ይግለጽ።

ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ማይ ፈለግ ኒል ዝተመርኮሰት ግብጺ ግና እቲ ግድብ ንህላወኣ ዘስግእ ከምዝኾነ እያ እትሕብር፡፡

ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዋሽንግተን ዘካየደኦ ተደጋጋሚ ዝርርባት ብዘይስምምዕ ዝተበተነ ኮይኑ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ናብ ዘተ ክጅምር ጸቕጢ ይገብር ኣሎ፡፡

ድሕሪ ምጅማር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ፡ መጠን ማይ ፈለግ ኒል ከምዝቐነሰ ዝገለጸት ሱዳን፡ ብዝኾነ ይኹን ኣካል ዝግበር በይናዊ ስጉምቲ ከምዘይትቕበል ኣጠንቂቓ እያ፡፡

ኣመሪካ ብወገና፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ስሉሳዊ ስምምዕ ከይተበጽሐን ኣድላዪ ስራሓት ድሕነት ከይተማለኣን፡ እትህባ ገንዘባዊ ሓገዝ ደው ከም እተብሎ ምግላጻ ዝዝከር እዩ፡፡