ምቁራጽ ዕድላት ንግዲ ኣጎዋ ኣብ ልዕሊ ፋብሪካታትን ሰራሕተኛታትን ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ስግኣት

ክዳውንቲ ዝሰፍያ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, EYERUSALEM JIREGNA

ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ተጠቀምቲ ናይቲ ኣጎዋ ተባሂሉ ዝፍለጥ- ኣመሪካ ንሃገራት ኣፍሪቃ እትህቦ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝኾነ ንግዳዊ ዕድላት እያ ነይራ።

በዚ ድማ ብፍላይ ፍርያት ኣጭርቕትን ክዳውንትን ካብ ቀረጽ ነጻ ብዝኾነ መገዲ ናብ ኣመሪካ ክትልእኽ ብምኽኣላ ብዙሓት ኣፍረይቲ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕ ብምጅማሮም ብኣሽሓት ዝቑጸር ናይ ስራሕ ዕድላት ፈጢሩን ነታ ሃገር ምንጪ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኮይኑን እዩ።

ሕዚ ግና፡ በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ካብ መጻኢ ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳውያን ጀሚሩ ኢትዮጵያ ካብቲ ዕድላት ተጠቃሚት ከይትኸውን ተወሲኑ ኣሎ።

እዚ ስጉምቲ፡ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ኲናት ጠጠው ንክብል እትግበሮ ጸቕጢ ሓደ ኾይኑ፡ እቲ ውሳነ በቲ ኲናት ዝተዳኸመ ቁጠባ እታ ሃገር ዝገደደ ክሃስዮ ከምዝኽእል ይግመት።

ነዚ ዕድላት ተጠቒሞም ምህርቶም ናብ ኣመሪካ ብዘይቀረጽ ካብ ዝልእኹ ፋብሪካታት ልዕሊ 12 ኣብ ሃዋሳ ዝርከቡ ኾይኖም፡ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ቆጺሮም የስርሑ።

ሓደ ካብ'ቶም ፋብሪካታት፡ ካብ ሆንግ ኮንግ ዝመጽአ ኤፒክ ግሩፕ ዝበሃል ኣጭርቕቲ ዘፍርይ ኩባንያ ይርከቦም።

ኣመሪካ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተፈጺሞም ብዝተብሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰር፡ ነዚ ስጉምቲ ምውሳዳ ነቲ ፋብሪካ ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ይገልጽ።

ምክትል ፕረዚደንት እቲ ኩባንያ ዝኾነ ራሂት ናይር "ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕ ዝጀመርና ነዛ ሃገር ሓዊሱ ትሕቲ ሳህራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ብነጻ ቀረጽ ኣቕሓ ናብ ኣመሪካ ክልእኻ ዝተውሃበን መሰል ስዒቡ እዩ ነይሩ፤ ሕዚ ግን እቲ ኩናታት ኣዝዩ እዩ ዘጨንቕ" ኢሉ።

እቲ ውሳነ ንስራሕቶም ኣዝዩ ከምዝሃሲ ብምጥቃስ "ድሕሪ ሕዚ ናብ ካልእ ሃገር ክንከድ ክንግደድ ኢና፤ ኣብ ኢትዮጵያ ምዃንና ዝጠቕመና ነገር የለን" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።

ከም በኣል ኤፒክ ኣፓሬልስ ዝኣመሰሉ ፋብሪካታት ዓሰርተ ኣሸሓት መናእሰይ ቆጺሮም የስርሑ ነይሮም።

ካብ መንጎኦም ብበዝሒ ደቂኣንስትዮ ዝርከበአን ኮይነን፡ እቲ ኣብ ዕድል ተጠቃምነት ኣጎዋ ዝተነብረ ውሳነ ኣብ ናብረአን ጉድአት ከብጸሐለን ከምዝኽእል ይሰግኣ።

ንተኸታታሊ ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ካብ ዘመዝገቡ ሃገራት ሓንቲ እያ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ብዙሓት ኢንዱስትሪያዊ ፓርክታት ሃኒጻ፡ እቲ ዝጀመረቶ ቁጠባዊ ዕቤት ኣጠናኺራ ንምቕጻል ኣብ እትህቅነሉ እዋን እዩ እዚ ኲናት ተወሊዑ፤ ንዕኡ ስዒቡ ድማ ካብ ኣጎዋ እትረኽቦ ዝነበረት ዕድል ዝተኸልአት።

እቲ ኣብ ትግራይ ክልል ተጀሚሩ ናብ ካልኦት ክልላት ዝለሓዄ ኲናት፡ ልዑል ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዐበ ኾይኑ፡ ቁጠባ እታ ሃገር'ውን እንተኾነ ጸንቂቑ ከምዝወደኦ ይዝረብ።

ጥሩወርቅ ኣብ ፋብሪካ ኣጭርቕቲ ኤፒክ ኣፓሬልስ ካብ ዝሰርሓ ክልተ ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እያ።

ኣደ ክልተ ቆልዑ እንትትኸውን፡ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ስድራኣ እተመሓድሮም ኣብዚ ፋብሪካ ሰሪሓ ካብ እትረኽቦ ኣታዊ እዩ።

ጥሩወርቅ፡ "እቲ ፋብሪካ ዝዕጸ እንተኾይኑ ናብ ገዛ ተመሊሰ ሸቕሊ ኣልቦ ምዃን እዩ ዝጽበየኒ። ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ፋብሪካ እንተዘይህሉ ነይሩ፡ እዞም ኩሎም መናእሰይ እንታይ ምዃኑ ነይሮም ኢለ እየ ዝሓትት ነይረ" ኢላ።

"ሕዚ ግን ኩሎም ናብ ኣዲኦምን ኣቦኦምን ክምለሱ እዮም። ናይ ቤተሰቦም ሸኽሚ እዮም ክኾኑ።"

እቲ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎዋ ናይ ምእላይ ስጉመቲ፡ 'ዘሕዝን' ክትበል ዝገለጸቶ ኾይና፡ እቲ ውሳነ ተግባረዊ ቅድሚ ምዃኑ እታ ሃገር ነቲ ውሳነ ደጊማ እንተትሪኦ ትምነ።

ኣጎዋ ንቁጠባ ኢትዮጵያ ፡ በብዓመቱ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ዶላር ዘርክብ ኮይኑ፡ ንኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣጭርቕትን ክዳውንትን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ከምዝነበረ ይዝረብ።

ብዙሓት ሸቃሎ መናእሰይ፡ እቲ ነቲ ውሳነ ምኽንያት ዝኾነ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብን፡ እቲ ውሳነ ክዕጸፍ ተስፋ ይገብሩ።

ኢትዮጵያ ብኣጎዋ ኣቢላ ኣብ 2020 ጥራሕ 237 ሚሊየን ዶላር ዝግመት ኣቕሓ ናብ ወጻኢ ሰደድ ገይራ ከምዝገበረት መረዳእታ የመልክት።

ኣጎዋ ቅድሚ 20 ዓመታት ብኮንግረስ ኣመሪካ ካብ 2000 ክሳብ 2008 ክትግበር ዝጸደቐ ኮይኑ፡ በብግዚኡ እናተናወሐ ዝመጽአን ሰፊሕ ዕድላት ንግዲ ንድኻ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝህብን እዩ።