ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተለት ተኣሚና

ምንጪ ስእሊ, Courtesy DVIDS
ኣመሪካ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሶማልያ ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተለት ተኣሚና።
እቲ ካብ ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ ኮማንድ ኣመሪካ ዝወጽኣ ሓበሬታ፡ በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ሰለስተ ድማ ቆሰሊሎም ክብለ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ክልተ ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ሓደ ሓረስታይን ሰራሕተኛ ኩባንያ ተለኮም ምቕታሉ ተገሊጹ ነይሩ።
ሓለፊ ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ ኮማንድ ኣመሪካ፡ ጀነራል ስቲቨን ታውንሰንድ፡ ሞት እቶም ሰላማውያን ሰባት ብዙሕ ከምዘጉሃዮ ተዛሪቡ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ ኮማንድ ኣመሪካ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ 2020 ጥራይ ኣብ ሶማልያን ሊብያን 91 ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ።
ሓላፊ እቲ ኮማንድ ጀነራል ታውንሰንድ፡ ኣፍሪኮም ብዛዕባ ኣብ ሰላማውያን ዝወረደ መጉዳእቲ ዝገልጽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ጸብጻብ ከምዘዳሉ ሓቢሩ።
ንሱ፡ ሰባት ብዛዕባ መጉዳእቲ ሰላማውያን ሰባት ዝኾነ ክሲ እንተ ኣልዩዎም ኣብ መርመብ ሐበሬታ ናይቲ እዚ መጺኦም ክሶም ከቕርቡን ክመዝግቡን ኣተሓሳሲቡ።
ትካል ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣመሪካ ኣብ ሰማልያ 20 ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተለት እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ቁጽሪ ይነጽጎ እዩ።
ጉጅለ ኣልሸባብ ምስ ኣል-ቃዒዳ ምትሕብባር ዘለዎ ኮይኑ፡ ንዝበዝሐ ደቡባውን ማእከላይን ክፋል ሰማልያ ተቆጻጺርዎ ይርከብ።
እዚ ጉጅለ፡ ኣብ ኬንያ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽምን፡ ኣብዚ ዞባ ሓደገኛ ዕጡቕ ምዃኑን ይንገረሉ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ እዚ ጉጀለ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኬንያን ኣሜሪካን መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ሰለስተ ወተሃደራት ኣሜሪካን ሓደ ኮነትራክተርን ቀቲሉ ምንባሩ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







