ትራምፕ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ግድብ ኣባይ ብኸመይ ጠሊምዋ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምኽንያት ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሞንጎ እተን ንነዊሕ ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ምሓዙታ ዝኾና ኢትዮጵያን ግብጽን ወጥሪ ነጊሱ ኣሎ።
መንቀሊኡ፡ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ [ኒል] እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ እዩ።
እዚ ድማ፡ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝገጠሞ ዓብዪ ዲፕሎማሲያዊ ፍሽለት ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ግብጺ ምናልባት'ውን ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ግድብ "ክተዕንዎ" ትኽእል እያ ምባሉ ይፍለጥ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ እዚ ዓመት'ውን (2020) "ሰላም ንክመጽእ" ብምግባር ሽልማት ኖቤል ሰላም ንዓይ'ዩ ዝግብኣኒ ነይሩ ኢሉ'ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ኤርትራ ብዘአንፈቶ ሰላም ሽልማት ኖቤል ምስ ተቐበለ፡ ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ "ኲናት ደው ክብል'የ ገይረ። ንኽልቲኦም ኣድሒነዮም" ኢሉ።
ትራምፕ ብዛዕባ መነ መንን'ዩ ዘውግዕ ነይሩ ቁሩብ ደንገርገር ዘብል ነይሩ።
ግን ድማ፡ ኣብ ሓደ እዋን "ዝፈትዎ መላኺ" ክብል ዝገለጾ ፕሬዝደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ብምኽንያት ግድብ ሕዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምቅዳው ንክፈትሕ ብመሰረት ዘቕረበሉ ዕድመ ሞንጎኛ ብምዃኑ እዩ ዝመስል።
እቲ ግድብ፡ ግብጺ ንሃለዋታ "ቐጻሊ ስግኣት" ከም ዝኾነ እያ ትርድኦ፤ ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ንቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ (ጸዓት) ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ትኣምን።
ትራምፕ፡ 'ንኢትዮጵያውያን፡ ተምሳሌት ጽልኣት'
ራሺድ ኣብዲ፡ ኣብ ኬኒያ ዝርከብ ተንታኒ ድሕነት ምብራቕ ኣፍሪቃ እዩ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ክተዛቲ ሞንጎኛ ምዃና ውጥጥ ኢትዮጵያን ግብጽን ክዓርግ እያ ገይራ ይብል።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ "ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ሓለዋ ተጽዕቕ እያ ዘላ" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "እቲ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ፡ ክልል ኣየር እቲ ግድብ ዝርከበሉ ክልል ቤንሻንጉል ዝተኸልኸለ ምዃኑ ምእዋጅ ዝሓውስ እዩ. ኣብ ክሊ እቲ ግድብ ጸረ ነፈርቲ ተኸላ ከም ዘላ'ውን ይዝረብ። እዚ ምናልባት ግብጺ ካብ እትገብሮም ናይ ስለላ በረታታት ብምስጋእ ዝተላዕለ ክኸውን ይኽእል" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብዚ ብምብጋስ ራሺድ፡ ትራምፕ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲ ከመይ ከም ዝሰርሕ ኣይተረድኦን ብምባል ይገልጾ።
"ናይ ሃገር ጉዳይ ልክዕ ከም ስምምዕ ንግዲ ኣብ ዝደለኻዮ ክትገድፎ ትኽእል ኢኻ ዝብል ዝተሓዋወሰ ርድኢት ኣለዎ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ብመሪሕነት ሚኒስትሪ ገዳይ ወጻኢ ክፍጸም እናገተብኦ ግምጃ ቤት እታ ሃገር ንልዝብ እተን ሃገራት ክመርሖ ገይሩ። ሳዕቤኑ ድማ ድሮ ሕማቕ ከም ዝኾነ ክንርኢ ጀሚርና" ክብል የረድእ።
ቅድም ኢሉ፡ ኢትዮጵያ ንግብጽን ሱዳንን ከየማኸረት እቲ ግድብ ማይ ምምላእ ጀሚራ እያ ብዝብል፡ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ክትህባ ተሰማሚዓ ዝነበረት ሓገዝ 100 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝሰረዘቶ ኣፍሊጣ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጸገም ጸጥታን ድሕነትን ዝበዝሖ ተኳሳሒ ከባቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ምቅላስ የማነይቲ ኢድ ኣመሪካ ኮይና ጸኒሓ እያ።
ሕጂ ግን "ኢትዮጵያ፡ ብኣመሪካ ከም ዝተጠልመት'ዩ ዝስምዓ፤ ትራምፕ ድማ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ጽልኣት ሰብ'ዩ" ይብል ተንታኒ ራሺድ ኣብዲ።
በዚ ምኽንያት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብቲ 3 ሕዳር 2020 ዝካየድ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ጆ ባይደን ክዕወት ክደልዩ'ዮም ኢሉ።
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዓለምለኻዊ ልምዓት ላዕለዋይ ክኢላ ፖሊሲ ጂዩድ ሞር፡ ምምሕዳር ትራምፕ ሓደ ካብ ዓለምለኻዊ ሸቶታቱ ኣብ ሞንጎ እስራኤል ሃገራት ሊግ ዓረብን ዝምድና ምፍጣር ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንግብጺ ክውግን ምርኣይ ዘደንቕ ኣይኮነን ይብል።
ግብጺ ምስ እስራኤል ነዊሕ ዝገበረ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ስለ ዘለዋ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ንእስራኤል ኣፍልጦ ንክህባ ሓገዝ ፕሬዝደንት ኣልሲሲ ኣብ ዝደልየሉ እዋን፡ ንግብጺ ከቖጥዓ ከም ዘይኽእል ይግምት።
"ስለዚ፡ እቲ ምምሕዳር ኣካል እቲ ብምኽንያት እቲ ግድብ ዝተፈጥረ ዘይምቅዳው ኮይኑ፡ ኣብ ጎኒ ግብጺ ኣሎ" ብምባል የብርህ።
ዝምድና ዓረብ - እስራኤል መልክዕ ዘትሕዘሉ ፖሊሲ ትራምፕ፡ ክሳብ ሱዳን ዝበጽሐ ኮይኑ እዚ ትራምፕ ዲፕሎማሲያዊ ዕልዋ ንከካይድ ኣኽኢሉዎ እዩ ዝብል ሞር፡ ክልተ ሰሙን ዘይመልእ ግዜ ተሪፉዎ ዘሎ መረጻ ኣመሪካ ቅድሚ ምርካቡ እተን ሃገራት ምስ እስራኤል ዝነበረን ዝምድና ናብ ንቡር ክምለስ ገይሩ'ዩ አሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋላ'ውን ግዚያዊ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሱዳን እቲ ስምምዕ መውጽኢ ሕጊ ኣካል ምስተጣየሰ ዝጸድቕ እዩ እንተበለ፡ ነታ "ምስ እስራኤል ፍጹም ሰላም ክህሉ ኣይኽእልን፣ ንእስራኤል ዝወሃብ ኣፍልጦ የለን፣ ዝርርብ ኣይህሉን" ዝበለ ብ1967 ኣኼባ ዓረብ ሊግ ክጋባእ ገይራ ዝነበረት ሱዳን ግን ዓብዪ ስጉሚ'ዩ።
ፕሬዝደንት ትራምፕ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ዝዕወት እንተኾይኑ ድማ፡ ሱዳንን ግብጽን ብምኽንያት እቲ ግድብ ንዘልዕልኦ ሕቶ ኢትዮጵያ ክትምልስ ጸቕጢ ክገብረላ እዩ።
ሱዳን'ውን፡ ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ኣመሪካ እትስረዘሎን ቑጠባዊ ሓገዝ እትረኽበሉን ዕድል ከጋጥማ ይኸውን።
እንተኾነ፡ "ምስ እስራኤል ዝምድና ምፍጣር ዝብል ሱዳናውያን ከፋፊሉዎም'ዩ። እዚ፡ ኣብታ ብድሕነትን ሰላምን ትፍተን ዘላ ሃገር ድሕሪ ግዜ ዓርሱ ዝኽኣለ ስግኣት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ብምባል ክኢላ ፖሊሲ ሞር ስግኣቱ ይገልጽ።
ምስ ቻይና ዘሎ ወጥሪ
ተንታኒ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ራሺድ ኣብዲ፡ ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኽተሎ ፖሊሲ ውጽኢት "ሓድሽ ዝሑል ኲናት" ኣመሪካን ቻይናን እዩ ይብል።
ሓደ ኣብነት ድማ የልዕል።
ቻይና ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣለዋ፤ እዚ ኣብ ጥቓ ኣመሪካ ኣብ ሶማሊያ ንዝርከቡ እስላማውያን ዕጡቓት መጥቃዕቲ ኣየር እትፍጽመሉ መዓስከር እዩ ዝርከብ።
እዚ መዓስከር ኣመሪካ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ የመን ኣንጻር ግብረ ራዕዲ ዝቃለሰሉ ትሕዝቶይ እዩ ብዝብል ትወስዶ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
"ኣብ ቀረባ፡ ተዋጋእቲ ጀት ኣመሪካ ናብ መሬት ይመጽኡ ነይሮም፤ ቻይና ድማ እቶም ኣመሪካውያን ኣብረርቲ ንግዚኡ ዓይኖም ከዕውር ዝኽእል መሳርሒቲታት ኣብሪሃትሎም። እዚ ዋላ'ውን ኣብ ፊልም ጀምስ ቦንድ ዘይትጽበዮ ነገር ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።
ወሲኹ፡ "ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣንጻር ቻይና ዘቕንዐ ፖሊሲ ክትኽተል እንከላ ቻይና ድማ ሓይላ ገቢሉ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት እያ ፈጢራ" ኢሉ።
እናዓበየ ንዝመጽእ ዘሎ ቑጠባዊ ጽልዋ ቻይና ንምምካት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብ2018 ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበሮ ጠመተ ክውስኽ ገይሩ'ዩ።
"ብኹሉ ሸነኻት ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዘሎ መጠን ንግዲ ብኽልተ ዕጽፊ ክዓቢ ደልዮም። እዚ ንኣፍሪቃ ዓብዪ ዕድል'ኳ እንተኾነ፡ ገና ብኸመይ ክፍጸም ከም ዝኽእል ይሓስብሉ'ዮም ዘለው" ይብል ሞር።
ኣመሪካ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝደለየቶ ወፍሪ ኣብ ነዳድን ጋዝን ኣፍሪቃ እኳ እንተነበረ፡ እዚ ብምኽንያት ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ኩነታት ከም ዘንቆልቆለ ይዛረብ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ብ2019 ኣብታ ሃገር ዘለው ኩባኒያታት ናብ ኣፍሪቃ እግሮም ንከእትው ኮርፖሬሽን ልምዓት ፋይናንስ ዝብል ብመንግስቲ ዝምወል ፕሮግራም ጀሚሩ እዩ።
"ኩባኒያታት ቻይና ፋይናንስ ሒዞም ስለ ዝኣትው ምስኦም ክወዳደሩ ከም ዘይክእሉ ስለ ዝፈልጡ ሕጉሳት ኣይነበሩን። ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዓውዲ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ እንተወሲድና፡ ዓንዲ ሑቖኦም ኣብ ቻይና ዝተሞርኮዘ'ዩ" ይብል ሞሪ።
'ንዕቐት' ንሕብረት ኣፍሪቃ
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ስምምዕ ዕድላትን ልምዓትን ኣፍሪቃ (ኣጎዋ) ኣብ 2025 ከብቅዕ እንከሎ ንከጥፍኦ ወሲኑ'ዩ።
እዚ፡ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዝነበረ ቢል ክሊንተን ዝፈረሞ ፖሊሲ ኣፍሪቃ ኮይኑ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዕዳጋ ኣመሪካ ዕድል ንክረኽባ ዘፍቅድ እዩ።
ተንታኒ ፖሊሲ ሞር ከም ዝብሎ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ክልትኣዊ ስምምእ ንግዲ ትኹረት ከም ዝገብርን ድሮ ምስ ኬንያ ጀሚሩ ከም ዘሎን ይዛረብ።
ኬንያ፡ ስሕበት ቑጠባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮይና ኣካል ተበግሶ ሮድ ኤንድ ቤልት ቻይና እያ።
ኣመሪካ ድማ፡ እዚ እታ ጎብለል ኤዥያ ምስ ኣፍሪቃ ተኸታታሊ ንግዳዊ ርክብ ንክህልዋ ኢሉ ድማ ዓለምለኻዊ ተሰማዕነታ ንምስፋሕ ትጥቀመሉ ኣላ ኢላ ትኣምን።
"ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ኬንያ ስምምዕ ንግዲ ክህልዎ ይደሊ'ዩ፤ እዚ ድማ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክፈጥሮ ንዝደሊ ዝምድና መንኳሕኩሒ ክጥቀመሉ'ዩ። ኬንያ'ውን ረብሓ ኣጎዋ ብዝግባእ ስለ ዝተጠቐመትሉ ምስ ኣመሪካ ዝህልዋ ንግዲ ክትስእኖ ስለ ዘይትደሊ ነዚ ተቐቢላቶ'ያ" ይብል ሞር።
እቲ በዓል ሞያ ከም ዝብሎ፡ ቑጠባ ሃገራት ኣፍሪካ ተወሃሂዱ ናብቲ ዓብዪ ዓለምለኻዊ ቐጠና ናጻ ዕዳጋ ክጽምበር ዝደሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣመሪካ ንዒቓ እያ ትርእዮ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኬንያ ምስ ኣመሪካ ዝጀመረቶ ዝርርብ ክሕድሰና የብሉን ዝብል ሞር፡ "ሃገራት ኣፍሪቃ ዕዳጋ እየን ዝደልያ ዝብል ካርዲ ኣመሪካ ሒዛቶ ኣላ። ድሕሪ መረጻ ኣመሪካ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ይምጻእ፡ ኬንያ ዘለዋ ክልትኣዊ ስምምዕ ክትደፍኣሉ እያ" ኢሉ።
ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዘለዎ ፖሊሲ ግልጺ ኣይኮነን።
"ግን ድማ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ገዜ ኦባማ ዝነበረ ፖሊሲ ክደግም ይከውን። ካብ 2000 ጀሚሩ ናብ ኣፍሪቃ ዓመታዊ ምብጻሕ ምስ እትገብር ቻይና ክነጻጸር እንከሎ ግን፡ ኣብ ሞንጎ ኣፍሪካን ኣመሪካን ዘሎ ምብጽጻሕ ውሑድ እዩ" ብምባል ሞር የረድእ።
"ንኣፍሪቃ ዝተሓተ ቀዳምነት ክህብ ምምሕዳር ትራምፕ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን፤ ቅድሚኡ'ውን ካብዚ ዝኸፍአ እዩ ነይሩ"።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







