ኢትዮጵያ፡ 'ዝኾነ ይኹን ጸቕጥን ምፍርራሕን ኣይንቕበልን'

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Simona Granati - Corbis

ኣብ ልዕሊ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ምፍርራሕ ግጉይ፣ ረብሓ ዘይብሉን ዓለማዊ ሕጊ ዝጥሕስን ከምዝኾነ ቤት ጽሐፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ትማሊ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝካየድ ልዝብ ብሕረት ኣፍሪቃ ካብ ዝተሓዝ ንደሓር ጽቡቕ ምዕባለ ከምዘምጸአ ብምግላጽ፡ አትዮጵያ ፍትሓዊ ዘይኮነ ውዕል ክትቅበል ዝወሃቡ ጎንጺ ዘልዕሉ መግለጺታትን ምፍርራሓትን ከምዘይትቕበል ገሊጹ።

እታ ልዕሊ 85 ምኢታዊት ትሕዝቶ ማይ ሩባ ናይል እተበርክት ኢትዮጵያ ኣብ ፍትሓውን ምኽንያታውን ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ተወፋይነት ከም ዘለዋ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ህንጸት ግድብ ህዳሰን ሉኣላውነት ኢትዮጵያን ዝግበር ምፍርራሕ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

እታ ሃገር ንዝኾነ ኣብ ጎነጽ ዝተመስረተ ኣካይዳ ከምዘይትምብርከኽን ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንዝተመስረቱ ውዕላት ከምዘይትግዛእን እውን ይገልጽ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ምስ መራሕቲ ሱዳንን እስራኤል ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዘተ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ዝካየድ ስምምዕ ከምዘፍረሰትን እዚ ድማ ሓደገኛ ከምዝኾነን ተዛሪቡ ነይሩ።

ብተወሳኺ እተን ሃገራት ናብ ጎንጺ ክኣትዋ ከምዝኽእላን ግብጺ ነቲ ግድብ ክተዕንዎ ከምእትኽእልን ገሊጹ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ እውን ኣብ ትዊተር፡ "ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከምዘሎ ዘይፈልጥ" ክብል ንፕረዚደንት ትራምፕ ነቒፍዎ።

"ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት ዝጎደሎ መግለጺታት ኣይንፈርሕን" ዝበለ ኣቶ ሃይለማርያም " ታሪኽ ንኹልና ክምህረና እዩ" ኢሉ።