ሓላፍነቶም ‘ብዘይኣገባብ ተጠቒሞም’ ዝተባህሉ ኣባላት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, Addis Ababa Police
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓላፍነቶም ‘ብዘይኣገባብ ተጠቒሞም’ ዝተባህሉ ሓሙሽተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
እቶም ኣባላት ፖሊስ ነቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝብገስ ስግኣታት ንምክልኻል ዓሊሙ ኣብ ዝተደንገገ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ንዝተዋህቦም ሓላፍነት ብግቡእ ብምዘይምጥቃሞም ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ወሃቢ ቓል ፖሊስ እታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፡ እቶም ኣባላት ፖሊስ ካብ ሞንጎ እሱራት ንኸፍትሑ ምስ “ደለልቲ” ናይ ገንዘብ ስምምዕ ይፍጽሙ ምንባሮም ተዛሪቡ።
ኣርባዕተ ደለልቲ’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ገሊጹ።
ናብ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ምቕራቦም ኮነ ብዛዕባ ዝቐረበሎም ክሲ ዝሃብዎ ግብረ-መልሲ ዝምልከት ግን ዝተፈለጠ ነገር የለን።
ብኻልእ ወገን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ክላሽንኮፍን ሽጉጥን፣ ክዳውንቲ ፖሊስ፣ ገንዘብ፣ ናይ ሞባይል ሲምካርድ፣ ስኑዓት መለለዪ መንነትን ሳተላይት ስልክታት ከም ዝተትሓዙ እቲ ኮማንደር ሓቢሩ።
ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ምህላዎም ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ሃገራዊ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ከም ዝተኣወጀ ይፍለጥ።
እቲ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ኣካላት ጸጥታ ንሰባት ኣብ ቁጽጽር ከውዕሉ፣ ንጥርጡራት ብዘይፍርዲ ክኣስሩ ከምኡ’ውን ብዘይገለ መጠንቀቕታ ሃንደበታዊ ናይ ገዛ ንገዛ ተፍትሽ ከካይዱን ሙሉእ ስልጣን ሂብዎም ኣሎ።
ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ዝፍጸም ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ ሻቕሎቶም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።
ፖሊስ ንሰባት ብመንነቶም እናፈለየ ኣብ ቀይዲ የውዕል ምህላዉ ዝገልጹ ክስታት’ኳ እንተቐረበሉ፡ ነቶም ክስታት ይነጽጎም።
ክንደይ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝርከቡ ኣየነጸሩን፤ ብቢቢሲ ተሓቲቶም’ውን ዝርዝር ካብ ምሃብ ተዓቂቦም።
ዝበዝሑ ተወለድቲ ትግራይ ዝርከብዎም ብውሑድ 1,000 ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ዝገልጽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካልኦት ምንጪታት ግን እቲ ቁጽሪ ልዕሊኡ ምዃኑ ከም ዘመልክቱ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ውሽጢ ቂርቆስ ዝተባሃለ ሓደ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ልዕሊ 700 ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







