ቅልውላው ኢትዮጵያ: ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተነቢሩ ዝጸንሐ ኣዋጅ እቶ እቶ ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Adama City BDK
ምስቲ ኢትዮጵያ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ቅድሚ መዓልታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተነቢሩ ዝጸንሐ ኣዋጅ እቶ እቶ (ገደብ ሰዓት ሕላፍ) ከምዝተልዓለ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ኩሉ ከባብታት ክልል ኦሮሚያ ተግባራዊ ክኸውን ዝተደንገገ ኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ፤ ነበርትን ተሽከርከርትን ኣብ ሰዓታት ምሸት ንዝገብርዎ ምንቅስቓስ ዝግድብ ነይሩ።
ዋና ዓቃቢት ሕጊ እቲ ክልል ወይዘሮ ኣዱኛ ኣሕመድ ንማዕኸናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፤ እቲ ተነቢሩ ዝነበረ ዝጸንሕ ገደብ ምንቅስቓስ ንግዚኡ ከምዝተልዓለ ኣፍሊጣ።
ኣብቲ ክልል ካብ ምሸት ሰዓት 02፡00 ክሳብ ወጋሕታ 11፡30 [08፡00 – 05፡30] ናይ ሰባትን ተሽከርከርትን ምንቅስቓስ ተገዲቡ ምጽንሑ ምኽትል ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ክልል ኣቶ ግዛቸው ገቢሳ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ዋና ዓቃቢት ሕጊ ክልል ኦሮሚያ ወይዘሮ ኣዱኛ፤ እቲ ገደብ ሰዓታት ክለዓል ዝተገበረሉ ምኽንያት በቲ ክሳብ ሕዚ ክካየድ ዝጸንሐ ስራሕቲ ዝሓሸ ውጽኢት ስለዝተረኸበ ብምዃኑ’ዩ ክትብል ሓቢራ።
ብተወሳኺ ድማ እቲ ዝተነበረ ኣዋጅ እቶ እቶ ኣብ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳት እቲ ክልል ጽዕንቶ ከይፈጥር ብዝብል ክለዓል ከምዝተገበረ ገሊጻ።
ቅድም ክብል ተነቢሩ ዝጸንሐ ገደብ ምንቅስቓስ ክለዓል’ኳ እንተተገበረ: ኣብ መጻኢ ንዝህልዉ ኩነታት ብምግምጋም ዳግም ኣብ ምሉእ ክልል ኦሮሚያ ወይ ከከም ኩነታቱ ኣብ ዝተወሰኑ ከባብታት ግብራዊ ክኸውን ከምዝኽእል ኣረዲኣ።
“እቲ ገደብ ምንቅስቓስ እተተልዓለ’ውን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ጸጥታን ህዝባዊ ኣወዳድበታትን ዝካየድ ፈተሻ ግን ተጠናኺሩ ክቕጽል’ዩ” ኢላ።
ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ኣብዚ እዋን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምልብዑ፤ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ዝተኣወጀ ኮይኑ፤ ከከምኣገዳስነቱ ድማ ኣዋጅ እቶ እቶ [ሰዓት ሕላፍ] ክእወጅ ከምዝኽእል ተሓቢሩ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







