ኢትዮጵያ: መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ሰዓት እቶእቶ ኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, Adama City BDK
መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ምስ ህሉው ኩነታት ብዝተሓሓዝ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንምቁጽጻር ኣብ መላእ እቲ ክልል ሰዓት እቶእቶ ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ፡፡
ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ግዛቸው ጋቢሳ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ኣብቲ ክልል ሰባትን ተሽከርከርትን: ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ ምሸት ሰዓት 2 ክሳብ 11፡30 ወጋሕታ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ እዩ፡፡
በዚ መሰረት ሰባት ክንቀሳቐሱ ዝኽእሉ ካብ 11፡30 ወጋሕታ ክሳብ 3፡00 ሰዓት ምሸት እንትኾን ተሸከርከርቲ ግና ክሳብ ምሸት ሰዓት 2፡00 ጥራሕ ክንቀሳቐሳ ከምዝኽእላ ተዛሪቡ፡፡
ካብቲ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ብተወሳኺ ‘‘ኣብ መንገዲ ፍተሻታት ክህሉ እዩ፡፡ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ክካየድ እዩ፤ ኣብ ቤት ጽሕፈታት መንግስትን ህዝቢ ዝእከበሉ ከባቢታትን እውን ፍተሻ ክካየድ እዩ’’ ኢሉ፡፡
መብዛሕትኡ ፍተሻ ብምሸት ካምዝካየድ ዝገለጸ ኣቶ ግዛቸው ቀጻሊ ግን ዘይክኽውን ይኽእል ኢሉ፡፡
ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተግባራዊ ዝኸውን ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ምእዋጁ ዝዝከር እዩ፡፡
ምክትል ሓላፊ ኮምኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ኣካረይቲ ናይ ተኻረይቶም መለለዪ መንነት ኣብ ቀበሌን ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ ጣብያ ፖሊስን ከመዝግቡ ተነጊርዎም እዩ፡፡
‘‘ወረቐት መንነት ዘይብሉ ሓድሽ ተኻራዪ ከካርዩ የብሎምን፡፡ ወረቐት መንነት ዘይብሎም ተኻረይቲ እንተሃልዮም እውን ከውጽኡ ሓድሽ መስርሕ ተዘርጊሑ እዩ’’ ኢሉ ኣቶ ግዛቸው፡፡
ዕላማ እቲ ኣዋጅ ድማ ‘‘ሰሊኾም ዝኣትዉ: ናይቲ ክልል ሰላም ከይዘርጉ ንምክልኻል እዩ’’ ክብል ኣረዲኡ፡፡
ኣብቲ ክልል ዝተፈለየ ስግኣት ጸጥታ ከምዘየለ ዝገልጽ ኣቶ ግዛቸው ‘‘እንተኾነ ከም ሃገር ዘለዉና ናይ ጸጥታ ጸገማት ይፍለጡ እዮም፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኦሮምያ ዕለታዊ ምቅስቓስ ህዝቢ ዝህውኹ ናይ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ምዝውዋርን ዘይሕጋዊ ንግድን ኣሎ እዩ፡፡ ነዚኦም ንምክልኻል ተባሂሉ እዩ እቲ ገደብ ምንቅስቓስ ተኣዊጁ’’ ኢሉ፡፡
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኦሮምያ ኣዱኛ ኣሕመድ እውን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንምቁጽጻር ገደብ ምንቅስቓስ ከምዝተነበረን ምስዚ ብዝሓሓዝ ኣብቲ ክልል ናይ ውልቀ መሳርሒ ኲናት ዘለዎም ሰባት ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ ከምዝግቡ ከምዝተኣዘዙን ንፋና ተዛሪቡ፡፡









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







