መገሻታት ኡሁሩን ኣንቶኒ ብሊንከንን ጻዕርታት ሰላም ኦባሳንጆን

ምንጪ ስእሊ, ABIY AHMED ALI/FB
ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ንኬንያ ሓዊሱ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ምብጻሕ ከካይድ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓላፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ካብ ኣመሪካ ቅድሚ ምብጋሱ መራሒ ኬንያ ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ተገሊጹ ኣሎ፡፡
ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደን ከምዝተቐበልዎ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ጸብጺበን ነይረን።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኬንያ፡ ጉዕዞ እቲ መራሒ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ንፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኬንያታ ምስ ላዕላዎት መራሕቲ ኢትዮጵያ ከምዝዘተዩ ኣፍሊጡ፡፡
ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ ናይ ሰዓታት ጻንሒት ዛዚሙ ኣብ ናይ ምሸት ሰዓታት ናብ ሃገሩ ከምዝተመለሰ'ውን ጸብጺባት ይሕብሩ፡፡
ዛጊድ ብዛዕባ ዝተዘራረቡሎም ጉዳያት ብወገን ክልቲኦም ኣካላት ዝተገለጸ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፡ ቀንዲ ዛዕበኦም ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ቅልውላው ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ ይግመት፡፡
ብፍላይ ኬንያታ፡ ቅድሚ ሓላፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ናብ ኣፍሪቃ ምምጽኡ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምብጽሑ፡ ምስ ጉዕዞ ብሊንከን ዝተሓሓዝ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብሉ ግምታት ኣለዉ፡፡
ሓላፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብቲ ሎሚ ዝጅምሮ ጉዕዞ ናብ ሃገራት ኬንያ፣ ናይጄርያን ሰኔጋልን ከምዝበጽሕ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ እዩ፡፡
ምብጻሕ እቲ ሓላፊ ካብ ናይሮቢ ከምዝጅመር ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ተራኺቡ ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያ፣ ሶማልያን ሱዳንን ካልእን ክዝትዩ እዮም ተባሂሉ ኣሎ፡፡
ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጽቡቕ ርግኣት ዘለዋ ኬንያ፡ ኣብዚ እዋን ናይ ቀረባ መሓዛ ኣመሪካን ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋን ሃገር እያ፡፡
ሰብመዚ ኣመሪካ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጎንጺ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ብዛዕባ ቅልውላው እቲ ከባቢ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ክመኽሩ ከምዝጸንሑን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኡሁሩ ኬንያታ ናብ ኣመሪካ ተዓዲሙ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ተዘራሪቡ እዩ፡፡
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝተዘራረበ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን'ውን ኣብ መንጎ ንኽልተ መዓልቲታት ናብ ናይሮቢ ተጓዒዙ ምንባሩ ዝዝከር እዩ፡፡
ናይ ኦባሳንጆ ጻዕሪ
ነቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት መፍትሒ ንምርካብ፡ ዘሰማምዕ ሓሳብ ክርከብ ከምዝኽእል እዩ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሴጎን ኦባሳንጆ ዝገልጽ፡፡
እቶም ተጻባእቲ ወገናት ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ ዝበሉዎ ነጥታት ከምዘቐመጡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ምስ መራሕቲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ከምዝተዘራረበን ኣብ ቀጻሊ ምስ መራሕቲ ክልል ዓፋር ከምዝዝትን እቲ ሕብረት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡፡
ብተወሳኺ ኦባሳንጆ ምስ መራሕቲ ኬንያ፣ ዩጋንዳ፣ ጂቡቱ፣ ሶማልያ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ከምዝተዘራረበ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ፡፡
‘‘ኲናት ናይ ፖለቲካዊ ውድቀት ነጸብራቕ እዩ፡፡ እቲ ጎንጺ ወታሃደራዊ ፍታሕ የብሉን፡፡ኣብ ዓውደ ኲናት ዝርከብ ዓወት ዘተኣማምን ፖለቲካዊ ምርግጋእ ኣየምጽእን፡፡ ስለዚ ብዘተ፡ ሰላም ምምጻእ ብሕታዊ ዘላቕን ዘተኣማምንን መንገዲ እዩ’’ ኢሉ ኦባሳንጆ፡፡
ብተወሳኺ ‘‘ወታሃደራዊ ጎንጺ ኣብ ዝካየደሉ ኩነታት ዝካየድ ዘተ ዝድለ ውጽኢት ስለዘየምጽእ፡ ኩሎም ገናት ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ብምባል’’ እቲ ዘተ ንምቕጻል ዕድል ክህቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ፡፡
ካብቶም ተጻባእቲ ወገናት ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ብደረጃ ዓለም ዘለዉ መራሕቲ ናይ ምሽምጋል ጻዕሪ ክሕግዙን "ብፍላጥ ኮነ ብዘይ ፍላጥ ነቲ ጎንጺ ካብ ዘበኣእሱ ስጉምቲታትን ዘረባታትን ክቑጠቡን" ኦባሳንጆ ሓቲቱ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali
ኣለሻ ፍታሕ
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ተጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐን ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ተጋዲዱ ዝቐጸለን ጎንጺ፡ ሰላማዊ ምፍትሒ ክርከቦ ዝተፈላለዩ ወገናት ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ፡፡
ብፍላይ ነቶም ወገናት ንምሽምጋል ናብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዝተመላለሰ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ፡ ዕላማ እቲ ጉዕዞ ነቲ ብወገን ክልቲኦም ኣካላት ዘሎ ሓሳብ ንምርዳእ ከምዝነበረን ኣወንታዊ ምላሽ ከምዝረኸበን ገሊጹ እዩ፡፡
ንሱ ነቲ ጎንጺ ቅልጡፍ ፍታሕ ክድለየሉ ከምዝግባእን እቲ ዘሎ ዕድልን እዋንን እውን ዉሱን ከምዝኾነን ንባይቶ ጸጥታ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብዚ ቀረባ ምልስላስ ዘርኣየ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ጎንጺ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ድልየት ከምዘለዎ ብምግላጽ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዙዎም ከባቢታት ኣምሓርን ዓፋርን ክወጹ ዝጠልብ ዝርከቦም ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጡ እዩ፡፡
ቅድም ክብል ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነታት እውን ከምዘለዉ እዮም፡፡
በቲ ሓደ ዓመት ኣሕሊፉ ዘሎ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ኣስታት 7 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ትካላት ረድኤት ኣፍሊጦም፡፡










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







