ቅልውላው ትግራይ፡ ኣመሪካ ኲናት ኢትዮጵያ ብዲፕሎማሲ ጠጠው ክብል 'ተስፋ' ከም ዘለዋ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጽሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ጠጠው ንክብል ዲፕሎማሲ ከም ዝሕግዝ ተስፋ ኣለኒ ኢሉ።
ንሱ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኦሎሰንጎን ኦባሳንጆን ልኡኽ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ዝኾነ ጄፍሪ ፌልትማንን ከም ዝተራኸበ'ውን ሓቢሩ።
"ኦባሳንጆ ዝሳተፈሉ ዘሎ ጠቓሚ ስራሕ ከምኡ'ውን ንሕና ኮነ ካልኦት ዝሰርሑዎ ዘለው ስራሕ ናብ ዝሓሸ ቦታ ንክበጽሕ ዘኽእል ዕድል ከም ዘሎ ተስፋ ንገብር" ኢሉ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮንን'ውን ከም ዝተዘራረበን "ብዘይ ቅድመ ኹነት እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ብቁውም ነገር ድርድር" ከም ዘድልን ኣመልኪቱ።
እቲ ኲናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ዝስምዑ ዘለው ቃላት ኣብ ሞንጎ ሕብረሰብ ዘሎ ወጥሪ ከጋድዱ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ብምግላጽ እቲ ተጻብጾታት ጠጠው ንምባል ዝካየድ ዝርርብ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕን "ዘላቒ ዝኾነ ፖለቲካዊ ፍታሕ" ንምርካብ ዘኽእል ክኸውንን ተስፋ ከም ዝገብር ገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ይግስግሱ ከም ዘለው እዮም ዝገልጹ።
መንግስቲ ብወገኑ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ክውደቡን ከባቢኦም ክሕልውን ጸዊዑ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ኣሽሓት ሰባት ብምዃኑ እቲ ኲናት ጠጠው ንክብል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሰላም ጻዕሪ ከም ዝደገፎ ይፍለጥ።
በዚ መሰረት፡ ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ ምስ መራሕቲ ትግራይን ካልኦት ሰብ መዚ ፌደራልን ከም ዝተራኸበን ኩሎም ወገናት ከም ዝተቐበሉዎ ምግላጹን ይዝከር።
ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ወከልቲ ኣባላት ሃገራት እቲ ውድብ ነቲ ሕብረት ካብ ዘርኣይኦ ድጋፍ ብተወሳኺ፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያን መራሕቲ ሓይልታት ትግራይን ምቁራጽ ተጻብኦ ክገብሩ፣ ዘይተገደበ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ክህሉ ከፍቅዱን እታ ሃገር ንምድሓን ፖለቲካዊ መፍትሒ ክገብሩን ሓቲቶም።
ብሰንኪ እዚ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣስታት ሸውዓተ ሚሊየን ህዝቢ ሰለስቲአን ክልላት ንህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ተቓሊዑ ከም ዝርከብ ጸብጻባት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ቑጽሮም ዘይተፈልጠ ኣማኢት ኣሽሓት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።
ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉን ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዘኽእል መገዲ ብዘይተገደበ መልክዑ ክኸፍቱን ጻውዒት ይቐርበሎም ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







