ኣንቶኒ ብሊንከን ኩነታት ኢትዮጵያ ክባራዕ ከም ዝኽእል ኣተሓሳሲቡ

ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ከካይድ ምዃኑ ዝተገለጸ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ነታ ሃገር ኮነ ነቲ ከባቢ ክባራዕ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።
ንሱ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እቲ ጎንጺ ኣብ ኢትዮጵያ ክባራዕን ኣብቲ ዞባ ናብ ዝርከባ ሃገራት ክሰፍሕን ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓደገኛ እዩ” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ እቲ ካልእ ኣማራጺ፡ ምቁራጽ ተኹስን ድርድርን ምዃኑ ብምግላጽ፤ ኣመሪካ ነቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝተበገሰ ብፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ዝኻየድ ሽምግልና ከም እትድግፎ ሓቢሩ።
ዝመጽእ ሰኑይ ናብ ኬንያ ክበጽሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ኡሁሬ ኬንያታ ብምርኻብ ንኩነታት ኢትዮጵያ ክዝቲ ምዃኑ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ቤት ጽሕፈት ብሊንከን ናብ ናይጀርያን ሴነጋልን’ውን ክበጽሕ እዩ።
ኣብ ናይ ኬንያ ዑደቱ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ራይቼሌ ኦማሞ ከምዝራኸብን ብዛዕባ ሶማልያን ሓፈሻዊ ኩነታት እቲ ዞባን ክመያየጥ ምዃኑ ተገሊጹ።
ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ንፈለማ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዑደት ንኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣብ ዘገድሱ ሓባራዊ ጉዳያት ለበዳ ኮቪድ-19፡ ክሊማዊ ለውጥን ዓለምለኻዊ ኣሳታፊ ዝኾነ ቁጠባ ምህናጽን ብዝምልከት ክዝቲ እዩ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







