ቅልውላው ኢትዮጵያ: ሰላም ክወርድ ህወሓት ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ክወጽእ ከምዘለዎ መንግስቲ ገሊጹ

ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ደው ክብልን ሰላም ክወርድን እንተዳኣ ተደልዩ ህወሓት ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽእ ኣለዎ ክብል ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጹ፡፡
ኣብ እዋናዊ ጉዳያት መግለጺ ዝሃበ እቲ ወሃቢ ቃል: ሰላም ክወርድ እንተኾይኑ ህወሓት ሰለስተ ነገራት ከማልእ ኣለዎ ኢሉ፡፡
‘‘ሰላም ንክወርድ’’ እንተኾይኑ ፈለማ ህወሓት ካብ ዝተቖጻጸሮም ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽእ ኣለዎ ዝበለ ኣምባሳደር ዲና፡ ካልኣይ ድማ ንመንግስቲ ፌደራል ሕጋዊ ኣፍልጦ ክህቦን ክቕበሎን ኣለዎ ኢሉ፡፡ ሳልሳይ ድማ መጥቃዕቲታት ምፍጻም ደው ከብል ኣለዎ ክብል ተዛሪቡ፡፡
እዞም ሰለስተ ነገራት ‘‘መደራደሪ ቅደመ ኩነታት ክኾኑ ወይ ዘይክኾኑ ይኽእሉ እዮም’’ ዝበለ ኣፈኛ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ዝርርብ የለን ኢሉ፡፡
ብዛዕባ ድርድር ዝተወሰነ ውሳነ ከምዘየለ እውን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ፡፡
መንግስቲ ኩሉሻብ ናይ ሰላም ድልየት ከምዘለዎ ዝሓበረ ኣምባሳደር ዲና: ‘‘ድኻ ሃገር ከምዃንና ንልምዓት ኢና ቀዳምነት እንህብ’’ ኢሉ፡፡
እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መንግስቲ ‘‘ከይደለየ ተገዲዱ ዝኣተዎ እዩ’’ ክብል ድማ ተዛሪቡ፡፡
መራሕቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኢሎም ዝበየንዎ ህወሓት ክደራደሩ ከምዘይደልዩ ብተደጋጋሚ ክዛረቡ ተሰሚዖም እዮም፡፡
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ፡ ኣብ ቀረባ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ተራኺቡ ምዝታዩ ዝዝከር እዩ፡፡
ኣምባሳደር ዲና ንጉዕዞ እቲ ልኡኽ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኦባሳንጆ ‘‘ኣብ ኣፈናዊ ዳህሳስ ('ፋክት ፋይንዲንግ ሚሽን') እዩ ዘሎ’’ ኢሉ፡፡
ኦባሳንጆ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ከምኡ እውን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ይዛተ ከምዘሎ እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ፡፡
‘‘ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅዋም እንታይ እዩ እንተተባሂሉ፡ ንሕና ንሰላም ሓድሽ ቅዋም የብልናን’’ ዝበለ ኣምባሳደር ዲና፡ መንግስቲ ንሰላም ዕንቅፋት ዝኾኑ ማሕለኻታት ዝውገዱሉ መንገዲ ክፍጠር ድልየት ከምዘለዎ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ንሰላም ዕንቅፋት ዝኾኑ ነገራት እንድሕር ተወጊዶም ናብ ሰላም ዘይንኸደሉ ምኽንያት የብልናን’’ ብምባል ‘‘መስረትቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኢና፡፡ ስምዒት ሕብረት ኣፍሪቃ ንቕበል ኢና፡፡ ጸገማት ንምፍታሕ ብወገን ኣፍሪቃ ዝግበሩ ጻዕሪታት ካብ ዝኾነ ኣካል ንላዕሊ ቀዳምነት ንህብ ኢና፡፡ ነዚ ኢና ንኣፍሪቃዊ ጸገማት ኣፍሪቃዊ መፍትሒ እናበልና ብዙሕ ግዘ ዝደጋገምና፡፡ ስለዚ ኦባሳንጆ ንምንታይ መጺኡ? ንምንታይ ከይዱ ክንብል ኣይንኽእልን’’ ኢሉ፡፡
ቅድም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላትን ሃገራትን ንዝቐረበሉ ናይ ተዛተዩ ሕቶ፡ ብሽም ሕጊ ምኽባር ይነጽጎን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ሃገር ከይኣትዉ ይጽውዕን ምንባሩ ዝዝከር እዩ፡፡
ብኻልእ ገጽ: ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰራሕተኛታቱትን ቤተሰቦምን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዓፋርን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተኣሰሩ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡
ኣምባሳደር ዲና ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰባት ህጹጽ ኣዋጅ ብምጥሓሶም ከምዝኣሰሩ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ሰራሕተኛ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ካልእ ሰብ ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎ፡፡ ሕጊ እንድሕር ዘየኽቢሩ ዝኾነ ይኹን ሰብ ይሕተት እዩ፡፡ ዝተኣሰሩ ኣለዉ፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብምጥሓስ እዮም ተኣሲሮም’’ ኢሉ፡፡
እንተኾነ ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ምህላዎም ድሕሪ ምግላጾም ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ መሰረት ዝገበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ይፍጽም ከምዘሎ ትካላት ሰብኣዊ መሰልን መሰኻኽር ዓይንን ይኸሱ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







