ኢትዮጵያ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ትግራይ "ምጽናት ዓሌት" ከምዝተፈጸመ ምግላጹ ተቓዊማ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን

ምንጪ ስእሊ, MoFA-ETHIOPIA

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መንነን

ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ቅድሚ መዓልታት ኣብ ትግራይ "ምጽናት ዓሌት" ከምዝተፈጸመ ምግላጹ "ጭቡጥ ዘይኮነን ዘይሓቃውን" እዩ ብምባል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነጺግዎ።

ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብረቡዕ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ እታ ሃገር ቀሪቡ ምስክርነቱ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ ኣብ ትግራይ "ገበን ምጽናት ዓሌት ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ነዚ ድማ "ምሉእ ተሓታትነት" ክህሉ ጸዊዑ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ነዚ ክሲ ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ እዋን እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኮነ ብድሕሪኡ፡ ኣብ ትግራይ "ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ተባሂሉ ክጥቀስ ዝኽእል ተግባራት ኣይተፈጸመን" ኢሉ።

ኣንቶኒ ቢሊንከን እንታይ እዩ ኢሉ ነይሩ?

ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ይካየድ ኣሎ ንዝበሎ "ምጽናት ዓሌት" ከምኡ ድማ "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ጠጠው ከብሎ እዩ ሓቲቱ ነይሩ።

ብፍላይ ድማ፡ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ካብቲ ክልል ክወጽኡ ከምዘለዎም ደጊሙ ተዛሪቡ።

"ከምቲ እትፈልጥዎ ኣብ'ቲ ክልል ሓይልታት ኤርትራ ኣለዉ። ካብ ጎረቤት ክልል ኣምሓራ ድማ ዕጡቓት ሓይልታት ኣትዮም ኣለዉ። እዚኦም ካብቲ ክልል ጠቕሊሎም ክወጽኡ ኣለዎም። ኣብ ክንደኦም፡ ካልኦት ከምቲ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፡ ዝኸውን ዘሎ ግህስት ሰብኣዊ መሰላት ዘይፍጽሙን ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ዓሌት ምጽናት ጠጠው ዘብሉ ሓይልታት ድማ [የድልዩ]" ኢሉ።

መግለጺ ኢትዮጵያ ኸ እንታይ ይብል?

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ እቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግህሰታት ዓሚዩቕ ምርመራ ክግበር ከምዘለዎ መርገጺኡ ከምዝነጸረ ብምጥቃስ "ነገራት ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ምግዛፍ፡ ነቲ ጉዳይ ብዘየድሊ መልክዑ ፖለቲካዊ ካብ ምግባር ሓሊፉ ሰላም ንምስፋን ዝጠቅም ኣይኮነን" ክብል ንርእይቶ ብሊንከን ነቒፉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ንዝቐርቡ ክስታት ትኹረት ከምዝህብ ብምሕባር፡ ነዞም ዝቐረቡ ክስታት ንምምርማር "ቅልጡፍ ስጉምቲ" ከምዝወሰደ ገሊጹ።

ካብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕግን ኮሚሽን ፖሊስን ዝተወከሉ መርመርቲ ናብ ትግራይ ከይዶም ምጽራያት ይገብሩ ምህላዎም ድማ ከም ኣብነት ጠቒሱ።

ካልኦትከ እንታይ ኢሎም ነይሮም?

እቲ ኣብ ትግራይ ራብዓይ ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ነቲ ክልል ይመርሕ ዝነበረ ህወሓትን ፌዴራል መንግስትን ዘጓነፈ ጎንጺ፡ ኣብቲ ክልል ብዙሕ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣስዒቡ ከምዘሎ ይዝረብ።

ውድብ ህቡራት ሃገራት፡ ኩሎም እቶም ተጻባእቲ ሐይልታት ብገበናት ዂናት ዘሕትት ተግባር ይፍጽሙ ከይህልዉ ኣጠንቂቑ።

ዓለም ለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ወተሃደራት ኤርትራ: ኣብ መወዳእታ ሕዳር ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም: ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ጠቒሱ ኣቃሊዑ እዩ።

ሂዩማን ራይትስ ዎችን'ውን፡ ነቲ 'ከም ገበናት ኲናት ክቁጸር ዝኽእል እዩ' ዝበሎ እቲ ኣብ ኣኽሱም ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ደጊሙ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 'ከጻርዮን ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድን' ምሕታቱ ይዝከር።

ኤርትራ እቶም ዝቐረቡ ጸብጻባት መሰረት ዘይብሎም ክትብል ነጺጋቶም።

ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ

ኣብ መንጎ ብህወሓት ዝምራሕ ክልል ትግራይን ፌዴራል መንግስትን ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝዘለቐ ፍሕፍሕ፡ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምስ ኣናወሐ ተጋዲዱ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ውሳነ ዘይተቐበሎ እንትኸውን፡ መንግስቲ ፌዴራል ዘይሕጋዊ ዝበሎ ክልላዊ መረጻ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ምስ ኣካየደ ድማ፡ እቲ ጎንጺ እናዓረገ ከይዱ።

ቀዳመይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ 'ህወሓት ኣብ ልዕሊ መዓስክር ወተሃደራት መጥቃዕቲ ፈጺሙ' ኢሉ ምስ ከሰሰን፡ ብሕዳር 4 ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣዋጀን፡ እቲ ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ጎንጺ ኣምሪሑ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ፌዴራል መንግስቲ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ፡ እቲ ኲናት ከምዘብቀዐ እንተገለጸ'ኳ፡ ውግእ ቀጺሉ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ይገልጹ።

ብዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብቲ ክልል ኣማኢቲ ኣሻሓት እንትመዛበሉ፡ ናብ ሱዳን ድማ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ምስዳዶምን፣ ኣብቲ ክልል ከቢድ ጥሜትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣንጸላልዩ ከምዘሎን ይዝረብ።

ኣብቲ ክልል፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተፈጸሙን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከጻሪ ክፍቀደሉ ምሕታቱን ይዝከር።