ክልተ ሰብ መዚ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም

ምንጪ ስእሊ, BBC/FBC
ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከገልግሉ ዝጸንሑ፡ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ከምኡ ድማ ሓላፊ ቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መንገድን ትራንስፖርትን ዝነበሩ ኣይተ ኣሉላ ሃብተኣብ (ኢንጅነር) ካብ መዝነቶም ከምዝተኣለዩ ተገሊጹ።
ብዛዕባ'ዚ ቢቢሲ ዘዛረቦ ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ፡ ብሓላፊ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ሙሉ ነጋ (ዶክተር) ካብ ስርሖም ከምዝተሰናበቱ ከምዝተነገሮምን፡ ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ስርሖም ደው ከብሉ ዝገልጽ ደብዳቤ ከምዝበጽሖምን ተዛሪቡ።
ኣይተ ዓምዶም፡ ኣብ ሚድያታት ዝሃቦም መግለጽታት ከምኡ ድማ ብውድብ ዓረና ዝወጸ መግለጺ ካብ መዝነቱ ክእለ ምኽንያት ከምዝኾኑዎ ይገልጽ።
ውድብ ዓረና ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ንዝተፈጸሙ ገበናት ዘጻሪ 'ዘይሻራዊ ኮሚሽን' ክምስረት ዝጽውዕ መግለጺ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።
ዓረና ወሲኹ፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ጉድኣትን ዕንወትን ኣውሪዶም ክብል'ውን ኣብ መግለጺኡ ከሲሱ ነይሩ።
ሓላፊ መንገድን ትራንስፖርትን ዝነበሩ ኣይተ ኣሉላ ሃብተኣብ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ብሰንኪ'ዚ ቅልውላው ኣብ ትግራይ ዝወረደ ዕንወት ብምዝርዛር ኣብ ቀረባ እዋን ንሚድያታት ውሽጢ ዓዲ መግለጺ ምሃቡ ዝዝከር እዩ።
ንሱ'ውን "ካብ ጎረቤት ሃገር ዝመጸ ሰራዊት ኣሎ፡ ካብ ጎረቤት ክልል እውን ዝመጸ ሰራዊት ኣሎ" ብምባል ነቲ ኣብ ትግራይ ዝወረደ ዕንወት ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ገሊጹ ነይሩ።
ብዛዕባ ምእላይ እዞም ሰብ መዚ ክነዛርቦ ናብ ሓላፊ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ሙሉ ነጋ ደዊልና፡ ኣይሰመረን።
"ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዘሎ ኣፈላላይ"
ኣብ መንጎ እቲ ካብ ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ፖለቲካ ዝተኣከበ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተፈላለዩ "ድልየታት" ከምዘለዉ ኣይተ ዓምዶም ይዛረብ።
"ብዙሓት ኣብ'ቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዘለዉ ኣባላት፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገማት ብምልኡ ከይተሓባበአ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ኣለዎ። ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦ ኣለዎ ዝብል ቅዋም ዘለዎም ኣለዉ። እዚ ክግለጽ ዘይደልዩ ኣባላት ድማ ኣለዉ። እዚ ዝፈጠሮ ጸገም እዩ። ምኽንያቱ ንሕና፡ ኣብ ህዝብና ዝበጽሐ ኩሉ ወጽዓታት ተቓሊዑ ፍታሕ ክረክብ፡ ገበነኛታት'ውን ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኢና ንደሊ" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ ብወገን ምዕራብ ትግራይን ብደቡብ ትግራይን ብሓይልታት ኣምሓራ ዝተታሕዘ ቦታታት፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ጊዚያዊ ምምሕዳር ካልእ ምንጪ ምስሕሓብ ከምዝኾነ ይገልጽ።
"ንሕና ብምዕራብ ይኹን ብደቡብ ዘሎ መሬት ትግራይ ናብ'ቲ ንቡር ክምለስ ኢና ንደሊ። ካብ ላዕሊ ጽዕንቶ እናተገበረሎም እዚ ንክዕፈን ዝደልዩ ኣካላት'ውን ኣለዉ። እቲ ቀንዲ ኣፈላላይ እዚ እዩ" ይብል ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ።
ጉዳይ "ብኣምሓራ ዝተታሕዘ መሬት ትግራይ"
ብዶ/ር ሙሉ ነጋ ካሕሳይ ዝምራሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ንጥፈታት መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ዘካይዶም ህዝባዊ ኣኼባታት ካብ ዝቐርቡሉ ተደጋገምቲ ሕቶታት እቲ ሓደ፡ ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ክመሓደር ዝጸንሐ ገለ ከባቢታት ናብ ክልል ኣምሓራ ብሓይሊ ክካለል ተገይሩ ዝብል እዩ፡፡
እዚ ጉዳይ ክልል ካብ ካልኦት ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር እውን ክስማዕ ጸኒሑ እዩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ''ካብ'ቲ ህወሓት ዘመሓድሮ ዝነበረ ትግራይ ዝበሃል ክልል ቁራስ ሰንቲ ሜትር እውን ቀኒሱ ከመሓድር እውን ኣይኽእልን፤ እቶም ሒዞምዎ ዘለዉ ሓይሊታት ካብ ሸፋቱ ፈሊና ኣይንርእዮምን'' ኢሉ ነይሩ፡፡
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ወልቃይት፡ ጸለምቲ፡ ሰቲት ሑመራ፡ ራያ ኣላማጣን ኮረምን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ኣምሓራ ከምዘሎ ኣሚኑ እዩ።
እንተኾነ "ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ፡ ዘይግባእን ማይ ዘይቋጽርን'ዩ" ዝብል ምላሽ እዩ ሂቡ።
"ብሓይሊ ተወሲዱ ነይሩ፡ ብሓይሊ ተመሊሱ'ሎ፡ ብሓይሊ ተመንዚዕና፡ ብሓይሊ ኣምሊስና" ብምባል "እቶም ዝተጠቕሱ ከባቢታት ናይ ኣምሓራ'ምበር ናይ ትግራይ ኣይኮኑን" ብምባል ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ተዛሪቡ እዩ።
"ህዝብና ሓገዝ ክረክብ ምእንቲ ኢና ናብ'ቲ ምምሕዳር ኣቲና"
ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ፡ ኣካል እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ከገልግል ዝኣተወሉ ምኽንያት "ብቐንዱ ህዝብና ምእንቲ ሓገዝን ረደኤትን ክረክብ እዩ" ይብል ኣይተ ዓምዶም።
እንተኾነ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዝርእዩዎ ጸገማት ብግልጺ ክዛረብሉ ከምዘይከኣሉ ይገልጽ።
እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ንርእሱ ክኢሉ ዝመሓደር ከምዘይኮነ ዝዛረብ ኣይተ ዓምዶም "ካብ መንግስቲ ፌደራል ትእዛዝ እናተቐበለ ዝኸይድ" ምዃኑ ጸገም ከምዝፈጠረ ይዛረብ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







