ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ንቐረብ ሰብኣዊ ረድኤት 40 ሚልዮን ዶላር መዲቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ንቐረብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል 40 ሚልዮን ዶላር ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ማርቲን ግሪፍትስ፤ ኣብ ኢትዮጵያ መድሕን ህይወት ስራሕቲ ረድኤት ንምስላጥን ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ንምውሓስን ካብ ማእከላይ ፈንድ ህጹጽ ጊዜ 25 ሚልዮን ዶላር መዲቡ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ ተወሳኺ 15 ሚልዪን ዶላር ዝቐረበ ኮይኑ፤ ብድምር ንቐረባት ሰብኣዊ ረድኤት ኢትዮጵያ ዝውዕል 40 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝግበር ተሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተላብዐ ኲናት፤ ሚልዮናት ዜጋታት ተጸበይቲ ረድኤት ክኾኑ ከምዝገበረ ዘመልከተ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ብዝሒ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት 7.1 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ኣነጺሩ።
ሰብኣዊ ቅልውላው እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ከባብታት ሰሜን ኢትዮጵያ፤ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሕሱም ናብራ ይመርሑ ምህላዎም ሓቢሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደ ሓላፊ ኦቻ ግሪፍትስ፤ “ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ሓገዝ ተጸባይነት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ስለዚ እዚ ገንዘብ ትካላት ረድኤት ነቶም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ሓለዋ ንኽገብሩን ረድኤት ንከቕርቡን ዝሕግዝ’ዩ” ኢሉ።
እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመደበ ገንዘብ ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ብሰንኪ እቲ ዘሎ ኲናት ንዝተሃሰዩ ሰባት ሓለዋን መድሕን ህይወት ደገፍን ክገብሩ ከምዘኽእሎም ድማ ኣመልኪቱ።
ብተወሳኺ ድማ ኣብ ክልላት ሶማሊያን ኦሮሚያን ብደርቂ ዝተሃሰዩ ዜጋታት ተረባሕቲ እቲ ገንዘብ ክኾኑ’ዮም።
ኣብቶም ክልላት ዝተዋፈሩ ትካላት ረድኤት ጽሩይ መስተ ማይ ንምቕራብ፣ ማይ ወለድ ሕማማትን ሸሮኽን ኣብ ምክልኻል ከምዝሰርሑን ካልኦት ደገፋት ከምዝግበርን እቲ ውድብ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ምቕራብ ሰብኣዊ ረድኤት 1.3 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ሕጽረት ከምዘጋጠሞ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብ ትግራይ ጥራይ ንንጥፈታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል ተወሳኺ 350 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልይ እቲ ውድብ ወሲኹ ሓቢሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







