ጂቡቲ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝግበር ምትእትታው ኣፍደገ ከምዘይትኸውን ገሊጻ

ሙሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ሃገሩ

ምንጪ ስእሊ, MAHMOUD ALI YOUSSOUF/FB

ጂቡቲ፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝግበር ተጻባኢ ምትእትታው ኣፍደገ ከምዘይትኸውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ኣፍሊጡ።

ሙሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ሃገሩ ‘‘ኣብ ልዕሊ ጎረቤት ሃገር ንዝፍጸም ወታሃደራዊ ምትእትታው መፈጸሚ ኮይና ከምዘይተገልግል’’ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ንሱ፡ ናይቲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዝኾነ ጀነራል ዊልያም ዛና፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደገኛ ክስተት እን ኣጋጢሙ ሰራዊት ኣመሪካ ‘‘ኣብዚ ኮይኑ ግብረ መልሲ ክህብ እዩ’’ ድሕሪ ምባሉ እዩ ነዚ ተዛሪቡ ዘሎ፡፡

‘‘ገለ ሰባት ግዝኣት ጅቡቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝፍጸም ምትእትታው ኣፍገደ ክውዕል ትኽእልያ ዝብል ስግኣት ኣለዎም’’ ድሕሪ ብምባል፡ እዚ ግን ከምዘይከውን እቲ ሚኒስተር ኣትሪሩ ተዛሪቡ፡፡

‘‘ምስ ጎረባብቱ ዝምድና ዘለዎ መንግስቲ ጅቡቲ እዚ ክኸውን ኣይፈቅድን’’ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ፡፡

ናብ ቀይሕ ባሕሪ ቀንዲ መተሓላለፊት ኣብ ዝኾነት ጂቡቲ፡ ወታሃደራዊ ማእከል ካብ ዘለወን ሃገራት ሓቲ ዝኾነት ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቅልውላው እንተኣጋጢሙ ወታሃደራታ ምላሽ ከምዝህቡ ጀነራል ዊልየም ገሊጹ ነይሩ፡፡

ንሱ፡ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኢድ ተቓመውቲ ሓይልታት እንተወዲቓ፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኣመሪካውያን ንምውጻእ ኣብቲ ለሞኒዬር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማዓስከር ዘለዉ ወታሃደራት ኣመሪካ ድሉዋት ምዃኖም እዩ ተዛሪቡ፡፡

ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ ጀነራል ዊልያም ዛና፡ እቲ ካብ ዝጅመር ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝህልዎ ገሊጹ፡፡

‘‘ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኢድ እቶም ሓልታት ትግራይ እንተወዲቓ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥም እዩ’’ ክብል እውን ተዛሪቡ፡፡

ብተወሳኺ ቀንዲ ዕላማ እቲ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ቅልውላው እንተጋጢሙ ምላሽ ንምሃብ ድልው ከምዝኾነ ዝገለጸ እቲ ኣዛዚ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ኣብ ኢትጵያ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካን ኣመሪካውያንን ንምግዓዝ ድልውነቱ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡

ወደብ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ዝበዝሕ ንግዲ ኣታውን ወጻእን ብጅቡቲ ኣቢላ እተሳልጥ ኮይና ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ስጡም ርክብ ከምዘሎ እዩ ዝንገር፡፡